ኢራን፡ ብእስራኤል ናይ ዝተቐተሉ ወተሃደራውያን መራሕቲ ቀብሪ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኢራን ምስ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ግጭት 12 መዓልታት ንዝሞቱ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ኒዩክለራዊ ሳይንቲስትን ዝርከብዎም ኣስታት 60 ሰባት ሃገራዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ይካየድ ኣሎ።
ስእሊ ዝሞቱ ኣዘዝቲ ዝሓዙ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ማእከል ቴህራን ኣብ ጥቓ ኣደባባይ ኢንገላብ ነቲ ብባንዴራ ኢራን ዝተሸፈኑ ሳንዱቕ ሬሳታት ዓጂበሞ ይርኣዩ።
እቲ ግጭት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብተኵሲ ደው ምባል እዩ ተዛዚሙ፣ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝርከቡ ወሰንቲ ኒዩክለራዊ ቦታታት ብቦምባታት ብምድብዳብ ብቐጥታ ተሳቲፋ።
ካብቶም ዝተቐተሉ፡ ኣብ ኢራን ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ወተሃደራዊ መኮነን ሓላቓ ስታፍ ዕጡቕ ሓይልታት ኢራን ዝነበረ መሓመድ ባገሪ ይርከብዎም።
ጸሊም ክዳን ዝተኸድኑ ሓያለ ኢራናውያን ስእሊ ናይቶም ዝተቐተሉ ሓለፍትን ባንዴራ ኢራንን ሒዞም ንእስራኤልን ንኣመሪካን ዝኵንን ንመንግስቶም ዘለዎም ደገፍ ዝገልጽ ጭርሖታት ሒዞም ነቲ ሬሳታት ኣሰንየሞ።
ካብቶም ሎሚ ቀዳም ስነስርዓት ቀብሩ ዝተፈጸመሎም፡ ዋና ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ሑሴን ሰላሚ፡ ከምኡ'ውን ከም በዓል መሓመድ መህዲ ቴህራንቺ ዝኣመሰሉ ሓያለ ተመራመርቲ ኒዩክለር ይርከብዎም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንኢራን ምድብዳብ ዝብል ሓሳብ ካብ ጣውላ ዘይተላዓለ ሕርያ'ዩ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ እዚ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝካየድ ዘሎ።
ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖሚያ ኢክባል ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ስለያ ኣመሪካ ኢራን ዩራንየም ክሳብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከተሀብትም ከምእትኽእል እንተድኣ ደምዲሙ "ብዘይ ሕቶ" ነታ ሃገር ከጥቅዓ ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ብተወሳኺ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንኣያቶላህ ዓሊ ካሜናይ ካብ ሞት ከምዘድሓኖ ገሊጹ።
"ንሱ [ኻመኒ] ኣበይ ከምዝተዓቖበ ብልክዕ ንፈለጥ ነይርና ኢና፡ እስራኤል፡ ወይ ዕጡቓት ሓይልታት ኣመሪካ ክቐትልዎ ግን ኣይፈቐድክሎምን ፡ ካብ ኣዝዩ ጽዩፍን ዘሕፍርን ሞት'የ ኣድሒነዮ" ብምባል ኣብቲ ባዕሊ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ 'የቐንየለይ ፕረዚደንት ትራምፕ!' ብምባል ንገዛእ ርእሱ ኣመስጊኑ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ትራምፕ ብዛዕባ ንኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዘየድሊ ርእይቶታት ካብ ምሃብ ክቑጠብ ሓቢሩ።
"ትራምፕ ብዛዕባ ውዕላት ዝግደስ እንተኰይኑ ብዛዕባ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካመኒ ዘይቅብሉን ዘይእዱብን ቃላት ካብ ምጥቃም ክቑጠብ ኣለዎ" ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
"እዚ ሓያል ህዝቢ ኢራን እስራኤል ዋላ ሓንቲ ክትገብር ከምዘይትኽእልን፡ ብዘይካ 'ኣቦይ' ኢላ ናብ ኣመሪካ ብምጥራዕ ካብ ሚሳኤላትና ክትከላኸል ምፍታን ዓቕሚ ከምዘይብላ ንዓለም ኣርእይዋ'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







