ሳድዮ ማነ ካብ ሊቨርፑል ናብ ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሙኒክ ተሰጋጊሩ

ምንጪ ስእሊ, Bayern Munich
ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሳድዮ ማነ ብ35 ሚልዮን ዩሮ ካብ ሊቨርፑል ናብ ዓባይ ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሙኒክ ተሰጋጊሩ።
ወዲ 30 ዓመት ሰኔጋላዊ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል ዝነበረ ማነ፡ “ነዚ ሓድሽ ብድሆ ምግጣም ግዚኡ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
“ድሌት ናይዛ ዓባይ ክለብ ካብ መጀመርታ ስለዝተዋሕጠለይ፡ ኣብ ኣእምሮይ ምጥርጣር ኣይነበረንን”።
ብሰመረት እቲ ስምምዕ፡ ክለብ ሊቨርፑል ብቐጥታ 32 ሚልዮን ዩሮ ክትረክብ ምዃናን፡ እቲ ዝተረፈ 3 ሚልዮን ድማ ውልቃዊን ናይ ጋንታን ዓወታት ምስተራእየ ከምስውሰን ተገሊጹ’ሎ።
እቲ ኣብ 2016 ብ34 ሚልዮን ፓውንድ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ሳውዝሃምተን ናብ ሊቨርፑል ዝተጸምበረ ማነ፡ ኣብተን ዝተሳተፈለን 269 ግጥማት 120 ሸቶታት ምምዝጋቡ ይዝረብ።
ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር 2021/2022 ጥራይ ዒስራን ሰለስተን ሸቶታት ኣመዚጊቡ ነይሩ።
“ሳድዮ ማነ ናይ ዓለም ኮኾብ’ዩ፡ እዚ ድማ ክለብ ባየር ሙኒክ ተመራጺት ምዃና ዘርኢ ጥራይ ዘይኮነ፡ በንደስሊጋ [ናይ ጀርመን ሊግ] ብሓፈሻ ሰሓቢ ምዃኑ ዘመስክር’ዩ” ክብል ፕረዚደንት ባየርን ሀርበርት ሀይነር ተዛሪቡ።
“ንኸምዚኦም ዝበሉ ፍሉያት ተጻወቲ ክርእዩ ድማ’ዮም ደገፍቲ ናብ ሜዳታት ዝመጹ” ኢሉ።
ማነ፡ ሊቨርፑል ኣብ 2019 ቻምፕዮንስሊግ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2020 ፕሪሜርሊግ ንክትዕወት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል፡ በታ ዘመዝገባ ናይ መወዳእታ ፍጹም ቅላዕ ሃገሩ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትዕወት ኣኽኢሉዋ’ዩ።
“ብዘለዎ ዘደንቕ ክእለትን ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተጓናጸፎ ዓወታትን፡ ኣብዚ ዓለም ከምኡ ዝበሉ ተጻወቲ ውሑዳት እዮም ዘለዉ” ክብል ዋና ኣካያዲ ባየር ሙኒክ ኦሊቨር ክሃን ብወገኑ ንማነ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
“ሳድዮ ማነ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብዘደንቕ ናይ ጸወታ ክእለቱ ንደገፍትና ከሕጉሶም ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና። ተወሳኺ ዋንጫታት ንምዕታር ጥሙሕን ህንጥዩነትን ኣለዎ” ብምባል እቲ ዋና ኣካያዲ ዘለዎ ተስፋ ኣነጺሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሊቨርፑል ዩራጋያዊ ኣጥቃዓይ ዳርዊን ኑነዝ ብ64 ሚልዮን ፓውንድ ገዚኣቶ’ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







