ጁማ ባህ፡ ካብ ዕዮ ሕብስቲ ናብ ማን ሲቲ

ምንጪ ስእሊ, RC LENS.FR
ጁማ ባህ፡ ኣብ ሃገሩ ሴራሊዮን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ንኣቦኡ ኣብ ዕዮ ሕብስቲ ይሕግዞ ነይሩ።
ንስድራኡ ብዝኽእሎ እናሓገዘ፡ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ድማ ኣዝዩ ቅልጡፍ ዕብየት ኣርእዩ።
እቲ ኣብ ሓመድ ወይ ጭቃ ዝበዝሖ ሜዳታት ሃገሩ ኩዕሶ ዝጻወት ዝነበረ ጁማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ብፔፕ ጋርድዮላ እትስልጥን እንግሊዛዊት ክለብ ክጻወት ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ።
ኣብ ሰብ-ሰርሖ ሳዕሪ ክጻወት ዝጀመረ፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ።
ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ላሊጋ ናብ እትርከብ ርያል ቫላዶሊድ ተጸምቢሩ። በቲ ምስታ ጋንታ ኰይኑ ዘካየዶ 12 ጸወታታቱ ዝተመሰጠት ዓሰርተ ግዜ ሻምፕዮና ዝዀነት ማንቸስተር ሲቲ ድማ ኣፈሪማቶ።
እቲ ኣብ ማእከል ምክልኻል ተሰሊፉ ዝጻወት ጁማ ባህ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡"ንዓይ ምስዞም ብሉጻት ተጻወትቲ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ክጻወት ሕልሚ እዩ፡" ኢሉ።
19 ዓመቱ ክመልእ ወርሒ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ። ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ንምብጻሕ ኣበርቲዑ ልምምድ ክገብርን ብቕዓት ጸወታኡ ከመሓይሽን ከም ዘድሊ እንከብርህ ብትሕትና ይዛረብ።
ብርግጽ ሰማያዊት ማልያ ማንቸስተር ሲቲ ክለብስ ዓቕሊ ክገብር ክግደድ እዩ።
እዚ መንእሰይ ናብ ሲቲ ምስ ተጸንበረ ብቕጽበት ብልቓሕ ናብ ሌንስ ዝተላእኸ ኰይኑ፡ ብሰንበት 9 ለካቲት 2025 ሓዳስ ጋንታኡ ኣብ ማርሴ 1 ብ 0 ክትዕወት ሓጊዙ።
ድሕሪ ክልተ ሓጸርቲ ተቐያሪ ጸወታታት ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ሊግ 1 ፈላማይ ጸወታኡ ኣካይዱ።
ተጻዋቲ ጋንታታት ኢንተርሚላንን ሞናኮን ዝነበረ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሴራሊዮን መሓመድ ካሎን፡ ነዚ ተኸላኻሊ "ዓቢይ ተስፋ፡" ክብል ንኢዱዎ።
ካሎን ወሲኹ፡ "ዓቢ ነገር ከም ዘጋጥም ይርድኣኒ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ዕድሉ ጥራሕ እዩ ዝጽበ ነይሩ። ኣብ ኤውሮጳ ክዕወት ይኽእል'ዩ። ማንቸስተር ሲቲ ገለ ነገር ስለ ዝረኣየትሉ'ያ ዓዲጋቶ። ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ክንርኢ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
ትሑት ጅማሮ
ባህ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሴራሊዮን ዝዀነት ፍሪታውን ኣብ ዝርከብ ከባቢ 'ኮንጎ ማርኬት' እዩ ዓብዩ።
ኵዕሶ እግሪ ኣብ ዝጀመረሉ እዋናት እውን እንተዀነ፡ ልምምድ ናብ ዝገብረሉ ቦታ ቅድሚ ምኻዱ፡ ዕንጸይቲ ተሰኪሙ ናብ መሸጢ ሕብስቲ ኣቦኡ ዓብደልከሪም ይኸይድን ንኣደኡ ኡሙ ይምእዘዝን ነይሩ።
"ኣቦይ መብዛሕትኡ ግዜ ንግሆ ስለ ዝስንክት፡ ሰዓት ኣርባዕተ [ኣጋ ወጋሕታ] ዕንጸይቲ ይስከም ነይረ። ኣቦይ እቲ ዝበለጸ ሕብስቲ'ዩ ዝስንክት እዩ ዝብል። ሽዑ፡ ነቲ ዝሰንከቶ ሕብስቲ [ባኒ] ተሰኪመ ናብ ድኳናት የብጽሖ ነይረ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣደይ ኣብ ጐደና ደርሆ ትሸይጥ ነይራ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ስጋ ኣብ ምድላውን ምሻጥን ይሕግዛ ነይረ። ንስድራይ ክሕግዝ ከለኹ ናይ ብሓቂ ሕጕስ እየ፡" ይብል።
ባህ፡ ኣብ ጐደናታት ፍሪታውን ጥራይ እግሩ'ዩ ኵዕሶ ዝጻወት ነይሩ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ካብታ ናይ ቍልዕነቱ ክለብ ጃይንት ኣካዳሚ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ናብ እትርከብ ጋንታ ኣይክ ፍሪቶንግ ተጸንቢሩ።
ድሕሪ 10 ኣዋርሕ ድማ 16 ዓመት ከይመልአ እንከሎ፡ ናብ ፕሪምየር ሊግ ሴራሊዮን ደይቡ።
ምስ ጋንታ ፍሪቶንያንስ ስሊፋ ብልቓሕ ይጻወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ቀንዲ ተጻዋታይ ኰይኑ ከመስክር እንከሎ፡ ኣብታ ጋንታ ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ሓለቓ እታ ጋንታ ኰይኑ።
ጋንታታት ብቕዓት እዚ ተጻዋታይ ክዕዘባ ስለ ዝጀመራ፡ ምስ ሽወደናዊት ጋንታ 'AIK' ክጻወት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ቫላዶሊድ ብልቓሕ ወሲዳቶ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላሊጋ
ኣብ ክልተ ጸወታታት ትሕቲ 19 ዓመትን ኣብ ሓደ ጸወታን ካልኣይቲ ጋንታ ቫላዶሊድ - ኣብ ራብዓይ ደረጃ ስጳኛ እትጻወት - ድሕሪ ምስላፍ፡ ባህ ብቕልጡፍ ናብ ላዕለዎት ጋንታታት እዩ ደይቡ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣንጻር ርያል ሶሲዳድ ንፈለማ ግዝኡ ኣብ ላሊጋ ተጻዊቱ።
"ዘገርም'ዩ ነይሩ፡ ንዓይ ዝበለጸት መዓልቲ'ያ ነይራ፡" ክብል ባህ ብዛዕባ'ቲ ብዘይ ሸቶ ዝተዛዘመ ጸወታ ተዛሪቡ።
"ኣብ መቐየሪ ክዳን ኣዝየ ስምዒታዊ ኰይነ፡ ድሕሪኡ [ክትጻወት ክትኣቱ ኢኻ ተባሂለ] ። ካብኡ ምስ ወጻእኩ ኣብ ስታድዮም ብዙሓት ሰባት ርእየ። ቅድሚ ሽዑ ነዚ ህዝቢ ርእየዮ ኣይፈልጥን።"
ሽዑ፡ ብውሑድ ልዕሊ 21 ሽሕ ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ዓዱ፡ ኣደኡ ኡሙ ድማ ኣብ ጐድኒ ካልኦት ንፈለማ እዋን ኣብ ተለቪዥን ክርእዩዎ ዝተኣከቡ ኣባላት ስድራቤት ብሓጐስ ትዘልል ነይራ።
"ድሕሪ ጸወታ፡ ነቲ ቪድዮ ርእየ በኽየ። 'ኦ ኣምላኽ' እናበልኩ ንኣዕሩኽተይ ኣርእየዮም። ንማማ ሓደ መዓልቲ ብኣይ ክትሕበኒ ኢኺ እብላ ነይረ። ክጻወት ኣብ ተለቪዥን ክትርእየኒ ምኽኣላ ንዓይ በረኸት'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ጕዕዞ ናብ ማን ሲቲ፣ ኣካታዒ ውዕል
ባህ፡ ኣብታ ጋንታ ስሩዕ ተጻዋታይ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ጥሪ፡ ቫላዶሊድ ብቐዋምነት ከተፈርሞ ኣማራጺታት - እንተ ክኢላ ድማ 6.5 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ከፊሉ ዝወስዶ - ክትርኢ ጀሚራ።
ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ጥራሕ ባህ ሃንደበት ውዕሉ ኣቋሪጹ፡ ናይ ምዕዳግ ክፍሊት ከፊሉ፡ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ተጸንቢሩ።
ስጳኛዊት ጋንታ ቫላዶሊድ እዚ ስጕምቲ "ዓቢይ ተስፋ ምቝራጽን ቍጥዐን ከም ዘስዓበ፡" ብምግላጽ፡ ማንቸስተር ሲቲ ነቲ መንእሰይ ውዕሉ ከቋርጽ ኣተባቢዓቶ ክትብል ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ሕጋዊ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ኣፈራሪሓ።
ባህ ግን ነቲ ውሳነ ብዘይ ናይ ደገ ጽልዋ ከም ዝወሰዶ ይዛረብ። ኣብ ላዕለዎት ጋንታታት ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ እቲ ዝወሓደ ደሞዝ ዝኽፈል ተጻዋታይ ምዃኑ ድማ ይገልጽ።
"ባዕለይ'የ ውዕለይ ኣፍሪሰ፣ ንሳቶም (ቫላዶሊድ) ብዛዕባይ ኣይግደሱን። ሓድሽ ውዕል ክህቡኒ ምስ ወኪለይ ኣይተዘራረቡን። ንኽንዘራረብ'ውን ኣይደወሉለይን። ብዙሓት ከፈርማኒ ዝመጽኣ ጋንታታት ስለ ዝነበራ እዮም ክወጽእ ዘይደለዩኒ፡" ይብል።
ንግዚኡ ባህ ኣብ ወገን ሌንስ ዘለዎ ቦታ ከውሕስ ይጽዕር ኣሎ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ፈረንሳይኛ ይመሃር ኣሎ።
"ኣዝዩ ዝተፈለየ ከባቢ'ዩ፣ ቍሩብ ግዜ ክወስደለይ'ዩ። ኣብታ ጋንታ ዘለዉ ኵሎም ይፈትውኒ እዮም፣ ተጻወትቲ ድማ ምቝሉላት'ዮም፡" ይብል።
ቀጻሊ ዓቢይ ስጕምቲ ባህ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታ ምስታፍ ክኸውን'ዩ።
ኣሰልጣኒ ሊዮን ስታርስ ካሎን ድማ እዚ ተኸላኻላይ ኣካል ናይቲ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝገበሮ መደባቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ካሎን፡ "ብቴክኒካዊ መዳይ፡ ናይ ብሓቂ ንፉዕ ተጻዋታይ'ዩ፡" ኢሉ።
ወለዱ ገና ብኣካል ኣብ ኤውሮጳ ዘካይዶ ጸወታ ንምርኣይ እኳ እንተ ዘይበቕዑ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ መዓልታዊ ብተለፎን የዛርቦም'የ። እዚ እዩ ዘተባብዓኒ - ብፍላይ ኣደይ። ምስኣ ከውግዕ እንከለኹ ካበይ ከም ዝመጻእኩ እዝክር። እዚ ኵሉ ጕዕዞ በረኸት እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







