ሰራዊት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ቓዛ ይደፍእ

ታንኪ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ከቢድ ደብዳብ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ይደፍኡ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ እቶም ወተሃደራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክሃን ዮኑስ መጥቃዕቲ ኣጋር ከምዝጀመሩ ራድዮ ሰራዊት እስራኤል ጸብጺባ ነይራ።

ቢቢሲ እውን ሓቅነት ምስልታት ናይተን ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝተርኣያ ታንክታት እስራኤል ኣረጋጊጹ።

ጸኒሑ ድማ ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እውን፡ “ብሓይልን ብምሉእን” ይዋግኡ ከምዘለዉ ንወተሃደራቱ ክዛረቦም ተሰሚዑ።

ሌተናል ጀነራል ሀርዚ ሃለቪ፡ ንኣባላት ዕቝር ሓይሊ ብዛዕባ ዕላማታት ናይቲ ወፍርን ቅትለት ኣዘዝቲ ሓማስን መብርሂ ሂቡ።

“ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብሓይልን ብደቂቕን ንዋጋእ ኣለና፤ ሕጂ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ንፍጽሞ ኣለና።”

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድማ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ቓዛ፡ “ምስ ግብረሽበራውያን ገጽ ንገጽ ዝግበር ውግእንን መጥቃዕቲ ኣጋርን ይሰፍሕ ኣሎ” ኢሉ።

ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ግዝያዊ ደው ምባል ተዅሲ ብዓርቢ ምስተቛረጸ፡ እስራኤል ዳግም ኣብ ልዕሊ ቓዛ ከቢድ ደብዳባት ምክያድ ጀሚራ። ነበርቲ ክሃን ዮኑስ እቲ ዝኸበደ ማዕበል መጥቃዕቲ ታት ይፍጸም ከምዘሎ ይገልጹ።

በቲ ንሸውዓተ መዓልቲታት ዝጸንሐ ምቍራጽ ተኹሲ፡ ሓማስ ካብቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝሓዞም ነቶም110 ክፈትሕ እንከሎ እስራኤል ብወገና 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ፈቲሓ።

ብሰንበት ሰራዊት እስራኤል ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክሃን ዮኑስ ካብ ከባቢኦም ብቕልጡፍ ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ሰብመዚ እስራኤል ኣባላት መሪሕነት ሓማስ፡ ኣብታ ኣብ ፈላማይ ቅንያት እቲ ውግእ ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተዓቚቦም ዝርከቡላ ከተማ ተሓቢኦም ከምዘለዉ እዮም ዝኣምኑ።

እስራኤል ትዅረት መጥቃዕቲ ናብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ ድሕሪ ምዛራ ከቢድ ስንባደ ከምዝተፈጠረ እዩ በዓል መዚ ዩኒሴፍ ጀምስ ኢልደር ዝገልጽ።

ንሱ፡ እቲ ኣብ ክሃን ዮኑስ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር “ዞባ ኲናት” ክብል ገሊጽዎ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብወገኑ ቅትለት ሰላማውያን ንምትራፍ “ዝለዓለ ጻዕሪ” ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኢልደር ግን ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ድምጺ ምፍንጃር ብቐጻሊ ከምዝስማዕን፡ ጉድኣት ዝወረዶም ህጻናት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኡን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ብተደጋጋሚ ዝመላለሶ ሆስፒታል እዩ፤ እቶም ህጻናትን ስድራቤታትን ይፈልጡኒ እዮም። ገሊኦም ኣእዳወይ ገሊኦም ክዳነይ እናሓዙ ‘በጃኻ ውሑስ ናብ ዝኾነ ቦታ ውሰደና። ኣበይ እዩ ውሑስ ቦታ?’ ይብሉኒ” ክብል ገሊጹ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቲ ደብዳብ ዳግም ካብ ዝጅመር ልዕሊ 500 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።

ብተወሳኺ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ብዝሒ ዝተቐተሉ ሰባት ልዕሊ 15 ሽሕን 500 ን ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

 ሆስፒታል ናስር

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ክሃን ዮኑስ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር "ዞባ ኲናት" ክብል ይገልጾ

ኣብ ቓዛ ዝጸንሐ፡ መሓመድ ጋላይኒ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ- ፍልስጤማዊ ኵነታት እታ ከተማ “ልዕሊ ዕንወት” ከምዝኾነን ከቢድ ሕጽረት ቀረባት ከምዘጋጠመን ብቴሌፎን ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ሰሊዅ ብምእታው ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ብምቕታል ኣስታት 240 ሰባት ጅሆ ሒዙ ምስወሰደ፡ እስራኤል መጥቃዕ ሕነ ምፍዳይ ጀሚራ።

እቲ ኲናት ብዓርቢ ዳግም ካብ ዝለዓል፡ ብዙሓት ሮኬታት ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ይትኮሱ ኣለዉ።

ኣብ ቓዛ ድማ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ሰባት ተፈናቒሎም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ፍልስጤማውያን “ ኣብታ ጸባብ ክንሳ፡ ናብ ዝጸበበ ጸግዒ እታ ግዝኣት ይድፍኡ ኣለዉ” ኢሉ።

ብኻልእ ዜና፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ካብቶም ሓማስ ይጥቀመሎም ዝበሎም 800 ጋለርያታት ነቶም 500 ከምዘዕነወ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ በቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ወተሃደራት እናተመርሑ ኣብ “ዒላማታት ግብረ ሽበራ” ኣስታት 10 ሽሕ ደብዳባት ኣየር ከምዝተኻየዱ” ኣፍሊጡ።