‘ናብ ትግራይ ከይጓዓዝ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተኸልኪለ’- ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል

ትግራዋይ መራሒ ሃይማኖት ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል፡ ናብ ትግራይ ከይጓዓዙ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ካብ ዝነብርሉ ሃገረ ኣውትራልያ ተበጊሶም ረቡዕ 4 ሓምለ 2015 ኣጋ ወጋሕታ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝኣተዉ ዝገልጹ ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ሓሙስ ረፋድ ናብ ትግራይ ንምጉዓዝ በረራ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝብገሰሉ ከምዝተኸልከሉ ገሊጾም፡፡

‘‘በረራይ 3፡45 ቅ.ቀ እዩ ነይሩ፡፡ ናይ ጸጥታ ፍተሻን ካልእን ሓሊፈ ናብታ ናብ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ እትወስድ ኣውቶብስ እንትኣቱ፡ ብምኽንያት ጸጥታ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ኢላትኒ፡፡ ኣብኡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓት ኮፍ ኢለ’’ ይብሉ፡፡

ብድሕሪኡ ናይ ፖሊስ ክዳን ዝተኸደነ ሰብ ናብ ናይ ወጻኢ ዓዲ በረራ ዝካየደሉ ቦታ ከምዝወሰዶምን ንብረቶም ሒዞም ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ከምዝነገሮምን ዝሕብሩ እቶም መራሒ ሃይማኖት፡ ንሶምን ምስኦም ዝመጹ ካልእ ኣቦን ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ይገልጹ፡፡

ካልኦት ሓለዋ እቲ መንገዲ ኣየር እውን ናብ ትግራይ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክስርዙ ከምዝመኸርዎም ይሕብሩ፡፡

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ብዙሓት ተጋሩ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ እቶም ኣቦ ናብ ትግራይ ክቕጽሉ ክፍቀደሎም ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ፡፡

‘‘ጥፍኣተይ እንታይ እዩ? ዝሓተኒ ዘሎ ኣካል ከ መን እዩ? ዝብል ሕቶ ነቶም ኣባላት ጸጥታ ኣቕሪበሎም እየ፡፡ ገሊኦም ዝተትሓዘካ ነገር የለን ኢሎም፡፡ እምበኣር ብልዕለኹም ዘሎ ኣካል ከዛርብ ፍቐዱለይ ኢለዮም፤ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን፡፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ከእትዉኒ ኣይከኣሉን’’ ይብሉ፡፡

ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረጽዮን ሜልበርን ዘገልግሉ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን፡ እኹል ምግብን መዕረፍን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ እቲ መንገዲ ኣየር ይንገላትዑ ከምዘለዉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ዝኸልከሉዎም ሓይልታት ጸጥታ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ዝመጹሉ ክምለሱ ይደፍእዎም ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም፡፡

"ናብ ከተማ እቶ ወይ ናብ ኣውትራልያ ተመለስ እዮም ዝብሉኒ ዘለዉ።"

ናብ ትግራይ ዘገብርዎ ጉዕዞ ዘተዓናቐፈ መንግስቲ ከምዘይኮነ ዝገልጹ ኣባ ሰረቀብርሃን ኣብ ሸመት ጳጳሳት መነበረ ሰላማ ትግራይ ከርከቡ ዘይደለይዎም ውልቀ ሰባት ንመሓወር እቲ መንገዲ ኣየር ተጠቒሞም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ክኾን ከምዝኽእል ይጥርጥሩ።

"ኣብኡ ከይሳተፍ። ኣነኳ እንተዘይሓሰብክዎ (ንሳቶም) ግን ኤጲስ ቆጶስነት ክሽወም ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም።"

ቢቢሲ ንቅረታ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ኣመልኪትቱ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮነ ሓለፍቲ ድሕንነት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኲናት ትግራይ ሰዒቡ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነቲ ኵናት ኣየውገዘትን ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ምስታ ቤተክርስትያን ዝነበሮም ርክብ ብምብታኽ ናይ ባዕሎም መንበረ ሰላማ ምምስራቶም ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናይ ባዕላ ኤጲስ ቆጶሳት ከም እትሸውም እውን ዕላዊ ገይራ ኣላ።

ላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርሰትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብወገኖም መንግስቲ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበልዎ ሸመት ደው ከብል ጸዊዖም ኣለዉ።

ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ንምዝርራብ ናብ ከተማ መቐለ ዝተጉዓዙ ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ማትያስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ከይረኸቡዎም ከምዝተመለሱ ምግላጾም ይዝከር።