ቻይና ኣብ ጥቓ ታይዋን ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ

 ጀት ሓይሊ ኣየር ቻይና፡ 05 ነሓሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት ቻይና ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

ቻይና ቅድም ክብል ብቐጥታ ተካይዶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝዛመት ድሕሪ ምፍላጣ እዩ፡ እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ ዘላ።

ሰራዊት ቻይና እዚ ምብራቕ፡ ልምምድ ፀረ-ሳብማሪንን ናይ ባሕሪ ወራራትን ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ልምምዳት፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ ንመጠንቀቕታ ቻይና ብምንዓቕ ናብ ታይዋን ንዘካየደቶ ምብፃሕ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ እዩ ነይሩ።

ታይዋን፡ ቻይና ተካይዶ ዘላ ልምምድ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ወራር ንምፍፃም ዝዓለመ’ዩ ክትብል ከሲሳ።

እንተዀነ፡ ቻይና ክሳብ ሕዚ ተካይዶም ዘላ ልምምዳት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ናብ ማያዊ ግዝኣታ ከም ዘይኣተው ታይዋን ኣፍሊጣ እያ።

ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያን ጃፓንን፡ ቻይና ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ "ኩነታት እቲ ኣብ መንጎ መሬትን እታ ደሴትን ዝርከብ 180 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ወሽመጥ ታይዋን ንምቕያር ዝዓለመ እዩ” ክብላ ኰኒነን።

ነፈርትን መራኽብን ቻይና ኣብቲ ልምምድ ብተደጋጋሚ በቲ ወሽመጥ ኣቋሪፀን ሓሊፈን እየን።

ሚኒስትር ምክልኻል ታይዋን፡ እቲ ወሽመጥ ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ዝነበረ ከም ዝዀነ ገሊፁ።

ዋሽንግተን፡ ቻይና ምስ ምብፃሕ ፔሎሲ ብዝዛመድ ንኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ምትሕብባር ክቋረጽ ምግባራ ኰኒና።

ታይዋን ርእሰ ምምሕዳራዊ ዘለዋ ደሴት ኰይና፡ ቻይና ካብ ምሕደርኣ ዝተነጸለት ግዝኣታ ትቘፅራ።ኣድላይ እንተዀይኑ ድማ ንታይዋን ብሓይሊ መሊሳ ኣካል ግዝኣታ ንምግባር ከም ዘይተምንትእ ክትገልፅ ፀኒሓ።

መራሕቲ ዓለም ንታይዋን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ዘርእዩ ምልክታት ወትሩንቻይና የቘጥዑ'ዮም።

እዚ ኣብ ጥቓ ታይዋን ይካየድ ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ሰብመዚ ባሕሪ ቻይና ኣብ ካልኦት ቦታታት ልምምዳት ከም ዝካየዱ ምፍላጦም ስዒቡ እዩ።

ኣብ መንጎ ሓውሲ ደሴት ቻይናን ኮርያን ኣብ ዝርከብ ቢጫ ባሕሪ ከኣ፡ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ጀሚሩ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝቕፅል ተገሊፁ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ቢጫ ባሕሪ ኣብ ሰሜናዊ ኣንፈት ዝርከብ ባሕሪ ቦሃይ እውን ንሓደ ወርሒ ዝቕፅል ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ቀጥታዊ ልምምድ ተኹሲ ዝሓወሰ’ዩ።

ካብ ቢጫ ባሕሪ ኣብ ሰሜናዊ ኣንፈት ዝርከብ ባሕሪ ቦሃይ’ውን ንሓደ ወርሒ ዝቕፅል ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተጀሚሩ ኣሎ።

ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ቀጥታዊ ተኹሲ ልምምድ ከም ዝጀመረት ብሰኑይ ኣፍሊጣ’ያ።