ሰኔጋል፡ ሳድዮ ማነ ብሽሙ ስታድዮም ክስየመሉ እዩ

ሳድዮ ማነ

ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዋንጫ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትዕወት ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ኮኸብ ጋንታ ሊቨርፑል ሳድዮ ማነ፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሰኔጋል ኣብ እትርከብ ከተማ ሰድህዮ ብሽሙ ስታድዮም ክስየመሉ እዩ፡፡

እቲ ኣጥቃዓይ፡ ኣብቲ ብሽም ቴራንጋ ላየንስ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ምስ ግብጺ ዘካየደቶ ጸወታ ድሕሪ ኣብ ናይ 90 ደቓይቕ ጸወታ ብዘይሸቶ ምፍልላየን፡ ብፍጹም ቅላዕ ተዓዋቲት እትገብር ሸቶ ኣቑጺሩ እዩ፡፡

ማነ ኣብቲ ውድድር ብዘቑጸረን ሰለስተ ሸቶታትን ኣብ ካልኦት ክልተ ሸቶታት ብዝነበሮ ኣበርክቶን ሽልማት ክቡር ተጻዋታይ (ሞስት ቫልዋብል ፕለየር) ወሲዱ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ኩዕሶ ሜዳ እታ ዝዓበየላ ክልል ባምባሊ ብሽሙ ከምዝጽዋዕ ከንቲባ ከተማ ሰድህዮ ኣድቦላየ ዲዮፕ ተዛሪቡ፡፡

እቲ ስታድዮም ብሽሙ ክጽዋዕ ዝተገበረ ተወለድቲ ናይታ ክልል ነቲ ተጻዋታይ ዘለዎም ክብርን ኣፍልጦን ንምግላጽ ከምዝኾነ እውን ገሊጹ፡፡

‘‘ሳድዮ ማነ፡ ብልክዕ እዚ ክብሪ ይግበኦ እዩ’’ ኢሉ።

ማነ፡ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ሆስፒታልን ቤት ትምህርትን ብምስራሕ፣ ኣብ ህንጸት መስጊድን ጸቕጢ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቅላልን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ገንዘብን ስራሕቲ ምግባረ ሰናይን ናይ ሚልዮናት ልቢ ምግዛእ ክኢሉ እዩ፡፡

ቅድሚ እቲ ናይ 2018 ናይ ሻምፒንስ ሊግ ጸወታ፡ ንነበርቲ ባምባሊ ኣብቲ መዓልቲ ጸወታ ዝኽደንዎ ናይ ሊቨርፑል ማልያ ዓዲልዎም ነይሩ፡፡

"ኣብታ ቁሸት 2 ሽሕ ኣለዉ፡፡ እቶም ደገፍቲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጸወታ ተኸዲኖምዎ ናብታ ቁሸት 300 ናይ ሊቨርፑል ክዳውንቲ ልኢኸሎም" ኢሉ፡፡

ምስ ጋንታ ሪቨርፑል ኮይኑ ዋንጫታት ፕሪምየር ሊግን ሻምፒዮንስ ሊግን ዝወሰደ ብሉጽ ተጻወታይ ኣፍሪቃ ሳድዮ ማነ፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንሃገሩ ከግዝማ ልዑል ድልየት ነይሩዎ፡፡

ምስ ደቂ ጋንትኡ ብምዃን ነቲ ባህጉ ምስ ኣዐወተ ድማ፡ እቲ ዋንጫ ኣብ ናይ ተጻዋትነት ዕድሚኡ እቲ ዝደመቐ ዓወት ከም ዝኾነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡