ኢኮዋስ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከይወስድ ሩስያ ኣጠንቂቓ

ብዓርቢ ደገፍቲ ዕልዋ ኣብ ኒያመ ሰልፊ ኣካዪዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዓርቢ ባንዴር ሩስያ ዝሓዙ ደገፍቲ ዕልዋ ኣብ ኒያመ ሰልፊ ኣካዪዶም

ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ተጸባባዪ ሰራዊቱ ናብ ዶባት ኒጀር ክዋፈር ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ምግባር “ንነዊሕ ዝጸንሕ ግጭት” ከምርሕ ከምዝኽእል ሩስያ ኣጠንቂቓ።

እቲ ምትእትታው ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ሳሕል ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ምዃኑ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣፍሊጡ።

ሩስያ ነቲ ዕልዋ ከምዘይትድግፎ እያ ትገልጽ።

እታ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለወ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ንምምላስ ዝግበር ጻዕርታት እትድግፍ ኣሜሪካ ግና፡ ሩስያዊ ዕሱብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቫግነር ነቲ ዘይምርግጋእ ይምዝምዞ ከምዘሎ እያ ትከስስ።

ብዓርቢ “ውድቀት ንፈረንሳ፡ ውድቀት ንኢኮዋስ” እናበሉ ዝጭድሩ፡ ደገፍቲ ዕልዋ ሰለፈኛታት ኣብ ከተማ ኒያመ፡ ጥቓ ወተሃደራዊ መደበር ፈረንሳ ተቓውሞ ከስምዑ እንከለው ገለ ካብኣቶም ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ተራእዮም።

ፈረንሳን ኣሜሪካን ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ መዓስከር ክህልወን እንከሎ፤ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ጂሃዳውያን ኣብ ዝገብርኦ ስርሒታት ከም መበገሲ ክጥቀማሉ ጸኒሐን ኣለዋ።

ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣባላት ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ኢኮዋስ፡ ውጥናት ናይቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምህንጻጽ ቀዳም ክራኸቡ ምዃኖም ጸብጻባት ሓቢሮም ኔሮም።

እቲ ውድብ ነቲ ቅልውላው ብዲፕሎማሲ ንምፍታሕ ማዕጾ ክፉት ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት ናይጄርያ፡ ቦላ ቲኑቡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዝበሎ “ሓይሊ ምጥቃም ዝርከቦም ኩሉም ኣማራጺታት ጌና ኣብ ጣውላ ኣለው” ኢሉ።

ኣሜሪካ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ምግባር ንዝብል ሓሳብ ብቕሉዕ ድጋፋ እኳ እንተዘይገለጸት እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ስልጣን ከረክብን ደሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዳግም ክምለስን ጸዊዓ እያ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ኒጀር ዛጊት ነቲ ዳሕረዋይ መግለጺ ኢኮዋስ ምላሽ ኣይሃበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኩነታት ጥዕና ናይቲ ካብ 26 ሓምለ ጀሚሩ ተታሒዙ ዘሎ ሚስተር ባዙም ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ።

ንሱን ስድርኡን “ካብ መግቢ፡ ኤለክትሪክን ሕክምናን ንመዓልታት ተኣጊዶም” ከምዘለው ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ገሊጹ።

ኮምሽነር መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮከር ተርክ፡ እቲ ፕረዚደንት ተታሒዙሉ ዝርከብ ኩነታት “ናብ ኢሰብኣውን ጎዳእን ዝዳረግ ክኸውን ከምዝኽእል” ዝገልጽ ዝእመን ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ተዛሪቡ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፡ ሚስተር ባዙም፡ ንሱን ስድርኡን “ብኢሰብኣውን ጨካንን” መገዲ ተታሒዙ ምህላው ኣብዚ ሰሙን ከምዝነገሮም ሓቢሮም።

ሚስተር ባዙም “ወደይ ከቢድ ናይ ልቢ ጸገም ኣለዎ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ሓኪም ክርኢ የድልዮ፡” ከምዝበሎም ገሊጾም።