ዶናልድ ትራምፕ ብ6 ጥሪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምርምር ፓነል ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መረጻ 2020 ዘጋጠሞ ስዕረት ንምግልባጥ "ብዙሕ ክፋላት ዘለዎ ውዲት" ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።
እቲ ፓነል ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ናይ መወዳእታ 845 ገጻት ዘለዎ ጸብጻቡ ኣውጺኡ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ልዕሊ ኮንግረስ ዝተፈጸመ ናዕቢ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ጥፍኣት እዩ።
ብተወሳኺ ትራምፕ ኣብ መጻኢ ካብ ህዝባዊ ስልጣን ክእገድ ይላበው።
ዶናልድ ትራምፕ ምስቲ ፓነል ኣይተሓባበረን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ድማ ኣብ ልዕሊዑ ዝተፈጸመ "ዘይንቡር ሃድን" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ 10 ህዝባዊ ስምዓት ከምኡ’ውን ሰበስልጣንን ሰራሕተኛታትን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣባላት ስድራቤቱ፡ ኣባላት ፖሊስ ካፒቶል፡ ናዕበኛታት፡ ኣባላት ምልሻን ካልኦትን ሓዊሱ ምስ 1000 መሰኻኽር ቃለ መሕትት ኣካይዱ እዩ።
እቲ 7 ዲሞክራትን ክልተ ሪፓብሊካንን ዝሓቖፈ ፓነል በሰኑይ፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ጎስጓስ ዋይት ሃውስ ዘካይድ ዘሎ ትራምፕ፡ ናዕቢ ብምሕጋዝን ብካልኦት ሰለስተ ፌደራላዊ ገበናትን መርመራ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ምሩጽ ኮሚተ ዲሞክራት ቤኒ ቶምፕሰን፡ ኣብ መቕድም ናይቲ ሸሞንተ ምዕራፋት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኣብ ሓደ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ንህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ሰልፊ ከለዓዕል "ዘይሕሰብ" ምንባሩ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣስፊሩ።
እቶም ብሓሙስ ምሸት ዝተዘርግሑ ሽዱሽተ ቁልፊ ርኽበታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ።
1. ትራምፕ ተሓጋገዝቱ ሓቂ ኣይኮነን ዝበልዎ ናይ ሓሶት ጠለባት ኣቕሪቡ
እቲ ኮሚቴ፡ ትራምፕ ኣብ ምሸት መረጻ 2020 ብሓሶት ዓወት ክእውጅ ዝወሰዶ ውሳነ "ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ" ምዃኑን፡ ነቲ ስጉምቲ ዝደገፈ ድማ ጠበቓኡ ሩዲ ጁልያኒ ጥራይ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብዛዕባ ሰፊሕ ምትላል ድምጺ መራጽቲ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ክዛረብ ጀሚሩ፡ ኣብቲ መረጻ ጆ ባይደን ከም ዝተዓወተ ምስ ተገለጸ’ውን ዝያዳ ብተደጋጋሚ ምኽሳስ ቀጺሉ።
እቲ ኮሚቴ፡ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ምስ ትራምፕ ቅርበት ዘለዎም ሓያሎ ኣማኸርትን ጠበቓታትን ነቲ ናይ ምትላል ክስታት ከም ዘይኣመኑ ወይ ድማ ዝኾነ መርትዖ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ምግላጾም ይጠቅስ።
ካብዚኦም እቲ ዝያዳ ተፈላጥነት ዘለዎ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ነበር ዊልያም ባር ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ቃለ መሕትት ነቲ ኮሚተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ መረጻ ተሰሪቑ ብዝብል ከም ዘይሰማማዕ ብንጹር ገሊጸ ነይረ፡ እዚ ድማ [ጸርፊ] ከም ዝኾነ ነቲ ፕረዚደንት ነጊረዮ ነይረ" ይብል።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ናይ መረጻ ውዲት ምዝራኡ ቀጺሉ'ኳ እንተነበረ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ እቲ ዝበሃል ሓቂ ከም ዘይኮነ ሓቢሮምዎ ከም ዝነበሩ መስኪሮም'ዮም።
2. መደረ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ናዕበኛታት ኣለዓዒሉ
እቲ ኮሚቴ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብባዕሉ ብትራምፕ ዝተለዓዓለ እዩ ዝብል ክትዕ የቕርብ።
እቲ ኮሚተ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብ19 ታሕሳስ 2020 ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ "ዓቢ ተቓውሞ ኣብ ዲሲ ኣብ 6 ጥሪ። ምጹታ፡ ልጓም ዘይብሉ (ዓመጽ ዝመልኦ) ክኸውን እዩ!" ዝብል ጽሑፍ ይጠቅስ።
ኣብ ቃለ መሕትትን ሰነዳት ቤት ፍርድን፡ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ካፒቶል ዝተረኽቡ ናዕበኛታትን ኣባላት ምልሻን፡ ናብ ዋሽንግተን ክመጹ ምኽንያት ዝኾኖም እቲ ትራምፕኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከም ዝኾነ ይጠቕሱ።
እቲ ኮሚተ ከም በዓል እቲ ኣብ እዋን ናዕቢ ካፒቶል ኣብ ልዕሊ መኮንናት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሮበርት ሞርስ ዝኣመሰሉ ሰባት ጠቒሱ።
ሮበርት ሞርስ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ 'ምጹታ፡ ልጓም ዘይብሉ (ዓመጽ ዝመልኦ) ክኸውን እዩ!’ ኢሉ ስለ ዝሓተቶም፡ ዕለት 6 ጥሪ '1776 ዳግማይ ክጅምር'ዩ' ዝብል ህሞት ከም ትኸውን ኣሚነ ነይረ" ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እቲ ኮሚቴ ብተወሳኺ፡ ሰባት ኣብ 6 ጥሪ ናብ ዋሽንግተን ክመጹ መደብ ከም ዘለዎምን "ልጓም ዘይብሉ (ዓመጽ ዝመልኦ)” ክኸውን ከም ዘፈራርሑን ዝገልጽ መጠንቀቕታታት ኣገልግሎት ጸጥታ (Secret Service) እውን ጠቒሱ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ትራምፕ ኣብ እዋን ናዕቢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን
እቲ ኮሚቴ፡ ትራምፕ መጥቃዕቲ 6 ጥሪ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ስጉምቲ ከም ዘይወሰደን፡ ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገልጹ መጠንቀቕታታት ኮንግረስ ዕሽሽ ከም ዝበለን ይምጉት።
ገለ ካብቲ መደምደምታኦም ኣብ ምስክርነት ሰራሕተኛ ዋይት ሃውስ ነበር ካሲዲ ሃቺንሰን ዝተመርኮሰ እዩ።
ንሳ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቀሪባ ዝነበረት ኮይና ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ርእየዮ ትብሎ ህውከት እውን ቃላ ሂባ ነይራ።
ብመሰረት እቲ ብሓሙስ ዝተዘርግሐ ቃል ምስክርነት፡ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ ናይ ስነ-ምግባር ጠበቓ ነበር፡ ሃቺንሰን ቅድሚ ነቲ ኮሚተ መርትዖ ምሃባ፡ "ብውሑድ ብዝዘከርኪ መጠን ዝሓሸ'ዩ" ክብል መምርሒ ክህባ ፈቲኑ ነይሩ።
እቲ ኮሚቴ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣብ ካፒቶል ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣባላት ባይቶን ሓላፊ ስታፍ ዋይት ሃውስን ማርክ ሚዶውስን ዝነበረ ርክብ ይጠቅስ፤ ማርክ ሚዶውስ፡ ካብቶም ክሕብኡ ዝተገደዱ ኣባላት ኮንግረስ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ልመና ይቕበል ነይሩ።
ሓንቲ ካብቶም እሙናት ሓገዝቲ ትራምፕ ዝኾነት ሆፕ ሂክስ ዘቕረበቶም ሓጸርቲ መልእኽትታት፡ ነቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት ዝነበረ ጭንቀት ብሓጺሩ ይገልጽ።
ሂክስ ድሕሪ እቲ ናዕቢ ንሓላፊት ስታፍ ኢቫንካ ትራምፕ ጁሊ ራድፎርድ "ኩላትና ሕጂ ውሽጣዊ ኣሸበርቲ ንመስል" ዝብል መልእኽቲ ልኢኻ ነይራ።
ብተወሳኺ "ኣዝየ ተረቢሸ። ኩሉ ዝሰራሕናሉ ነገር ተደምሲሱ" ዝብል መልእኽቲ ናብ ሓደ ጠበቓ ዋይት ሃውስ ልኢኻ እያ።
4. ርሑቕ የማናውያን ጉጅለታት መደብ ኣውጺኦም - ድሕሪኡ ስጉምቲ ወሲዶም
ዕጡቓት ጉጅለታት ንዋሽንግተንን ዋላ ንካፒቶልን ዒላማከም ዝገበሩ ዝገልጹ ሓበሬታታት ካብ ታሕሳስ 2020 ኣትሒዙ ክመጹ ጀሚሮም ነይሮም።
እቲ ጸብጻብከም ዝሕብሮ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ መንጎ እቶም ‘ኦዝ ኪፐርስ’ን ‘ፕራውድ ቦይዝ’ን ብዝበሃሉ ርሑቕ የማናውያን ዝምርሑ ጉጅለታት ዝዘዋወር ዝነበረ መልእኽቲ ከም ዝተላኣኸሉ ይሕብር።
"ሓደ መንገዲ ጥራይ'ዩ ዘሎ። ምልክታት ኣይኮነን። ሰልፍታት ኣይኮነን። [ጸርፊ] ጥይት ጥራይ'ዩ" ይብል ሓደ መልእኽቲ።
ፖሊስ ካፒቶልን ኣባላት ናይቲ ነቲ ፕረዚደንት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ኣገልግሎት ጸጥታን፡ ካብ ኣብ ውሽጢ እቶም ጉጅለታት ዝርከቡን ካብ ካልኦት ሰባትን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ተቐቢሎም እዮም። ገለ መልእኽቲታት፡ ካፒቶል ትኹረት ናይቶም ንጥፈታት ዓመጻ ክኸውን ከም ዝኽእል ብንጹር ይገልጹ።
ገለ ካብቶም ዕላላት ካብ ኮድ ዝተገብረሎም ናይ መተግበሪ ዕላል (ቻት ኣፕ) ዝተረኸቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ካልኦት መልእኽትታት ግን ኣብ ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾኑ መርበባት ሓበሬታን ትዊተርን ብህዝቢ ብግልጺ ዝተረኣዩ ነይሮም።
ኣባላት ናይቶም ርሑቕ የማናውያን ጉጅለታት ብ6 ጥሪ ኣብ ውሽጢ ካፒቶል ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ተረኺቦም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኮሚተ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዕጹው ኣኼባታት መሰኻኽር ዝሃብዎም ዓሰርተታት ኣርትዖት ዘይተገብረሎም ጽሑፋት ምስክርነት ኣቕሪቡ።
ከም ኣሌክስ ጆንስን ጻዕዳ ሃገራዊ ኒክፉኤንተስን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ርሑቕ የማናዊ ደገፍቲ ትራምፕ፡ ንገዛእ ርእሶም ካብ ምኽሳስ ንምድሓን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞም ንሕቶታት ምላሽ ምሃብ ኣብዮም።
መስራቲ ‘ኦዝ ኪፐርስ’ ዝኾነ ስቲዋርት ሮድስን ከምኡ’ውን መራሒ ‘ፕራውድ ቦይስ’ ዝኾነ ኤንሪከ ታሪዮን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ዝተረኸበ ምስክርነት ግን ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ርሑቕ የማናውያን ውድባት ሓድሕዳዊ ጥርጣረ፡ ውሽጣዊ ባእስን ውዲታዊ ኣተሓሳስባን ከምዘሎ የመልክት።
ሮድስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ዓመጽ ውዲትን ካልእ ክስታትን ዝተፈርደ ክኸውን ከሎ ንዓሰርተታት ዓመታት ክእሰር ከም ዝኽእል ይግመት። ታሪዮ ድማ ገና ኣብ ከይዲ ፍርዲ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
5. ትራምፕ: ነቲ ውጽኢት ንክግልብጥ ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንቱ ጸቕጢ ክገብር ፈቲኑ
ሓደ ክፋል ናይቲ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ኣብ ዙርያ ኣካታዒ ኣረዳድኣ ቅዋም ኣመሪካ ኮይኑ፡ ንሱ ነቲ ኣፍልጦ መረጻ ዝመርሕ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ተዓዋቲ ምዃኑ ክእውጅ የኽእሎ እዩ ኢሉ ኣሚኑ ነይሩ።
ትራምፕ ብ6 ጥሪ ንሚስተር ፔንስ ክድውለሉ ፈቲኑ፡ ድሕሪኡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንፔንስ ኣብቲ ነቲ መረጻ ዝወሃብ ኣፍልጦ ጣልቃ ናይ ምእታው ስልጣን ከም ዘለዎ ብሓሶት ነጊርዎ።
ኣብ ሓደ እዋን ትራምፕ ነቲ ምክትል ፕረዚደንት "ዘርባዕብዓ" ኢሉ ብምጽዋዕ "ብርቱዕ ኣይኮነን" ከም ዝበለ መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ኮሚቴ ገሊጾም።
ትራምፕ ብ6 ጥሪ ንእኩብ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ፔንስ "ቅኑዕ ነገር ክገብር" ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ድሒሮም ናዕበኛታት ንካፒቶል ኣብ ዝወረሩሉ እዋን፡ "ማይክ ፔንስ ይሰቐል" ኢሎም ይጭርሑ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ
6. ትራምፕ ህዝባዊ ስልጣን ካብ ምሓዝ ክእገድ ኣለዎ
እቲ ፓነል ከም ውጽኢት መርመራኡ 11 ለበዋታት ኣቕሪቡ።
ሓደ ነቲ ቅዋም እታ ሃገር ይጠቅስ፤ ንሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ክድግፍ ማሕላ ዝፈጸመ ግን ከኣ "ኣብ ናዕቢ ዝተዋፈረ" ወይ "ንጸላእቲ ቅዋም ሓገዝ" ዝሃበ ውልቀሰብ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ትራምፕ ናዕቢ ብምሕጋዙ ወይ ብምድጋፉ ናብ ክፍሊ ፍትሒ ተመሓላሊፉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







