ቅዱስ ሲኖዶስ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምሻም ጳጳሳት ደው ከብል ሓቲቱ

ኣቦታት

ምንጪ ስእሊ, EOTC/FB

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣቦታት ትግራይ ክንገብሮ ኢና ዝበልዎ መረጻ ጳጳሳት ቅዋም ቤተ ክርስቲያን ስለዘይተኸተለ እዩ ብምባል መንግስቲ ደው ከብሎ ሓቲቱ።

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ንክልተ መዓልቲ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ነዚ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ኣቦታት ትግራይ፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት እታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኲናት ብምኹናን ንምእመናን ዘድሊ ድጋፍ ኣይገበረትን ብምባል ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈልዮም ናይ ባዕሎም "ቤተ-ክህነት" ብምቛም፡ ጳጳሳት ከምዝሾሙ ኣፍሊጦም ነይሮም'ዮም።

ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣቦታትን ሊቃውንትን “ኣብ ክንዲ ኣፍደገ ሰላምን ዘተን ዝጥቀሙ፡ ነቲ መዋቕራዊ ውዳበ ጥሒሶም” ክብል ነቒፉ።

መንበር ሰላማ ቤት ፅሕፈት ሃገረ ስብከት ትግራይ ካብ ምጥያሽ ብተወሳኺ "ዘይግቡእ መግለፂ ክህቡን ጳጳሳት ክሸሙን" ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ቅቡል ከም ዘይኰነ ብምግላፅ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ነቲ ተግባር ደው ክብሉ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ሰንበት 16 ሓምለ 2023 ዓሰርተ ጳጳሳት ክሸሙ መደብ ከም ዘለዎም ኣፍሊጦም እዮም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እዚ ናይ ኣቦታት ትግራይ ውሳነ "ሕገ ቤተ ክርስቲያን ዘየኽብርን ብዓይኒ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘይግቡእ ዝዀነን፣ ማእከልነት እታ ቤተ ክርስትያን ዝጥሕስን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝጎድእን እዩ" ብምባል ተቓዊሙ።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ጳጳሳት ምሻም "ነቲ ብኲናት ዝተሃስየ፡ ሃብቱን ንብረቱን ዝዓነወ፡ ገዳማቱን ኣብያተ ክርስቲያናቱን ዝተጎድእዎ ህዝቢ ዘይረብሕን ዘይግቡእን ብምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሲነዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ከም ዝሓተተ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድሕነት ኣቦታትን ኣመንትን እታ ቤተክርስትያን ንምውሓስ ዝግባእ ጻዕርታት ዘይምግባሩ ከምዘጠዓሶ’ዩ እቲ ሲነዶስ ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድማ ብፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ጉጅለ ጳጳሳት ናብ መቐለ ተጓዒዙ ምስ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዛትዩ’ዩ።

እቲ ጉጅለ ምስ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ክልል ግን ከይተራኸበ እዩ ተመሊሱ።

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ነቲ ፀገም ብዘተ ክፈትሑ ብምዝኽኻር "ዋና ሰላም ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ካስዕ ሕጂ ሰላም ምድላይ እንተዘየቋረፀት’ኳ፡ እዚ ዘይምስኻዑ ግን ዘሕዝንን ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ እቲ ፃዕርን ዘይቋረጽ ምዃኑ" ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ከምኡ እውን ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ክልልን "ነቲ መረጻ ጳጳሳት ደው ክብሉን" ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ክሕግዙን ቅዱስ ሲኖዶስ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋነ እታ ቤተክርስትያን ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ክልል ኦሮምያን ደቡባዊ ምዕራብ ሸዋን ኣብ ጥቓ ወሊሶ፡ ሶዶ ዳጩወረዳ ሃሮ በኣለ ወልድ ቤተ-ክርስትያን፡ ብ 14 የጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ኣፍልጦ ፓትሪያሪክን ቅዱስ ሲኖዶስን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ወፃኢ ን 26 ጳጳሳት ዝተውሃበ ሽመት ተመሳሳሊ ጸገም ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ ክፍላ ለካቲት ግን፡ እቶም ብሲኖዶስ ተወጊዞም ናይ ባዕሎም ሓድሽ "ሲኖዶስ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ዝነበሩ ሰለስተ ጳጳሳት፡ ብመንጎኝነት ኣተዓረቕትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ናብታ ቤተክረስትያን ተመሊሶም።

ብሰረት ኣብቲ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ፡ ሲነዶስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 9 ሓደስቲ ጳጳሳት ምሻሙ ይፍለጥ።