'መርዛም እወታውነት' እንታይ እዩ? ብኸመይ'ከ ይጸልወና?

ምንጪ ስእሊ, Martin Novak
ኣብ ኣሰቃቒ ወይ ከቢድ ኵነታት እናሃለኹም፡ ዝያዳ እወታዊ ኵኑ ዝብለኩም ሰብ ኣጋጢምኩም ይፈልጥ'ዶ?
ካብ ኣዕሩኽትና፡ ወለድና፡ መምህራንና ወይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'እወታዊ' ኣተሓሳስባ ክህልወኩም ከምዝግባእ ዝገልጹ መልእኽትታት ትሰምዑ ወይ ተንብቡ ኢኹም።
መጠን ቃንዛኹም ብዘየገድስ 'ኣይትሻቐሉ' ዝብሉኹም ሰባት ሒደት ከምዘይኰኑ ምግማት ይከኣል።
እዚ ግን 'መርዛም እወታውነት' እዩ።
ብርግጽ ተስፋ ምግባር ወይ እወታዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ረብሓታት ኣለዎ። ይኹን'ምበር መርዛም እወታውነት ንዅሉ ከቢድ ስምዒታት ብምንጻግ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ሓጎስን እወታውነት ክህልዎም ዝድግፍ ኣተሓሳስባ እዩ።
እዚ ዛንታ፡ ክኢላ ስነ-ፍወሳ በሰላን ፈጠራን ዝዀነት ታሻ ቤይሊ መርዛም እወታውነት ብዝምልከት ኣብ ዘዳለወቶ ጽሑፍ ዝምርኰስ እዩ።
'መርዛም እወታውነት' እንታይ እዩ?
መርዛም እወታውነት ማለት ሰባት ዝርከብሉ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ኣሰቃቒ ወይ ከቢድ ይዅን ብዘየገድስ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ይግባእ ዝብል እምነት እዩ።
ብመሰረት እዚ እምነት'ዚ፡ ዋላ ስምዒታዊ ይኹን ኣካላዊ ቃንዛ እንተሃለወና ኵሉ ግዜ እወታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ይግባእ።
ዝያዳ ብእወታዊን ሕጉስን ስምዒት ምውሳእ ዝሓሸ ስምዒት ይፈጥር እዩ ኣብ ዝብል ዘይክውንነታዊ ኣተሓሳስባ ይምርኰስ።
ኣብ ክውንነት ግን ኣዝዩ ሓቀኛን ሰብኣውን ስምዒታትና እንሓብዐሉ መስርሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኸፍአ ስምዒት ከስዕበልና ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ህይወትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተሃለዉ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ህይወትናን ከምዝረብሕ ኣየካትዕን።
እቲ ጸገም ግን ህይወት ኵሉ ግዜ እወታዊ ዘይምዃና እዩ።
ኵላትና መሪር ስምዒታትን ተመኩሮታትን ኣሕሊፍና ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ደስ ዘይብሎም እኳ እንተዀነ፡ እዞም ስምዒታት ብግልጽን ብቕንዕናን ሰሚዕና እንተመሓዲርናዮም እዩ ዝሓሸ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክንረክብ እንኽእል።
መርዛም እወታውነት ንእወታዊ ኣተሓሳስባ ናብ ልዕሊ ዓቐን ሓፈሻዊ ዝኾነ ጸግዒ እዩ ዝወስዶ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንኣገዳስነት ተስፋ ምጉላሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጉስ ወይ እወታዊ ዘይኰኑ ኣሰር ስምዒታት'ውን ይነጽግ።
መርዛም እወታውነት ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል፤ ኣብ ህይወትና ከጋጥሙና ዝኽእሉ ገለ ኣብነታት እውን ኣለዉ።
ገለ ጸገም ጥዕና ኣጋጢሙኩም መሐከሚ ገንዘብ ኣብ ዝሰኣንኩሙሉ እዋን፡ ሰባት "እወታዊ ኵኑ" ወይ "እወታዊ ጎኑ ጥራይ ርኣዩ" ክብሉ ይኽእሉ እዮም።
እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት ዝህቡ ሰባት መብዛሕትኡ፡ ሓልዮት ንምግላጽ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞ ጸገም ክዛረቡ ዝደሊ ነገር ንኸይዛረብ ክድርኽ ተኽእሎ ኣሎ።
ሰባት ዝዀነ ሕማቕ ነገር ከጋጥሞም እንከሎ፡ "ኵሉ ነገር ብምኽንያት እዩ ዘጋጥም" ወይ "ንጽቡቕ ነገር ዝብሉ እውን ኣለዉ። "ካባኹም ዝኸፍእ ነገር ዘጋጠሞም ሰባት ኣለዉ" ዝብል ርእይቶ ዝህቡን ኣይጠፍኡን።
ይኽእሉ። ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ዘጸናንዕ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ክህቡ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ግን ካብ ቃንዛ ናይቲ ካልእ ሰብ ንምውጋድ ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።
ሓደ ሰብ ተስፋ ምቑራጽ ወይ ሓዘን ምስ ዝስምዖ፡ "ሓጎስ ምርጫ እዩ" ኢሎም ዝምልስሉ ሰባት ኣለዉ። እዚ ማለት እቲ ሰብ ኣሉታዊ ስምዒታት ዝስምዖ ዘሎ ሕጉስ ክኸውን "ስለዘይመረጸ" እዩ ዝብል ግጉይ ጦብላሕታ'ዩ ዘመልክት።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ እዞም ኣበሃህላታት ንጽቡቕ ዕላማ ዝበሃሉ ኰይኑም፡ ግን ከኣ ብድኹም ቃላት ዝተሰነዩ እዮም።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ሰባት እንታይ ክብሉ ከምዘለዎም ብዘይ ምፍላጦም ጥራይ ዝብልዎም ኣገላልጻታት ክዀኑ ይኽእሉ። እንተዀነ፡ መርዛም እወታውነት ጐዳኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ 'መርዛም እወታውነት' መብዛሕትኡ ግዜ ንኻልኦት ሰባት እንህቦ ምላሽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብውሽጥና ንገዛእ ርእስና እውን እንብሎ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ።
መርዛም እወታውነት ስለምንታይ ጎዳኢ ይኸውን?
ልዕሊ ዓቐን እወታውነት መርዛም እዩ፡ ምኽንያቱ ነቶም ከቢድ እዋን ዘሕልፉ ሰባት ክጎድኦም ተኽእሎ ኣሎ። እቶም ሰባት ሓቀኛ ሰብኣዊ ስምዒታት ኣካፊሎም ብዘይ ቅድመ ኵነት ደገፍ ንክረኽቡ ዘተባብዕ ዘይኰነስ፡ ስምዒታቶም ከምዝተነጸጉ፡ ዕሽሽ ከምዝተበሃሉ ወይ ተቐባልነት ከምዘይረኸቡ ክስምዖም እዩ ዝገብር።
ብተወሳኺ እቶም ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ሓፍረት ንክስምዖም'ውን ይድርኽ። ይኹን'ምበር ሓደ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሰብ ክሳቐ፡ ስምዒቱ ቅኑዕ ከምዝዀነን ካብ ፈተውቱን ቤተሰቡን ድማ ሓገዝን ፍቕርን ክረክብ ከምዝኽእልን ክፈልጥ ኣገዳሲ እዩ።
ካልእ ድማ እቶም ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ናይ በደለኝነት ስምዒት ከስዕበሎም ይኽእል። እዚ ማለት እወታዊ ስምዒት ክስምዖም ዘኽእል ዝዀነ መንገዲ እንተዘይረኺቦም፡ ዝዀነ ጌጋ ከምዝፈጸሙ ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ።
ንኻልኦት ጾር ይዀኑ ከምዘለዉ ክስምዖም ስለዝኽእል፡ ካብ ስምዒታቶም ጠቕሊሎም ክርሕቑ፡ ወይ ጸገመሞም ክሓብኡ ይገብሮም። ብዛዕባ እቲ ጸገም ንዝዀነ ሰብ ክነግሩ ከምዘይብሎም ክስምዖም ስለዝገብሮም፡ እቲ ድሮ ዝስምዖም ዝነበረ ተነጽሎን ጽምዋን ይጋደድ።
ስለዚ ኣብ ክንዲ ንኣዕሩኽትና ወይ ንገዛእ ርእስና ከይተረፈ 'መርዛም እወታውነት' ንገልጽ፡ ዝያዳ ቅንዕናን ትርጉም ዘለዎን ዕላል ከነለዓዕል ክነበግስ ኣገዳሲ'ዩ።
መርዛም እወታውነት ዝገልጹ ርእይቶታት ምሃብ እቶም ሰባት ዘይምቹእነት ክስምዖም ስለዝገብር፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታትን ስምዒታቶምን ከይገልጹ ወይ'ውን ክነጽጉን ክኽሕዱን ክገብሮም ይኽእል እዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ንጸገመሞም መፍትሒ ከይረኸቡ ይተርፉ ኣለዉ ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መርዛም እወታውነት ብኸመይ ንከላኸሎ?
ኣብ ገዛእ ርእስኹም ባህርያት መርዛም እወታውነት እንተሃልይኩም፡ ዝያዳ ጥዑይን ዝያዳ ደጋፍን ንኽተማዕብሉ ክትገብርዎም እትኽእሉ ነገራት ኣለዉ።
ንኣብነት ደሓን ዘይምዃን ማለት ሕማቐ ነገር እዩ ማለት ከምዘይኰነ ክትፈልጡ ይግባእ። ሰብ ኵሉ ጸገም ከምዘጋጥሞ ክትርድኡ ይግባእ። ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ምዃን ክውንነታዊ ከምዘይኰነ ድማ ክትቅበሉ የድሊ።
ኩሉ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ዘጨንቕኹም ነገራት ንኣዕርኽትኹም ወይ ስድራኹም ካብ ምንጋር ንድሕሪት ኣይትበሉ።
ስምዒታትኩም ከይከሓድኩም ወይ ከይነጸግኩም፡ ክተመሓድርዎ ፈትኑ። ምንጻግ ብኣንጻሩ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣብ ዘይተቖጻጸሩሉ እዋን ከቢድ ጸቕጢ ከስዕብልኩም ይኽእል።
ስለዚ ምስ ሰባት ትርጉም ዘለዎ ዕላል ኣብ ምክያድ ምድሃብ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ክትፈልጡ ኣለኩም።
ሰባት መርዛም እወታዊ ዝገልጹ ርእይቶታት ክህብኹም እንከለዉ፡ ርእይቶኦም ሓጋዚ ከምዘይኰነ ብትሕትና ንገርዎም። እንታይ ዓይነትን ብኸመይን ድጋፍ ክትረኽቡ ከምእትመርጹ እንተነገርክምዎም ጸገም የብሉን።
ብሰንኪ እቲ እንነብረሉ ባህሊ፡ ብዙሕ ግዜ ዕላላት ብንኣሽቱ ዘረባታት ኢና ንጅምር እዚ ድማ ንቕንዕና ቦታ ዝህብ ኣይኰነን። ስለዚ ጉዳይኩም ብቐጥታ ብዕምቆት ክትገልጹ ፈትኑ።
ብካልእ ወገን ድማ ሰባት ጸገሞም ከካፍሉና እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ መርዛም እወታዊ ርእይቶታት ምሃብ፡ ስምዒቶም ኣብ ምርዳእ ክነተኩር ይግባእ።
ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ከጋጥሙና እንከለዉ፡ ጉዳዮም ብርህራሄ ክንሰምዕ ንፈትን። እቲ ጉዳይ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣጋጢሙ እንተዝኸውን እንታይ ክስምዓና ከምዝኽእል ንነብስና ንሕተት። እዚ ድማ ናብ ሓቀኛ ርህራሄ ዘምርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። እቲ ካልእ ሰብ እንታይ ይስምዖ ከምዘሎ ንምርዳእ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ መሳርሒ እዩ።
ፍታሕ ወይ እወታዊ ጭርሖታት ካብ ምሃብ ተዓቂብና፡ ኣብ ክንድኡስ ንሰምዖም ከምዘለና ንክፈልጡ እንተገበርና ዝሓሸ ይኸውን። እቲ ጸገም 'ከቢድ ይመስል' ወይ 'ከመይ ክሕግዝ ይኽእል?' ዝኣመሰሉ ሃሳባት ክንዛረብ ንፈትን።
ስለዚ ሰባት ከቢድ ጸገም ከምዘጋጠሞም ክነግሩኹም እንከለዉ፡ ብመርዛም እወታዊ ርእይቶታት ኣይትዕጸውዎም። ኣብ ክንድኡስ፡ እቲ ጸገም ንቡር ምዃኑን ክትሰምዖዎም ድሉዋት ከምዝዀንኩምን ኣፍልጥዎም። 'ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ነገር ከጋጥም ንቡር እዩ፡ ብኸመይ ክሕግዘካ/ኪ?' ኢልኩም ብምሕታት ክተተባብዕዎም ኣገዳሲ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







