ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብኻራ ተባኢሶም ሞትን መቝሰልትን ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, AP
ኣብ እስራኤል ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ካራ ዝተሓወሶ ደማዊ ባእሲ ከምዘካየዱ ፖሊስ ተልኣቪቭ ኣፍሊጡ።
ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ፖሊስ ዝኣተውዎ ከቢድ ባእሲን ዕግርግርን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
በዚ መስረት፡ ዓርቢ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ሃቲክዋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዝተፈጥረ ካራ ዝተሓወሶ ባእሲ፡ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓያለ ቈሲሎም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ንምንጪታት ፖሊስ ጠቒሰን የቃልሓ ኣለዋ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ካልእ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ብኻራ ከም ዝተቐትለ እውን ይዝከር።
ቀዳም ለይቲ ከባቢ ሰዓት 2፡00 ነታንያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ግጭት፡ 7 ኤርትራውያን ከምዝቘሰሉን ኣባላት ፖሊስ ነቲ ኵነታት ንምብታን ናብ ሰማይ ጥይት ከምዝተኰሱ ፖሊስ ገሊጾም።
ኣብ ነታንያ ኣብ ጎደና ሄርዝል ዝተወስደ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ከም ዘመልክቶ፡ መንበር ክድርበ እንከሎን ፖሊስ ድማ ነቲ ባእሲ ንምብታን ናብ ሰማይ ገጾም ክትኵሱ እንከለዉ የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብመሰረት ሓበሬታ ትካላት ሕክምና ተልኣቪቭ፡ ሓደ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ዝርከብ ኰይኑ፡ ድሒሩ ግን ሞይቱ ተባሂሉ ይስማዕ ከምዘሎን፡ ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ኣለዉ።
ኣብቲ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ፡ መሊሱ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝቐጸለ ባእሲ፡ ኣመልኪቱ ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኵነታት የጻርዮ ከምዘሎን ኣብቲ ባእሲ ተሳቲፎም ዝበሎም 15 ስደተኛታት ከም ዝኣሰረን ይሕብር።
እቶም ተሃሪሞም ዘለዉ 10 ኤርትራውያን ምዃኖም ከኣ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ባእሲ ብኻራ ዝተወግአ ወዲ 20 ዓመትን፡ ካብቲ ቀዳማይ ባእሲ ኣምሊጡ፡ ኣብቲ ካልኣይ ናይ ነታንያ ባእሲ ብኸቢድ ዝተወግአ ወዲ 40 ዓመትን ማህረምቶም ከቢድ ምዃኑ ኣብ ሆስፒታል ጽዑቕ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎን ሓበሬታ ፖሊስ ኣቐዲሙ ዝወፅአ ዀይኑ፡ ንህልዊ ኵነታቶም ዝምልከት ግን ዛጊት ብወግዒ ዝተባህለ የለን።
ብተወሳኺ ካልኦት ሰለስተ ኣብ ደሓን ክበሃል ዝከኣል ማእከላይ ኵነታት ክህልዉ እንከልዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ቀሊል ማህረምቲ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ’ሎ።
ፖሊስ እስራኤል ንጠንቂ እቲ ባእሲ ይምርምሮ ከምዘሎን ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ደቡብ ተልኣቪቭ፡ ብብዝሒ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነብርዎ ከባቢ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ፖሊስ ዝተጸንበርዎ ልዕሊ 150 ሰባት ዘቝሰለን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣብ ቀይዲ ዘእተወን ሓያል ግጭት ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን አአንጊዱ ምንባሩ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, AP
ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ግን ከኣ ኣብ ካልእ ፍጻመ፡ ሓደ ወዲ 30ታት ዕድመ ዝተገመተ ሱዳናዊ ስደተኛ ብጥይት ተቐቲሉ ከምዝሞተ እውን ፖሊስ ሰኒዱ’ሎ።
መበገሲ ናይቲ ንሞት ሱዳናዊ ዝመርሐ ፍጽም፡ ምስ መሸጣ ሓሽሽ ዝተኣሳሰር ከም ዝኸውን ዝኣመተ ፖሊስ፡ እቲ ባእሲ ኤርትራውያን ግን ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ የመልክት።
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ካናዳ፣ ሽወደንን ጀርመንን ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል፡ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወመንትን መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ብዙሓት ተጐዲኦም ምንባሮም ይዝከር።
እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል'ዮም ብዙሓት ዝቃወምዎ።
ሰብመዚ ኤርትራን ደገፍትን ግን፡ እቲ ፈስቲቫላት ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ክብሉ ይማጐቱ።
ኣብ እስራኤል ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለው ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ንሶም፡ ካብ ባርነት ዘይፍለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሞም ንምደረበዳ ሲና ሰጊሮም ድሕሪ ብዙሕ መከራ ናብታ ሃገር ከምዘኣተው ይገልጹ።
ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝዀነ ምርጫን ቅዋምን ነታ ሃገር ይመርሕ ኣሎ።
ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ዝወርዶም ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይግደዱ ከምዘለዉ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







