ትካል ዶናልድ ትራምፕ ግብሪ ብምትላል ገበነኛ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋንነት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ቤተሰባዊ ሪል ስቴት (ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት) ብጥሕሰታት ግብሪ ገበነኛ ተባሂሉ።
እቲ ትካል ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳያኑ ኒውዮርክ ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ትማሊ ሰሉስ እዩ ብዅሉ ክስታት ተፈሪዱ ዘሎ።
እዚ፡ ሓደ ካብ ትካላት ንግዲ እቲ ፕረዝደንት ነበር እኳ እተዀነ፡ ዶናልድ ትራምፕ ይዅን ካብ ኣባል ስድራኡ ኣብቲ መጋባእያ ኣይተረኸቡን።
ብብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ከምዝሓረቐ ዝገለፀ ትራምፕ፡ ይግባይ ከምዝብል ተሓንዩ፤ ነቲ ጉዳይ ድማ፡ “ሃዲንካ ናይ ምጥቃዕ’ዩ” ክብል ገሊፅዎ።
እቲ ኩባንያ ክኸፍሎ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ መጠን ግብሪ ንምንካይ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብላዕለዎት ፈጸምቲ ስራሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ትሑት ክፍሊት መሃያ ከምዝኸፍል ብምምሳል’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ምቹኣት መኻይንን ናይ ውልቀ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት ግብሪ ካብ ዘይተፈጸመሎም ከምዝዀኑ ገሊፆም።
ነዚ ብይን ቤት-ፍርዲ ስዒቡ፡ እቲ ኩባንያ ቅጽዓት ኣስታት 1.6 ሚልዮን ዶላር ከም ዝጽበዮን ንመጻኢ ብድሆታት ልቓሕን ፋይናንስን ከጋጥሞ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ዶናልድ ትራምፕ ቅድም ክብል፡ ከይዲ እቲ ፍርዲ ፖለቲካዊ ሽርሒ ዘለዎ’ዩ ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ብምጥፍፋእ ግብሪ ገበነኛ ከም ዝዀነ ዝተኣመነን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ንግዲ ዝመስከረን ዋና ሓላፊ ፋይናንስ ነበር ኣለን ወይሰልበርግ ዘሊፉ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋና ሓላፊ “ብውልቁ ብዝፈፀሞ ምትላል ግብሪ” እቲ ትካል ክቕጻዕ የብሉን ኢሉ።
ወሲኹ፡ “እዚ ጉዳይ ኣቐዲሙ ተራእዩ ዘይፈልጥን... ኣብ ታሪኽ ሃገርና መቐጸልታ እቲ ሃዲንካ ናይ ምጥቃዕ ተግባር እዩ” ኢሉ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝቐፀለ መጋባእያ፡ ነቲ ሆቴላት፡ መጻወቲ ሜዳታት ጐልፍን ኣብ ካልኦት ሃገራት ካልእ ሃብትን ዘመሓድር ትካል ዶናልድ ትራምፕ “ልምዲ ጕሕለትን ምትላልን” ዘለዎ ክብሉ ከሲሶም።
እቲ ብፕረዚደንት ነበር ዝውነን ትካል፡ ምስ ምትላል ግብሪ ዝዛመድ ታሪኽ ከምዘለዎ ዝግለጽ ኰይኑ፤ ኣመራርሓ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኣትሒቱ ብምምዝጋብ፡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ትሑት ግብሪ ከምዝኸፍል ገሊጾም።
ኣኽባሪ ሕጊ ጆሽዋ ስተይንግላስ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትካል “ንላዕለዎት ኣመራርሓ ንምሕጓስን እምነቶም ተኣማንነቶም ንምውሓስን” ነዚ ምትላል ዝፍጽም ኢሉ።
መሻርኽቲ እዚ ኩባንያ ዝዀኑ ‘ትራምፕ ኮርፕ’ን ‘ትራምፕ ፐይሮል ኮርፕ’ን ምስ ምትላል ግብርን ስኑዕ ሰነድ ብምቕራብን ዝዛመድ 17 ክስታት ቀሪብሎም።
ብዛዕባ እቲ ትካል ምስክር ዝሃበ ኣለን ወይሰልበርግ፡ ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ስለዝተሓባበረ ካብ ሓሙሽተ ወርሒ ንላዕሊ ኣይክእሰርን እዩ።
ብኻልእ ዜና፡ ትራምፕን ሰለስተ ዓበይቲ ደቁን ካልእ ክሲ ቤት ፍርዲ ይጽበዮም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







