ዋንጫ ዓለም 2022፡ ብዙሓት ተጻወትቲ ክስኣሉ እንከለዉ ንምንታይ’ዮም ኣፎም ዝዓብሱ ዘለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መቸም ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ብዘይካ እቲ ክልተ ሃገራውያን ጋንታተት ተጻዊትን ዘመዝግበኦ ውጽኢት ካልእ ብዙሕ ክስተታት እንድዩ ዝርአ፡ ግን ኣይ ከም ናይ ሎሚ ዓመትን።
ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን፡ ብፍላይ እቶም ኣሕሉቕ ጋንታታት ኣብ ምናቶም ‘ሓንቲ ፍቕሪ’ ዝብል ዝተጸሓፋ ባንዴራ ናይ ሕደ ጾታውያን [LGBT] ኣሲሮም ናብ ሜዳ ክኣትዉን ክጻወቱን ልሙድ ተርእዮ’ዩ።
እዚ ኸኣ ነቶም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣድልዎታት ዝበጽሖም ሕደ ጾታውያን ድምጺ ክኾንዎም ብምሕላን ዝገብርዎ’ዩ።
እዚ ግን ኣብታ ዋንጫ ዓለም ተአንግድ ዘላ ኣስላማዊት ሃገረ ቐጠር፡ እቲ ጉዳያ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ጉዳያ ባህሊ፡ ጉዳይ ልምድን ስለዝኾነ ተጻወትቲ ይኹኑ ተዓዘብቲ ንናይ LGBT ዘወዓውዕ ባንዴራ ክገብሩ ኣይተፈቐደሎመን።
እቲ ጠለብ ናይ ቐጠር ፊፋ ስለዝተቐበሎ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ተዓዘብትን ተጻወትትን ምዕዝምዛማት ይስማዕ ኣሎ።
ትማሊ ረቡዕ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ንምክያድ፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ብሓባር ስእሊ ንኽስኣሉ ኣብ ዝተኣከብሉ ብምልኦም ኣፎም ዓቢሶም ተሳኢሎም።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጀርመን ሃንሲ ፍሊክ ነዚ ኣምልኪቱ መግልጺ ኣብ ዝሃበሉ “እቲ ምልእኽቲ ናይታ ጋንታ ንጹር እዩ፡ ፊፋ ኣፍ ይዓብስ ኣሎ ዝብል’ዩ” ኢሉ።
እንተኾነ፡ እቲ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንብዙሓት ኣዕራብ ቁጠዐ ፈጢርሎም ኣሎ።
ኣብ ትዊተር ብዙሓት ኣስላም ንናይ ጀርመን ስጉምቲ ብሃሽታግ ኣሰንዮም ክኹንንዎ ተራእዮም።
ብዙሓት፡ ጀርመን ነቲ ፊፋ ዘውጽኦ ሕጊ ጥሒሳ እያ ትቐጻዕ ክብሉ እንለዉ፡ ጀርመን ኣፎም ብምዕባስ ን LGBT ዘለዎም ደገፍ ምግላጾም "ጸርፊ’ዩ” ብምባል ፊፋ ኣብ ተጻወትቲ ዝያዳ ጸቕጢ ክገብር ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ሓደ ተጠቓሚ ትዊተር’ውን “ናባና መጺኹም ኣለኹም ሃይማኖትና፡ ባህልና፡ ልምድናን ሕግናን ኸኣ ከተኽብሩ ኣለኩም። እንተዘይኮይኑ ኢድኩም ንኣፍኩም ኣይኮነን ካልእኩም’ውን ክትዓብስሉ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ።
ካልእ ተጠቓሚ’ውን “ጥምየት፡ ድኽነት፡ ሕጽረት ጽሩይ ማይን ካልእ ጸገማትን ኣብ ዘለዋ ዓለም ንኹሉ ገዲፍኩም ነዚ ከም ምኽንያት ሓሲብኩሞ?” ኢሉ።
ሓደ ካልእ ኣብ ፌስቡክ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ቐጠር ኮይኖም ጸወታ ዝዕዘቡ ዘለዉ ኣዕራብን ኣስላምን ኢሉ ኣብ ዝለጠፈ መልእኽቲ “ንሶም [ጀርመናውያን] ነዚ ደው ዝብሉ እንተኾይኖም ንስኹም ኸኣ ብሃይማኖትኩም ተሓበኑን ንዕኡ ኸኣ ደው በሉን” ኢሉ።
እዚ ጀርመናወያን ተጻወትቲ ዘርኣይዎ ምልክት፡ ኣብ ሞንጎ ፊፋን ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ካብ ኣውሮጳ ዝምጽኣ ሃገራውያን ጋንታታት ብውሕዱ እቶም ኣሕሉቕ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ምናቶም ‘ሓደ ፍቕሪ’ ዝብል ዘለዎ ምልክት ናይ ሓደ ጾታውያን ክገብሩ ከካይድዎ ዝጸንሑ ክትዕ ክሳብ ክንደይ ተሪር ምንባሩ ዘርኢ’ዩ።
ፊፋ ግን ንጠለብ እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣይከውንን’ዩ ስለዝበለን፡ ከምኡ ዝገበረ ብደያኑ ብጫ ካርድ ክውሃቦ ሕጊ ስለዘተኣታተወን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ታሕጓስ ኣይፈጠረን።
እቲ ፊፋ ዘውጽኦ ሕጊ ኣመልኪቱ ዳይረክተር ሚድያ ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ጀርመን ስተፈን ሳይሞን “ዓቐኑ ዝሓለፎ ምፍርራሕ’ዩ” ብምባል ገሊጽዎ።
ጀርመናውያን ኣፎም ዓቢሶም ብምስኣሎም ክመጽኦም ዝኽእል መቕጻእቲ ከምዘይህሉ ዝሕብር ስተፈን ሳይሞን “ሰብኣዊ መሰል ትዛተየሉ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ኣብ ኢድና ንገብሮ ምልክት ከይንገብር ምኽልካል ኣፍና ካብ ምዕባስ ዝፍለ ኣይኮነን፡ ንሕና ኣብ መርገጺና ኢና ዘለና” ኢሉ
ኣብ ድሮ ምጅማር ዋንጫ ዓለም ፕረዚደንት ፊፋ ጅያኒ ኢንፋንቲኖ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ቐጠር ኣመልኪተን ኣብ ዝቕርብኦ ጸብጻብ ዝንቡዕን ናይ ሓደ ሸነክ ጥራይ ዝነግር ምዃኑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እዚ ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዘተፈጠረ ዓበይቲ ሓፍዞቋት ሓደ ኮይኑ ምስናዱ ኣይክተርፎን’ዩ።
ብዙሓት ተወልድቲ ዓረብ፡ ኣብታ ኣብ 2018 ንዋንጫ ዓለም ዘአንገደት ሩስያን ኣብ 2008 ንውድድራት ኦሎምፒክ ዘአንደገት ቻይናን ሰብኣዊ መሰል ከምዚ ኣብ ቐጠር ዝልዓል ዘሎ ንምንታይ ዘይተላዐለ ኢሎም ብቑጠዐ’ዮም ዘልዕልዎ።
ቐጠር ንዋንጫ ዓለም 2022 ከተአንግድ ምስ ተመረጸት፡ ብዙሓት ኣዕራብ እቲ ዓወት ናይ መላእ ዓረብ’ምበር ናይ ቐጠር ጥራይ ገይሮም ኣይወሰድዎን።
እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም፡ ናብቲ ብኵናት ጥራይ ዝልዓል ማእከላይ ምብራቕ ምምጽኡ ንብዙሓት ሃገራት እቲ ዞባ ባህታ ኣስኒቑ’ዩ።
መኽፈቲ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየፈሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ተወላዲ ቐጠር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “እዚ ንቐጠር ጥራይ ኣይኮነን፡ ንኹልና ኣዕራብን ኣስላምን ሓበን’ዩ” ኢሉ።
ንናይ ፊፋ ውሳነን ናይ ቐጠር ትረትን ዘተዓርቕ ሓሳብ ዘለዎም’ውን ኣይተሳኣኑን።
ፊፋ ዝወስዶ ዝኾነ ዓይንት ስጉምቲ ኣብ መላእ እቲ ዞባ [ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ኣዕራብን] ከኸትሎ ዝኽእል ነገር ኣብ ግምት ምእታዉ ጽቡቕ’ዩ ዝብል ርእይቶ ክስማዕ እንከሎ፡ ቐጠር ኸኣ ነቲ ውርሻ ዓለም ዝኾነ ዋንጫ ዓለም ክሳብ ክንዲዚ ክትቖጻጸሮ ምድላያ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ናብ ካንሸሎኣ ከምዝዓደመቶ ዝረሰዐት ትመስል ዝብሉ’ውን ኣለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







