ኣብ መንጐ ቻይናን ታይዋንን እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ከምርሕ ይኽእል?

ወጥሪ ቻይናን ታይዋንን

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ናብ ታይዋን ዝገበረቶ ዑደት ንቻይና ኣዝዩ ኣቘጢዕዋ ኣሎ።

ዑደት እታ ኣፈ ጉባኤ ከቢድ ሳዕቤን ከስዕብ ከም ዝኽእል ዘጠንቀቐት ቻይና፡ ሰራዊታ ‘ንዝዀነ ኣድላዪ ስጉምቲ ድሉው ክኸውን’ ከም ዝኣዘዘት ኣፍሊጣ ኣላ።

ቻይና ምስታ ከም ኣካል ግዝኣታ ገይራ እትቘጽራ ታይዋን፡ ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ዝምድና ንልኡላውነታ ዝፈታተን ተግባር ገይራ እያ ትርእዮ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ከቢድ ወጥሪ ፈጢራ ኣላ።

ዋላ’ኳ ታይዋን ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ምስ ቻይና ትወዳደር እንተዘይኰነት፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝዀነ ስጕምቲ እንተወሲዳ፡ ኣሜሪካን ካልኦት መሻርኽታን፡ እግሮምን ኢዶምን ኣጣሚሮም ኣይክርእዩን እዮም።

ኣብ መንጐ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ወጥሪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ነፈርቲ ኲናት ቻይና ንክሊ ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ምእታወን ዘስዓቦ ፍሕፍሐ ክዝከር ይከኣል።

ቀንዲ እቲ መበገሲ ዛዕባ ዝኸውን ዘሎ፡ ቻይና ንታይዋን ክትጥቕልል ዘለዋ ድሌት እዩ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒን፡ ‘ሓደ እዋን ታይዋን ምስ ቻይና ዳግማይ ምጥርናፋ ኣይክተርፍን'ዩ’ ኢሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ታይዋን ኣካል ቻይና ንምግባር ሓይሊ ምጥቃም ኣማራጺ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ኣሚቱ ነይሩ።

ቤጂንግ፡ እታ ተነጺላ ርእሳ እተመሓድር ዘላ ታይዋን፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኰይኑ፡ ኣካል ቻይና ክትከውን ምዃና ትኣምን።

ብኣንጻሩ፡ ታይዋን ንነብሳ ከም ልኡላዊት ሃገር እያ እትቘጽር። ናይ ባዕላ ሕገ-መንግስትን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲን ኣለዋ።

ታይዋን ኣበይ ትርከብ?

ታይዋን ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ወሽመጥ ቻይና 100 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ደሴት እያ።

ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ጽኑዓት መሓዙት ኣሜሪካ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ታይዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ይእመን።

ቻይና ንታይዋን እንተተቘጻጺራታ፡ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ፓስፊክ ዓቢይ ወጥሪ ከም ዝህሉ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ኸኣ ኣብ ግዋምን ሃዋይን ንዝርከቡ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ ስግኣት ዝፈጥር እዩ።

ወተሃደራዊ ዓቕሚ ቻይናን ታይዋንን
መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ ዓቕሚ ቻይናን ታይዋንን

ታይዋን ካብ ቻይና ብኸመይ ተፈልያ?

ቻይናን ታይዋንን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እየን ተፈላልየን።

ኣብቲ እዋን ቻይና ንባዕላ፡ ኣብ መንጐ ኣሃዳዊ መንግስትን ዴሳዊ ሰልፍን ተመቓቒላ ኣብ ኲናት ጥሒላ ነይራ።

ብ1949 ዴሳዊ ሰልፊ ምስ ተዓወተ፡ ሽዑ መራሒ ዝነበረ ማኦ ዘ-ቱንግ ንቤጂንግ ተቘጻጺርዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ስዕረት ዘጋጠሞም ደገፍትን መራሕትን ኣሃዳዊ ሰልፊ፡ ናብ ታይዋን ሃዲሞም፤ ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ዝነበረ ቺያንግ ካይ-ሸክ ከይተረፈ፡ ንታይዋን መሕብኢኡ ገይርዋ።

ቅሩብ ጸኒሖም ድማ ኣብ ታይዋን ሰልፊ ኮሚ ታንግ መስሪቶም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እዚ ሰልፊ ኣብ ታይዋን ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ክንፊ ኰይኑ ቀጺሉ።

ኣብዚ እዋን ቫቲካን ከይሓወሰ፡ 13 ሃገራት፡ ታይዋን ልኡላዊት ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ይህባ።

ዲፕሎማሰኛታት ቻይና ዕድል ኣብ ዘረኸቡሉ ኣጋጣሚታት ሃገራት ነዚ ከይቅበላ ክጕስጉሱ ይፍትኑ።

እንተገደደ፡ ነቲ ሓሳብ ከይድግፍዎን ወይ ርእይቶ ከይሃቡ ክጸንሑ ሓሳብ የቕርቡ።

ሚኒስትር ምክልኻል ታይዋን፡ እዚ ሕጂ ምስ ቻይና ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ምትፍናን፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ዝተራእየ ምዃኑ ገሊጹ።

ቻይና ምስ ታይዋን ዝግበር ዳግመ ውህደት፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዘይወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ብፍላይ ቍጠባዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ክኸውን ክትጽዕር እያ ጸኒሓ።

እንተዀነ፡ ቻይና ወተሃደራዊ ኣማራጺ ክትጥቀም እንተወሲና፡ ታይዋን ብዝዀነ ይዅን መገዲ ንነብሳ ክትከላኸል ኣይትኽእልን እያ።

ቻይና ድሕሪ ኣሜሪካ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ባጀት ዘለዋ ሃገር ኰይና ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ዓውድታት ዘደንቝ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ኣማዕቢላ እያ።

ታይዋናውያን እንታይ ይደልዩ?

ካብ ሓይሊ ባሕሪ ክሳብ ሚሳይልን ካብ ሓይሊ ኣየር ክሳብ ‘መጥቃዕቲታት ሳይበርን’፡ ኣብ ኵሉ ዓውድታት ዘድሊ ኣድማዒ ስርሓት ጸብለል ኢላ።

ገለ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ከም ዝበልዎ ግን፡ ቻይና ንታይዋን እንተወሪራታ፡ ታይዋን ክትገብሮ እትኽእል እንኮ ነገር፡ ንሓይሊ ባሕሪ ቻይና ንዝተወሰነ እዋን ምዕጋት ወይ ድማ ደባይ ውግእ እናካየደት ካልኦት ሃገራት ክሳዕ ዝሕግዛ ምጽባይ ጥራይ እዩ።

እዚ ሓገዝ ድማ ብዘይካ ኣሜሪካ ካብ ዝዀነ ካልእ ክመጽእ ከምዘይክእል እዩ ዝእመን። ኣሜሪካ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ንጹር መርገጺ የብላን።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣሜሪካ፡ ታይዋን ንምድሓን ቀልጢፋ ናብ ኲናት ክትኣቱ ድያ ኣይትኣቱን ብንጹርን ብወግዒን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ብመንጽር ዲፕሎማሲ፡ ኣሜሪካ ‘ሓንቲ ቻይና’ ዝብል ፖሊሲ ትኽተል፡ ምስ በይጂን ጥራይ ድማ ወግዓዊ ዝምድና ኣለዋ። እንተዀነ ኣሜሪካ ንታይዋን ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከኣ ትሸጠላ።

ኣብ 2021፡ ቻይና ኣብቲ ታይዋን ‘ናይ ብሕተይ’ እትብሎ ክሊ ኣየር ብነፈርቲ ውግእ ምጥሓሳ ዝዝከር እዩ።

ታይዋን ድማ፡ ንቻይና ልኡላውነታ ጥሒሳ ጸጥታኣ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወት እያ ትኸሳ።

ታይዋን ነቲ ኻልእ ዓለም እንታይ ትጠቅም?

ታይዋን ኣብ ምፍራይ ኤሌክትሮኒክስ ዓቢይ ተራ ዘለዋ ሃገር እያ።

ካብ ተሌፎናት ክሳብ ላፕቶፕ፡ ካብ ናይ ኢድ ሰዓት ክሳብ መተግበሪ ጸዋታታት፡ ኣብ ረብሓ ኤሌክትሮኒክስ ዝውዕሉ ዓበይቲ ውሽጣዊ ኣካላት ኣብ ታይዋን እዮም ዝፈርዩ።

ብብዝሒ 'ቺፕስ' ኤክትሮኒክስ ዘፍሪ ኩባንያ ታይዋን፡ ሴሚኮንዳክተር ማኑፋክቸሪን ካምፓኒ (TSMC) ንፍርቂ ዕዳጋ ኤሌክትሮኒክስ ዓለምና ብሒትዎ'ሎ።

ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ክሳብ 2021 እዚ ኩባንያ ዋጋኡ 100 ቢልዮን ዶላር እዩ።

ቻይና ንታይዋን እንተተቘጻጺራታ፡ ብቐንዱ ንዓለምና ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝዀኑ ነገራት ዝፈርየሉ ቦታ ኣብ ኢዳ ኣእትያ ማለት እዩ።

ዝበዝሕ ህዝቢ ታይዋን ወተሃደራዊ ጐንጺ ክህሉ'ዩ ኢሉ ኣይኣምንን

ብኻልእ ወገን፡ ቻይናን ታይዋንን ኣብ ከቢድ ወጥሪ'ኳ እንተሃለዋ፡ ብዙሓት ታይዋናውያን ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ስክፍታ ከምዘይብሎም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ሓደ ትካል ምስ ቻይና ዝካየድ ኲናት እንታይ ከምዝስምዖም ንታይዋናውያን ሓቲቱ ነይሩ።

በዚ መሰረት 64 ሚእታዊት ካብ ታይናውያን ኲናት ዝለዓል ዳርጋ ኣይመስሎምን። ኲናት ክህሉ እዩ ዝብል እምነት’ውን የብሎምን።

ዝበዝሑ ሰባት ግን ንነብሶም ከም ታይዋን ከም ዝቘጽሩን ካብ ቻይና ብብዙሕ መዳያት ዝተፈልዩን ምዃኖምን ይኣምኑ።