ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘውጽኣቶ 'ሓድሽን ተሪርን ' ሕጊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቶም ብዘይሕጋዊ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ዜግነት ከም ዘይውሃቦም ኣፍሊጡ።
እቲ ሓድሽ ብ 'ሆም ኦፊስ' ዝወጽአ ሕጊ፡ ዋላ ነቶም ንመትረብ እንግሊዝ ብንኣሽቱ ጃልባ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ከምዘይብሎምን'ዩ ዝጠቅስ።
እንተዀነ እቲ ሓድሽ ዝወጽአ ሕጊ ካብ ቤት ምኽሪ ስደተኛታትን ካብ ገለ ኣባላት ባይቶን ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ዝዀነት ስቴላ ክረሲ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሕጊ ዝተቓወሙ ኰይና "እዚ ስደተኛታት ንዘልኣለም ካልኣይ ዜጋ ኰይኖም ንኽነብሩ ዘገድድ'ዩ" ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ኣላ።
እቲ ብሰኑይ ወግዓዊ ዝዀነ ሕጊ "ዝዀነ ሰብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ሕጋዊ ዝኣተወሉ ግዜ ብዘየገድስ፡ ካብ 10 ለካቲት 2025 ካብ ዘሎ ግዜ ንዜግነት ምስ ዘመልክት ሕቶኡ ንጹግ ይኸውን" ይብል።
እቲ ካልእ ኣብቲ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥቢ ከኣ "ቅድሚ ሕጂ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ቪዛ ዝኣተወ፡ ብባሕሪ ዝኣተወን ብዘይ ዝዀነ መስርሕ ኢመግሬሽን ብሓደገኛ መንገዲ ናብዛ ዓዲ እግሩ ዘንበረን ድሕሪ 10 ለካቲት ዘቕረቦ ሕቶ ዜግነት ብቐጥታ ንጹግ ይኸውን" ይብል።
ብምስዓብ "እቲ ሓደገኛ መንገዲ ዝብሃል ዘሎ ብጃልባ፡ ብመኪናን ብኻልእ ኣገባብን ይምልከት" ይብል
እቶም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም፡ ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ'ውን ሕቶኦም ካብታ ዘመልከቱላ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ ከምዝጅምር ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።
እዚ ማለት ኣብ ጥሪ 2025 ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ጉዳዮም ካብ ጥሪ 2035 ጀሚሩ ክረአ ክጅምር።
ቤት ምኽሪ ስደተኛታት፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ብውሕዱ ን71 ሽሕ ስደተኛታት ዜግነት ዓዲ እንግሊዝ ካብ ምርካብ ክዕንቅጾም ከምዝኽእል ግምቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኤንቨር ሰሎሞን ዝተባህለ ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ግብረ ሰናይ "ህዝቢ ብሪጣንያ እቶም ኣብ ሃገርና ዑቕባ ዝተወሃቦም ስደተኛታት፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ተዋሃሂዶም ከበርክቱ'ዩ ዝደሊ፡ መንግስቲ ነዚ ካብ ምግባር ዝዕንቅጽ ተወሳኺ ሽኻላት ምትካሉ እቲ ምኽንያት ኣይርድኣንን'ዩ" ኢሉ።
ኤንቨር፡ "እዞም ዑቕባኦም ተቐባልነት ዝረኸበ መንእሰያት፡ ሰብኡት፡ ኣደታትን ህጻናትን ኣካል እዛ ሃገር ምዃኖም ከነርእዮም ኣለና፣ ህይወቶም ክሃንጹ ክንሕግዞም ኣለና፡ ስለዚ ሚኒስተራት ነዚ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ዳግመ ግምት ክገብርሉ ንምሕጸን" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል 'ሆም ኦፊስ' "እዞም ብዘይ ሕጋዊ ናብዛ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ዜግነት ንኸይረኽቡ ዝኽልክሉ ቅድሚ ሕጂ ዝተደንገጉ ሕጊታት ኣለዉ፤ እዚ ናይ ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዘጽንዕ'ምበር ሓድሽ ኣይኰነን፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ይዅን ብኻልእ ኣገባብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብዛ ሃገር ዝኣተዉ ዘቕርብዎ ሕቶ ዜግነት ንጹግ ምዃኑ'ዩ ዘነጽር" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







