ነይማር ብሰንኪ ማህረምቲ ኣብ ክልተ ጸወታታት ክቦኵር ምዃኑ ተረጋጊጹ

ነይማር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ግጥም ኣንጻር ሰርብያ ብዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ማህረምቲ ካብ ሜዳ ዝወጽአ ነይማር፡ ኣብ ዓንካርዓንካሪቱ ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ፡ ብራዚል ኣብ እትገብሮ ክልተ ናይ ምድብ ጸወታታት ከምዘይጻወት ዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ገሊጹ።

ብራዚል ኣብቲ ብሓሙስ ኣንጻር ሰርብያ ዘካየድዎ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ወላ’ኳ ብራዚል 2 ብዜሮ እንተሳዓረት፡ ወዲ 30 ዓመት ነይማር ብተጻዋታይ ሰርበያ ኒኮላ ሚሎንኮቪች ከቢድ ማህረምቲ ስለዘጋጠሞ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ካብ ሜዳ ክወጽእ ተገዲዱ’ዩ።

ነይማር ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ዓንካርዓንካሪቶ የማነይቲ እግሩ ድሮ ክትሓብጥ ጀሚራ ነይራ’ያ።

ነይማር ንማህረምቱ ኣመልኪቱ ብኢንስታግራም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኣብ ናይ ጸወታ ዘመነይ ዘጋጠመኒ ዝኸፈአ ማህረምቲ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “ኣብ ህይወትይ ብቀሊሉ ዝረኸብክዎ ነገር የለን ንሕልመይ ሸቶይን ንኸተግብር ወትሩ ምስ ጸዓርኩ’የ፡ ንዝኾነ ሰብ ሕማቕ ተመንየ ኣይፈልጥን’የ ሓገዝ ንዝደልዩ ኸኣ ሓጋዛይ’የ” ብምባል ምስትምሳል ዘለዎ መልእኽቲ ጽሑፉ።

“ተሃሪመ ኣለኹ ይርድኣኒ’ዩ ጽቡቕ ነገር ኣይኮነን፤ ብሓደ ነገር ግን ርግጸኛ’የ ንሃገረይ፤ ንደቂ ጋንታይን ንነገዛእ ነፍሰይን ንምሕጋዝ ኣበርቲዐ ክሰርሕ’የ” ኢሉ።

እታ ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ድሮ ክትሓብጥ ጀሚራ ዝነበረት ዓንካርዓንካሪቶ ነይማር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ድሮ ክትሓብጥ ጀሚራ ዝነበረት ዓንካርዓንካሪቶ ነይማር

ኣብ የማናይ ክንፈ ምክልኻል ዝጸወት ብራዚላዊ ዳኒሎ’ውን ብተመሳሳሊ ማህረምቲ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ጸወታታት ኣይክስለፍን’ዩ።

ብራዚል ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣንጻር ስዊዘርላንድ: ዓርቢ ኸኣ ኣንጻር ካሜሮን ካልኣይን ሳልሳይን ናይ መድብ ጸወታ ክህልዋ’ዩ።

ዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ራድሪጎ ላስማር “ንነይማርን ንዳኒሎን ብዓርቢ ናይ ኤምኣርኣይ መርመራ ገይርናሎም ናይ ክልቲኦም ኸኣ ኣብ ዓንካርዓንካሪቶኦም ማህሰይቲ ከምዘለዎም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ኢሉ።

እቲ ዶክተር ብምስዓብ “ርግእ ኢልና ንማህረምቶም ግዜ ሂብና ክንከታተሎ ከኣ ኣገዳሲ’ዩ፡ እቲ ሓሳብ ካብ ማህሰይቶም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ናብ ውድድር ንኽምለሱ’ዩ”

ድሕሪ ግጥም ሰርብያን ብራዚልን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበ ኣሰልጣኒ ብራዚል ቲተ “ነይማር ናብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክምልስ’ዩ” ምባሉ ይዝከር።

ንፈረንሳዊት ክልብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ዝጻወት ነይማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ የማነይቲ እግሩ ተደጋጋሚ ማህረምቲ ከጋጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

ነይማር ኣብ 2019 ብሰንኪ ተመሳሳሊ ማህረምቲ ካብ ውድድር ኮፓ ኣሜሪካ ክቦክር እንከሎ ኣብ 2021’ውን ብተመሳሳሊ መጉዳእቲ ንሓያለ ሳምንታት ካብ ጸወታ ተኣልዩ ነይሩ’ዩ።

ነይማር ብራዚል ኣንጻር ሰርብያ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ናይ ምድባ ጸወታ ትሽዓተ ግዜ ፋወል ክስርሖ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 እቲ ዝብዝሐ ፋውል ዝተሰርሖ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።