ኣብ ኣርባዕተ ጀላቡ ተጻዒኖም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ 600 ስደተኛታት ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, @MARINENATION_SN
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብኣርባዕተ ጀላቡ ተጻዒኖም ብባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ 600 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ሓቢሩ።
እዞም ስደተኛታት ናብተን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ደሴታት ካናሪ ንምእታው መደብ ከምዝነበሮም ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ሓቢሩ።
ብቐዳም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ስእሊ ብዘይካ እዞም ተታሒዞም ዝተበሃሉ 600 ስደተኛታት ካልኦት ኣብ ሰኔጋላዊት ከተማ ሰይትን ልዊስ ናብ ገምገም ካብ ዝተጸግዐት ጃልባ ነነጢሮም ካብ ኢድ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ዝሃድሙ ዝነበሩ ስደተኛታት ብብዝሒ ይርኣዩ።
መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቶም ካብ ጃልባ ነነጢሮም ዝሃድሙ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ዝፈርሑ ከምዝዀኑ ይገልጹ።
ወዲ 19 ዓመት ነባሪ ሰይንት ልዊስ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስክርነት፡ “ኣብቲ ገማግም ኴንና እናተዘናጋዕና እንከለና ብዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሐት ጃልባ ዝተሰቐሉ ስደተኛታት ናባና ገጾም ክመጽኡ ርኢናዮም፡ ዘዘሊሎም ናብቲ ማይ ብምእታው ካብ ኢድ ሓይሊ ባሕሪ ክሃድሙ እንከለዉ ርኢና፡ ከምዚ ነገር ከኣ ብተደጋጋሚ’ዩ ዘጋጥም” ኢሉ።
መንግስቲ ሰኔጋል ኣብ መወዳእታ ሓምለ፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ጥቡቕ ምቍጽጻር ዶባት ዝብል ዝርከቦ ናይ ዓሰርተ ዓመታት መደብ ምሕንጻጹ ይዝከር።
ካብ መጀመርታ 2023 ጥራይ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ብምቝራጽ ናብ ደሴታት ካናሪ ናይ ስጳኛ ንምእታው ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ 140 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣብ ነሓሰ ጥራይ ካብ ሰኔጋልን ሞሮኮን ዝተበገሱ 2690 ስደተኛታት ናብ ደሴት ካናሪ ከምዝኣተዉ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
እዚ ቍጽሪ እዚ ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይፍለጥ።
ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዝዘርግሖ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 71 ሰባት፡ ዓርቢ ምስ ሓይሊ ኣየር ብምትሕባባር ሸውዓት ህጻናት ዝርክዎም 272 ካብ ዳካር 100 ኪሎሜተር ራሕቂ ኣብ ዘለዎ ማእከል ውቅያኖስ ከምዝሓዙን ቀዳም ከኣ ኣብ ክልተ ጀላቡ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 262 ስደተኛታት ከምዝሓዘን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







