'30 ዓመት ክነብር ምኸኣልኩ - ግን ክመውት ወሲነ'

ኤፕሪል ኣብ ዓረብያ ስንኩላን

ኤፕሪል ሃባርድ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክትመውት ኣብ ዝሓሰበትሉ መድረኽ ትያትር ኮፍ ኢላ ትረአ።

ናብ ሞት ኣብ ዘብቅዕ ሕማም ኣይኮነትን ዘላ። እንተኾነ ግን እታ ጓል 39 ዓመት ስነ-ጥበባዊ ምርኢት እተቕርብ ክኢላ ኣብ ካናዳ ብሕክምና ንዝተሓገዘ ሞት ፍቓድ ረኺባ ኣላ።

መጠንቀቕታ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ንገለ ኣንበብቲ ዝርብሽ ትሕዝቶን ዝርዝርን መግለጺታትን ዝሓዘ እዩ።

ካብቲ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሃሊፋክስ ኖቫ ስኮትያ ዝርከብ ትሕቲ 100 መናብር ዘለዎ ኣዳራሽ 'ባስ ስቶፕ ትያትር' ኮይና ቢቢሲ ኒውስ ኣዘራሪብዋ'ሎ።

40 ዓመት ልደታ ምስ መልኣ "ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ" ኣብዚ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ምርኢት ዘቕረበትሉ መድረኽ ክትመውት መደብ ከምዘለዋ እያ ትገልጽ። ኣብታ መዓልቲ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ኣባላት ስድራኣን ፈተውታን ከቢቦም ነቲ ፍጻመ ክከታተሉ እዮም።

ኤፕሪል፡ በዓል ሞያ ሕክምና ነቲ ቀታሊ መድሓኒት ክወግኣ ከሎ ኣብቲ "ምቹእ" ዝበለቶ ዓራት ኰይና "ናይ ጽምብል ህሞት" ክህሉ መደብ ኣለዋ።

"ብዘፍቅሮም ሰባት ተኸቢበ፤ ኩሉ ሰብ ብፍቕርን ደገፍን ኣሰንዩኒ ነታ ናይ መወዳእታ ትንፋሰይ ክወስድ ጥራይ እየ ዝደሊ" ትብል።

ኤፕሪል ብስፒና ቢፊዳ ዝተወልደት ኮይና፡ ድሒራ ኣብ መሰረት ዓንዲ ሕቖኣ ሕበጥ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ፡ እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ፡ ዘዳኽም ቃንዛ ከምዘርኣያ ትዛረብ።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ከበድቲ መቐነሲ ቃንዛ ክትወስድ ጸኒሓ'ያ። ኣብ መጋቢት 2023 ድማ ብሕክምናዊ ሓገዝ ንክትመውት ኣመልኪታ። በቲ ዘላትሉ ኩነታታ ገና ንዓሰርተታት ዓመታት ክትነብር እኳ እንተኸኣለት፡ ነቲ መመልከቲ ካብ እተእቱ ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ግን ብሕክምና ተሓጊዛ ምዕራፍ ህይወታ ክዛዘም ተፈቒዱላ።

ነቶም ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝሓመሙ ሰባት ግን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነቲ ፍቓድ ምርካብ ይከኣል እዩ።

"ስቓየይን ቃንዛይን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ድማ ሕጉስን ዕግበት ዘለዎን ህይወት የብለይን" ትብል ኤፕሪል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትንቀሳቐሰሉ ወይ ኣብ እትትንፍሰሉ እዋን፡ ካብ መሰረት ዓንዲ ሕቖኣ ዝብገሱ መትኒታት "ከምቲ ኣዝዩ ርሒቑ ዝውጠር ጎማ ዝስሓብ ዘሎ ኮይኑ" ከም ዝስምዓን፡ ንታሕተዎት ኣካላታ ድማ ኣብ ስቓይ ከም ዘእትዎን ትዛረብ።

ኤፕሪል

ኣብዚ እዋን ካናዳ ምስቲ ኣብ ሆላንድን ቤልጅየምን ብቐሊሉ ተፈጻሚ ዝኸውን ዘሎ ዝመሳሰል ኣብ ዓለምና ካብቶም ብዘይጸገም ፍቓድ ዝርከበሉ ሕጊ ብሕክምና ዝተሓገዘ ሞት ኣለዋ።

ኣብ 2016 ነዚ ሕጊ ክተተኣታትዎ ከላ፡ ንብዙሓት ከቢድን ዘይፍወስን ኣካላዊ ሕማም ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት፤ እሞ ድማ ዘይጽወር ስቓይ ዘስዕበሎም እንተኾይኑ ንክፍጸም ኣብ ግምት ብምእታው ነይሩ።

ነዚ ዝቓወሙ ኣካላት፡ ንጉድኣት ኣካልን ዝተሓላለኸ ጸገማት ጥዕና ዘለዎምን ሰባት ከም ስሩዕ ኣማራጺ ሕክምና ዝረአ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይዛረቡ።

"ኣብ ካናዳ ኣብ ክንዲ ብህይወት ንምንባር ዘኽእለካ ደገፍ መንግስቲ ምርካብ እቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ንዝፍጸም ሞት ፍቓድ ምርካብ ይቐልል" ይብል ኣማኻሪ ምዕባይ ግንዛበ ስንክልና ዝኾነ ንኤፕሪልስ መሓዝኣ ኣንድሪው ጉርዛ።

መልመስቲ ሓንጎል [ሴረብራል ፓልሲ] ዘለዎን ብዓረብያ ስንኩላን ዝንቀሳቐስን ኣንድሪው፡ ንውሳነ ኤፕሪል ከምዘኽብሮ ይዛረብ።

እንተኾነ ግን "ስንክልናይ እንተዝጎድልን ድሌታት ክንክን እንተዝውስኽን፡ ሕጂ'ውን ብህይወት ክህሉ እየ ዝደልይ። ብቐሊሉ ህይወትካ ከተብቅዕ ምግባር ትኽእል ኢኻ ዝብል ሕጊ ከምዘሎ ምፍላጥ - ናይ ብሓቂ ዘፍርሕ'ዩ" ይብል።

ኣንድሪው
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤፕሪል ቅድሚ ብሕክምና ንዝተሓገዘ ሞት ፍቓድ ምርካባ ስቓያ ዘቃልሉ መንገድታት ክሕብርዋን ኣማራጺ ሕክምናታት ክህብዋን ትጽቢት ብዝተገበረሎም ኽልተ ሓካይም ተገምጊማ እያ።

ኣብ 2023 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 15,343 ብሕክምና ዝተሓገዘ ሞት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ኩሎም ኣብ ካናዳ ዝተመዝገቡ ሞት ኣስታት ሓደ ካብ 20 ዝውክል እዩ። እዚ ብዝሒ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣዝዩ ብምውሳኹ ከኣ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝለዓሉ ሓደ እዩ። ማእከላይ ዕድመ እቶም ፍቓድ ዝወሀቦም ድማ 77 ዓመት እዩ ነይሩ።

ዝበዝሐ ካብቲ ቀታሊ ንጥረ-ነገር ብሓኪም ወይ ነርስ ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ዘዘራረብናዮ ዶክተር ኤሪክ ቶማስ 577 ሕሙማት ንኽሞቱ ከም ዝሓገዘ ገሊጹልና።

ፕረዚደንት ማሕበር ገምገምትን ኣቕረብትን ብሕክምና ዝተሓገዘ ሞት ካናዳ ዶክተር ኮንያ ትራውተን፡ እዚ ሕጊ ካብ ዝትግበር ንደሓር ኣማኢት ሕሙማት ንኽሞቱ ሓጊዛላ።

እቲ ኣገባብ ሓደ ዓይነት እዩ። ኣብ ገዛ ናይቲ ብሓገዝ ንኽመውት ፍቓድ ዝተዋህቦ ሰብ ምስበጽሐት ነቲ ሰብ ኣብታ መዓልቲ ንኽመውት ድውል እንተኾይኑ ደጊማ ትሓትት። ድልዋት ምዃኖም ምስኣረጋገጹላ ከኣ ነቲ ተግባር ትፍጽሞ።

እቲ ብሰራውር ደም ብዝወሃብ ቀታሊ መድሓኒት ዝፍጸም ሞት ሒደት ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝወስድ። ምኽንያቱ እቶም ቀተልቲ መድሃኒታት ብቐጥታ ናብ ደም ስለዝኣትዉ። ዝወሓጡ መድሃኒታት እንተኾይኖም ግን ሕሙማት መብዛሕትኡ ግዜ ንኽሞቱ ኣስታት ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ይወስደሎም። ዝነውሐ ግዜ ክወስድ'ውን ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እዮም ቀልቦም ዘጥፍኡ።

ዶክተር ትራውተን፡ እቲ ናይ ካናዳ መስርሕ [ብሰራውር ደም ዝወሃብ] ዝቐልጠፈን ዝያዳ ውጽኢታውን ጌራ ከም እትቖጽሮ ትዛረብ።

"ገለ ሰባት ብሰንኪ ዘለዎም ሕማም ነቲ መድሃኒት ክውሕጥዎ እንተዘይክኢሎም፡ ወይ ብሰንኪ ጸገም ምውሓጥ ነቲ ምሉእ መድሃኒት ክወስዱ እንተዘይክኢሎም እንታይ ከምዝፍጠር ስክፍታ ኣለኒ?" ትብል።

ተቓወምቲ ግን ካናዳ እኹል ማሕበራዊ ወይ ሕክምናዊ ደገፍ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ ብሕክምና ተሓጊዝካ ሞት ከም ዝሓሰረ ኣማራጺ ትጥቀመሉ ምህላዋ ብምግላጽ ይምጉቱ።

'ክነብረሉ ዝደሊ መንገዲ እዚ ኣይኮነን'

ኣብ ካናዳ ብሓገዝ ሕክምና ዝሳለጥ ሞት ዝፍጸመሎም ሕግታት ብውሳነታት ቤት ፍርዲ ዝተደፋፍአ እዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ብሓገዝ ምሟት ምእጋድ ንቻርተር መሰላትን ናጽነታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ንባይቶ መምርሒ ሂቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ከኣ፡ ከም በዓል ቶኒ ኒክሊንሰን፣ ዳያን ፕሪቲን ኖኤል ኮንዌይን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ብሓገዝ ዝፍጸም ሞት ብድፉኑ ምኽልካል ንሰብኣዊ መሰላቶም ከምዝጥሕስ ዝገልጽ ክትዕ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ኣብ ሕጊ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ለውጢ ንባይቶ ዝምልከት ከምዝኾነ ዳያኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኤፕሪል ገለ ሰባት ክርእይዋን ገና መንእሰይ ምዃና ብምሕሳብ ስለምንታይ ክትመውት ከምዝወሰነት ክሓስቡን ከም ዝኽእሉ ትግንዘብ እያ።

"ምሽፍፋን እንፈትውን ሰባት ነቲ እነሕልፎ ስቅያት ከይፈልጡልና እንሓብእን ፍጡራት ኢና" ትብል ኤፕሪል።

"ኣብ ሓቂ ግን፡ በቃ ክሓብኦ ዘይክእል መዓልታት ኣሎ። ርእሰይ ካብ ትርኣሰይ ኣቕንዕ ከብልን መግቢ ክበልዕን ዘይክእለሉ መዓልታት'ውን ኣሎ።" ክትብል ንኩነታታት ትገልጽ።

"ንተወሳኺ 10 ወይ 20 ወይ 30 ዓመት ክነብር ዝደልየሉ መንገዲ እዚ ኣይኮነን" ትብል።