ቓዛ፡ እስራኤል ብዝኸፈተቶ 'ሓድሽ መጥቃዕቲ' ኣማኢት ተቐቲሎም

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" የካይድ ከም ዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ድማ ብውሕዱ 330 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ "ዒላማታት ራዕዲ" ዝበሎ ሓማስ የጥቅዕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ቓዛ ምክትል ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣብቲ ከባቢ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ብዓል ስልጣን ጸጥታ ሓማስን፡ ማሕሙድ ኣቡ ዋፋህ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ይግለጽ።
ብምኽንያት ጾመ ረመዳን፡ ብዙሓት ሰባት ቅድሚ ወጋሕታ መግቦም ክበልዑ ምስ ጀመሩ፡ ሃንደበት ፍንጀራታት ከም ዝተሰምዑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።
ልዕሊ 20 ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ኣብ ሰማይ ክበራ ተራእየን፣ ብድሕሪኡ እተን ነፈርቲ ኣብ ከተማ ቓዛ፡ ራፋሕን ካን ዩኒስን ዕላማታት ኣጥቂዐን።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁን ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝን ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ነቲ መጥቃቲ ከም ዝኣዘዙ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።
"እዚ ድሕሪ'ቲ ሓማስ ንጅሆታትና ምፍታሕ ብተደጋጋሚ ምእባዩ ዝሰዓበ እዩ። ካብ ፕረዚደንታዊ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ካብ ካልኦት መንጎኛታትን ዝቐረበሉ እማመታት ነጺጉ፡" ኢሉ።
"እስራኤል፡ ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ዝያዳ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክትወስድ እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን፡ "ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ዝዀነ ምሕረት ኣይንገብርን፡" ብምባል፡ ሓማስ ንዅሎም ጅሆታት ክፈትሕ ኣጠንቂቑ።
ሓማስ ቍጥዐ ዝተሓወሶ ምላሽ ዝሃበ ኰይኑ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምፍራሳ፡ ብጥልመት ከሲሱ።
ብተወሳኺ፡ እስራኤል ነቶም ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ዝተረፉ እስራኤላውያን ጅሆታት ተቃልዖም ከም ዘላ ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ሓማስ ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኲናት ዳግማይ ይጅምር ከም ዘሎ ኣይገለጸን። ኣብ ክንድኡ መንጐኛታትን ሕቡራት ሃገራትን ጣልቃ ክኣትዉ ጸዊዑ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ካብ ብእስራኤል ከም ዝተሓበሮ፡ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ንፎክስ ኒውስ ሓቢሩ።
ትራምፕ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ቅነ፡ ንቓዛ ኣመሪካ ክትቈጻጸራ እያ ብዝብል ዘስመዖም ርእይቶታት፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ንሓደጋ ከየቃልዖ ተሰጊኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ናይ ሕጂ ሓድሽ ወፍሪ፡ ኣብ ቓዛ ብ19 ጥሪ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር፡ እቲ ዝዓበየ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ እዩ።
እቲ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ንምንዋሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይከኣለን።
ቀዳማይ ምዕራፍ ግዝያዊ ዕርቂ ብ1 መጋቢት ምስ ኣብቅዐ፡ ተደራደርቲ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ንምርካብ ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣመሪካ ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ክሳዕ መፋርቕ ሚያዝያ ክናዋሕ ሓሳብ ዘቕረበት ኰይና፡ እዚ ድማ ብእስራኤል ዝተታሕዙ ፍልስጤማውያን እሱራትን ብሓማስን ዝተታሕዙ ጅሆታትን ምልውዋጥ ክቕጽል ዝብል ዝርከቦ እዩ ነይሩ።
ነቲ ዝርርብ ዝፈልጥ ፍልስጤማዊ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቀንዲ መዳያት ናይቲ ብኢድ-ኣዙር ዝተኻየደ ዝርርብ ዝቐረበ ውጥን ከም ዘይተሰማምዑ ገሊጹ።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምኽፋት፡ ልዕሊ 1200 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።
እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤል ዘበገሰ ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ልዕሊ 48,520 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም። ካብኣቶም መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛን ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራትን ይሕብሩ።
መብዛሕትኡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ብተደጋጋሚ ተመዛቢሉ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ብገምጋም 70 ሚእታዊት ህንጻታት ዓንዮም፣ ስርዓተ ክንክን ጥዕናን ስርዓተ ጽሬትን ፈሪሱ። ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ ሕጽረት መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒትን መጽለልን ኣጋጢሙ፡ ነበርቲ ንሕሰምን መከራን ተሳጢሖም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







