ነይማር፡ እቲ ንጉስ ክኸውን ዘይከኣለ ልኡል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ዓለም ካብ ዝርኣየቶም ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ምስ ብሉጻት ዝስራዕን ሓደ ካብ ዝኸበሩ ተጻወትትን ዝዀነ ብራዚላዊ ነይማር፡ ናብታ ብንእሽቶኡ እንከሎ ዝጻወተላ ዝነበረ ብራዚላዊት ጋንታ ሳንቶስ ንሽዱሽተ ወርሒ ክጻወት ውዕሉ ኣንቢሩ ኣሎ።
ደገፍቲ እታ ጋንታ ከኣ 'እቲ ልኡል ዳግማይ ተመሊሱ' ዝብል ዓቢ ባነር ብምሓዝ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረምሉ።
ወዲ 32 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ነይማር፡ ምስ ስዑድያዊት ጋንታ ኣል ሂላል ዝነበሮ ውዕል ብ27 ጥሪ ድሕሪ ምብቅዑ'ዩ ምስ ሳንቶስ ክፈራረም ክኢሉ።
እታ 222 ሚልዮን ኤሮ ሂባ ክብረወሰን ተጻወትቲ ብዝሓዘ ዋጋ ኣብ መፋርቕ 2017 ካብ ባርሰሎና ዝዓደገቶ ፒኤስጂ'ያ፡ ኣብ 2023 ናብ ስዑድያዊት ኣልሂላል ሸይጣቶ።
ነይማር ምስ ኣልሂላል ሸውዓተ ግዜ ተሰሊፉ ብሽሙ ኣብታ ጋንታ ሸቶ ከየመዝገበ ከኣ ተፋንይዋ።
ዕድል ዘይገበረ ነይማር ኣብታ ጋንታ ምስ ተጸንበረ፡ ካብ መስበርቲ ናብ መስበርቲ እናተሰጋገረ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ተጻዋታይ ተዓዛባይ ኰይኑ ዘሕለፎ ግዜ ይበዝሕ።
ኣደ ኣደ ስለ ዝዀነት ሳንቶስ ግን ፎእ ኣይበለቶን፣ ዋላ ምስ ዘየተኣማምን ብቕዓቱ ንነይማር ብድሙቕ ኣቐባብላ'ያ ማዕጾኣ ኣርሕያ 'ጆባእ' ኢላቶ።
ስጳኛዊ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ጉልያን ባላግዩ ንነይማር ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ "እቲ ንጉስ ክኸውን ዘይከኣለ ልኡል፡" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"እቲ ንጉስ ክኸውን ዘይከኣለ ልኡል"
ነይማር ዝናን ክእለትን ሮናልዲንሆ ኣብ ባርሰሎናን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን ክሃፍፍ ኣብ ዝጀመረሉ'ዩ በሎኽ ብምባል ንባርሰሎናን ብራዚልን ኣለኹልክን ኢልወን።
እታ መፍረ ማእለያ ዘይብሎም ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝዀነት ብራዚል ከኣ ነይማር ልዕሊ እቶም ዝሓለፉ ደቃ ጸብለል ክብለላ መሪቓ ናብ ኤውሮጳ ኣፋንያቶ፣ ብፍላይ ከኣ ክለብ ሳንቶስ።
ነይማር ኣብ 2013 ካብ ሳንቶስ ናብ ባርሰሎና ኣብ ዝተሰጋገረሉ ወዲ 21 ዓመት'ዩ ነይሩ።
ምስታ ጋንታ ኰይነ ከኣ ኣብ 225 ጸወታታት፡ 136 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣዕይንቲ ክለባት ኤውሮጳ ክስሕብ ክኢሉ።
ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ ክለብ ፍላሚንጎ ዘመዝገባ ድንቂ ሸቶ ከኣ ናይቲ ዓመት ዝበለጸት ሸቶ ተባሂላ ሽልማት ቡስካሽ ተሸሊምላ። ብዘይካ'ዚ ነይማር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣብ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ምስ ዝበለጹ 10 ተጻወትቲ ዓለም ኰይኑ ተሓርዩ።
ናብ ስጳኛዊት ክለብ ባርሰሎና ኣብ ዝተጸንበረሉ፡ እቲ እንኮ ንልዮነል ሜስን ክሪስትያኖ ሮናልዶን ክበልጾም ዝኽእል ተጻዋታይ መጺኡ ተባሂሉ ብዙሕ ተዘሪብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስጳኛዊ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ጉልያን ባላግዩ "ኣዝዩ ፍቱው ሰብ'ዩ፡ ንእሽቶ ዘምስሎ ምጩው መልክዕ ኣለዎ፣ ወትሩ ብኣዝዮም ፍትዋት ሰባት ምስ ተኸበበ'ዩ። ንባርሲሎና'ውን ኣዝዩ'ዩ ዝፈትዋ፡" ኢሉ።
ነይማር ኣብ ባርሲሎና ምስ ኣጥቃዕቲ ሜሲን ልዊስ ስዋረዝን ብምዃን ክልተ ዋንጫ ላሊጋ፡ ሰለስተ ኮፓ ድለ ረይን ሓንቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግን ክዓትር ክኢሉ'ዩ።
ነይማር ኣብ ባርሴሎና ኣብ ጸጋማይ ክንፊ መጥቃዕቲ'ዩ ዝጻወት ነይሩ፣ "ኣብቲ ቦታ ክጻወት ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብታ ጋንታ ልዕሊኡ ብቕዓት ዝነበሮም ስዋረዝን ሜስን ስለ ዝነበሩ እዮም፡" ይብል ጉልያን ባላግዩ።
"ኣብቲ እዋን ኣብ ጻጋማይ ክንፊ ምጽዋቱ ካብ ንቡር ብቕዓቱ የድሕሮ ምንባሩ ኣይተረድኦን ነይሩ፡" ይውስኽ ጉልያን ባላግዩ።
ኣብ ዓመተ 2015-2016 እቲ ንስም ሜሲ፡ ስዋረዝን ነይማርን ንምውካል መጸውዒ ዝነበረ ኣሕጽሮ ቃላት ኤምኤስኤን [MSN] ግኑን'ዩ ነይሩ።
ሰለስቲኦም ብድምር ኣብቲ ዓመት 131 ሸቶታ ከመዝግቡ እንከለዉ፡ 65 ንሸቶ ዝዀና ኮዓሳሱ ከሺኖም ኣቐቢሎም። በዚ ከኣ እቲ ሰለስቲኦም ዝፈጠርዎ ናይ ምጥቓዕ ውህደት MSN ንኣንጻር ጋንታታት ሕማም ርእሲ'ዩ ነይሩ።
ነይማር ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ማራኺ ብቕዓት የርኢ ነይሩ'ዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ወዲ ጋንትኡ ዝነበረ ሜሲ ኰይኑ ግን ንጉስ ክኸውን ኣይከኣለን።
ኣብቲ እዋን ኣብታ ጋንታ ሜሲ ዘይትንከፍ ንጉስ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ኵሎም ደገፍቲ ሜሲ'ዮም ነይሮም - እንከላይ ነይማር።
ጉልያን ባላግዩ፡ "ነይማር ካብ ባርሲሎና ክወጽእ ዝወሰነሉ፡ ባርሲሎና ኣብ ቀዳማይ ርክብ ቻምፕዮንስሊግ ብፒኤስጂ ዝወረዳ ገዚፍ ስዕረት ኣብ ካልኣይ ርክበን 6 ብ 1 ስዒራ ንፒኤስጂ ርእሳ ኣብ ዘድነነትሉ'ዩ፡ እቲ እዋን ከኣ 2017'ዩ ነይሩ፡" ይብል።
"ነይማር ኣብቲ ጻወታ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ፣ ነታ ሻዱሸይቲ ሸቶ'ውን ንሱ'ዩ ከሺንዋ። ኣብቲ ጻወታ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ንሱ'ዩ ነይሩ። እንተኰነ፡ እታ ጋንታ ምስ እትዕወት ወትሩ ሜሲ'ዩ ዝጽዋዕ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ባርሴሎና ኰይኑ ቍጽሪ ሓደ ተጻወታይ ክኸውን ከም ዘይክእል ተሰዊጥዎ፡" ይብል።
ኰነ ከኣ፡ ኣብታ ክረምቲ ነይማር ካብ ስጳኛ ወጺኡ ናብ ፓሪስ ኣመሪሑ።
![ስእሊ ሜሲ ኣብ ኢንስታገራም ናይታ ጋንታ [ፒኤስጂ] ዝበለጸት ስእሊ ናይቲ ዓመት ተባሂላ ተሓርያ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/e9de/live/8842e140-e2e4-11ef-bd1b-d536627785f2.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፒኤስጂ ንነይማር ካብ ባርሱሎና ንምዕዳግ ዘውጽኣቶ 222 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ዝልዓለ መሸጣ ተጻዋታይ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ነይማር ኣብ ፒኤስጂ ናጽነት ብዘለዎ ኣገባብ'ዩ ዝጻወት ነይሩ። ናይ ማእከል ኣጥቃዓይ ብምዃን ኣብታ ጋንታ ቀላሲ ተራ ሒዙ ክጻወት ጀሚሩ።
ጉልያን ባላግዩ፡ ነይማር ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተዋህቦ ናጽነት፡ ኣታ ጋንታ ኣብ መወዓውዒታት ክሳተፍ ጸቕጢ ትገብረሉ ምንባራ ብምሕባር፡ "ነይማር ንጻወታ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣብ ፖሪስ'ዩ ክብርዕን ጀሚሩ። እታ ጋንታ ኣብ ክንዲ ከም ተጻዋታይ፡ ከም ፋብሪካን ምንጪ ኣታውን'ያ ትጥቐመሉ ነይራ፡" ይብል።
"ግደ ሓቂ፡ ኣብ ፒኤስጂ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ዝኣተዎ ውዕል፡ ካብ ልምምድ ወጻኢ ዝነበሮ ግዜ ኣብ መወዓዊዒታት ክሕልፎ'ዩ ዘገድዶ ነይሩ፡" ይውስኽ።
"ካብዚ ብምብጋስ ኣንፈቱ ክቕይር ጀሚሩ። ክሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሰለስተ ፕለይ-ስቴሽን ስለ ዝጻወት ኣብ ልምምድ ኣድማዒ ኣይከውንን። ጸወታ ኣብ ዝህልወሉ ግን ፍሉይ ብቕዓቱ ኣቐልቕል የብሎ ነይሩ፡" ኢሉ።
ነይማር ኣብ ፓሪስ ምስ ፒኤስጂ ብምዃን ብዙሕ ናይ ፈረንሳ ዋናጩ ክወስድ ክኢሉ'ዩ። እታ ጋንታ ሃረር እትብሎ ከም ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝኣመሰለ ከግዝማ ግን ኣይከኣለን።
ኣብ 2020 ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ናብ መዛዘሚ ክበጽሑ ክኢሎም ነይሮም'ዮም፣ እንተዀነ ባየርሙኒኽ'ያ ንፒኤስጂ ሓደ ብባዶ ስዒራ ነታ ዋንጫ ክትዓትራ ክኢላ። እቲ 90 ደቓይቕ ዝተጻወተ ነይማር ከኣ ታሪኽ ካብ ምጽሓፍ ተዓንቀጸ።
ጋንትኡ ነታ ዋንጫ እንተ ትዕወተላ ነይራ፡ እቲ ንፒኤስጂ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዘግዘመ ተባሂሉ ምተጸውዐ ነይሩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቲ ኣብ ባርሰሎና ንነይማር ንጉሱ ዝነበረ ሜሲ ናብታ ጋንታ ስለ ዝመጽአን ክልያን ምባፐ'ውን ዓቕሙ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ስለ ዝኸደን፡ ንነይማር ጫካ ፒኤስጂ ናይ በይኑ ጣሻ ክዀነሉ ኣይከኣለን - ተፈኻክርቲ መጺኦሞ።
ኣብ ሓደ ጭፍራ ኣናባስ ከኣ ሓደ ጫካኡ ዘውሕስ ንጉስ ኣንበሳ'ዩ ዝህሉ። እቲ ንጉስ ከኣ ነይማር ክኸውን ኣይከኣለን።
ነይማር ምስ ብራዚላዊ ኰኮብ ተጻወታይን ኣብ 1994 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረን ሮማርዮ ኣብ ፖድካስት ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "ምስ ክልያን ምባፖ ዘየሰማምዕ ውልቃዊ ጉዳይ ነይሩና፣ ቍሩብ ንብኣስ ነይርና። እንተዀነ፡ ንሱ ንዓና ኣገዳሲ'ዩ ነይሩ። ንዘራረብ ኢና ኵሉ ግዜ'ውን ይሕግዞ ነይረ። ሜሲ ናብታ ጋንታ [ፒኤስጂ] ምስ መጽአ ግን ክቐንእ ጀሚሩ፡" ኢሉ ነይሩ።
ነይማር ድሕሪ እዚ፡ ካብ ማህረምቲ ናብ ማህረምቲ እናተሰጋገረ ኣብ ዓመት 2022-2023 ኣብ ዓንዓር ዓንካሪቱ መብጣሕቲ ስለ ዘካየደ ካብ ውድድር ወጻኢ ክኸውን ከኣላ።
ጕዕዞ ናብ ስዑድ ዓረብ
ኣብ ነሓሰ 2023፡ ነይማር ወዲ 31 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ዓመት 150 ሚልዮን ዩሮ እናተኸፈሎ ምስ ስዑድያዊት ክለብ ኣልሂላል ክጻወት ክታሙ ኣንቢሩ።
እዚ መጠን ደሞዝ፡ ምስቲ ኣብ ፒኤስጂ ዝኽፈሎ ዝነበረ ገንዘብ ክነጻጸር እንከሎ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ'ዩ።
ምስ ብራዚል እናተጻወተ እንከሎ ኣብ ብርኩ ዘጋጠሞ ከቢድ ማህረምቲ ኣብታ ብኡኡ ክትዕንብብ ትጽበ ዝነበረት ኣልሂላል ዓብዪ ሃስያ ኰና።
ምስታ ጋንታ ከኣ ኣብ ሸውዓት ጸወታታት ጥራይ'ዩ ክስለፍ ክኢሉ፣ ብስሙ'ውን ዋላ ሓንቲ ሸቶ ከመዝግብ ኣይከኣለን።
ተንታኒ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣመሪካ ቲም ቪከሪ ምስ ቢቢሲ ራድዮ ፋይፍ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ "ዕላምኡ ምስ ጋንታ ኣል ሂላል ንተወሰኽቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምጽዋት'ዩ ነይሩ፣ ምስታ ጋንታ ኰይኑ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ክለባት ዓለም ክጻወት ውጥን ነይርዎ፡" ኢሉ።
ሕጂ ግን ኵሉ ኣይተኸኣለን ናብ ብራዚል ተመሊሱ ኣሎ።
ናብ ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ ምምላሱ፡ ነታ ኣብዚ ዓመት ናብ ላዕለዋይ ሊግ ብራዚል ዳግማይ ዝተመለሰት ሳንቶስ ዓቢ ብስራት'ዩ።
ናብ ንቡር ብቕዓቱ እንተ ተመሊሱ ንሳንቶስ ጥራይ ዘይኰነ ንሃገራዊት ጋንታ ብራዚል'ውን ብስራት'ዩ።
ነይማር ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ጥቅምቲ 2023'ዩ ተጻዊቱ። ኣንጻር ኡራጋይ እናተጻወተ እንከሎ ከኣ ኣብ ብርኩ ማህረምቲ ኣጋጢምዎ እናነብዐ ካብ ሜዳ ወጺኡ፣ ብድሕሪ'ዩ ንሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ዝዀነ ጻወታ ኣይወከላን።
ነይማር ዋላ'ኳ ንፔለ በሊጹ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ክኸውን እንተ ከኣለ፡ ብራዚላውያን ግን ኣብ ኮረሻ ንግስነት ክሰቕልዎ ኣይከኣሉን።
ብራዚላውያን ንጉስ ክብሉኻ እንተዀይኖም ጋንታ ተሸኪምካ ዋንጫ ዓለም ከተምጽኣሎም ኣለካ - ልክዕ ከም ፔል፡ ለክዕ ከም ሮማርዮ ልክዕ ከም ሮናልዶ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም 2014 ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሑ፡ ብጀርመን ብኸቢድ ተጸፉዑ ከኣ ኣብ ዓዱ ርእሱ ኣድኒኒ ንዋንጫ ተፋንይዋ። ንብራዚል ኣብ 2019 ኮፓ ኣመሪካ ኣምጺኡላ፡ እዚ ግን ንብራዚላውያን እኹል ኣይኰነን። ኣብ ብራዚል ኮፓ ኣመሪካ ንጉስ ዘስሚ ኣይኰነን። ንዕኡ ከም ሕዛእቶም'ዮም ዝሓስብዎ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022'ውን ነይማር ኣብ ክልተ ጸወታ ጥራይ'ዩ ክጻወት ዕድል ረኺቡ፡ ሕጂ'ውን ብሰንኪ ማህረምቲ።
ከም ቪንሰንት ጁንየርን ሮድሪጎን ዝኣመሰሉ ብራዚላውያን ሕጂ ዘጕላዕልዑ ዘለዉ ተጻወትቲ'ዮም። ካብቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ደሚቖም ክወጽኡ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ተባሂሎም'ውን ይግለጹ'ዮም።
እንተዀነ ነይማር ክሳብ ሽዕኡ ጽቡቕ እንተ ጺኒሑ፡ ክእለትን ተመኵሮኡን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ሓደ ፍሉይ ትዕድልቲ'ዩ።
ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሸብሻባ. . .
ነይማር ንብዙሓት ንኣሽቱ ብራዚላውያንን ደቂ ካልኦት ሃገርን መንቋሕቋሓታ ፈጢሩ'ዩ።
ሕጂ ኣብ ባርሰሎና ወሳኒ ተጻዋታይ ኰይኑ ዘሎ ስጳኛዊ ላሚነ ያማል፡ ናብ ባርሲሎና ኣብ ዝተጸንበረሉ ከም ነይማር ክኸውን ከም ዝደሊ'ዩ ንደገፍቱ ገሊጹ።
ስጳኛዊ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ጉልያን ባላግዩ፡ "ብተጻወትቲ ኣዝዩ ተፈታዊ'ዩ፣ ላሚነ ያማል'ውን ንነይማር ከም ጅግንኡ'ዩ ዝርእዮ። ነይማር ካልኦት ተጻወትቲ ክገብርዎ ዘይክእሉ ዝገብር ፍሉይ ተጻዋታይ'ዩ።"
እቲ 'ልዑል' ንጉስ ዘብሎ ኣኽሊል ዋላ ኣይድፋእ፡ ጽልውኡ ኣብ ባህሊ ኩዕሶ እግሪ ግን ሰፍ ዘይብል'ዩ።
ምናልባት ነይማር፡ ገና ጸሓዩ ኣይዓረበትን ኣላ፣ ጸወትኡ ብሸብሻባ ንኽዛዝም ሓንቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ትህልዎ'ያ።
ነይማር ጫምኡ ዘይሰቐለ ተጻዋታይ'ዩ፣ እቲ ፍሉይ ክእለቱ'ውን ምስኡ'ዩ ዘሎ። ንኽለቡን ሃገሩን ናብ ዝልዓለ ደረጃ ከብጽሐን ኣይእክል'ዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ኣይከኣልን'ዩ።
ከምቲ ሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣኽሊል ንግስነት ዝደፍአ፡ መን ይፈልጥ ነይማር'ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋንጫ ብምስፍሳፍ ኣኽሊል ንግስነት ይደፍእ ይኸውን።
ሽዕኡ እቲ ሓመድ ልሒሱ 'ኣኽሊል ዝደፍ ንጉስ' ክበሃለሉ ይኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







