ቈላሕታ ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ

ምንጪ ስእሊ, HAY
ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ዓሊዓደ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሕጽረት መቝነንን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ 2011 ካብ ኤርትራ ሰጊሩ ኣብቲ መዓስከር ንኣስታት 12 ዓመት ዝተቐመጠ ንድሕነቱ ሓይለኣብ ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 10 ዝዀና ኣደ ቈልዑ ዝርከባኦም ልዕሊ 15 ዓመት ዝተቐመጡ ብድምር ኣስታት 250 ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ዝግባእ ቈላሕታ ስኢኖም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ገሊጹ።
ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ክሳብ 1ሽሕ ዝኸውን ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዘሎ’ኳ ዝዝረብ እንተዀነ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብሓገዝ ቤተሰብ ገሊኦም ብኢትዮጲያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ካብኡ ብሰሃራን ባሕርን ስለዝሰገሩ እቶም ዝተረፉ ካብ 250 ከም ዘይበዝሑን ኣብ ጸገም ከምዘለውን የረድእ።
ንዕማ ዝተባህለት ኤርትራዊት ብወገና፡ ክልተ ቈልዑ ሒዛ ብዓሰብ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምስጋራ፡ ኣብቲ መዓስከር ዓሊዓደ ብዘይ ሓደ ለውጢ ሸውዓተ ዓመታት ከም ዝሓለፈ ትዛረብ።
ኣብዚ እዋን ደሃይ ሰብኣያ ከም ዘይትፈልጥን፡ ነታ 12 ዓመት ዝዕድመኣ ጓላን፡ ወዲ 10 ዓመት ወዳን ንበይና ተጻጊማ ተዕብዮም ከም ዘላን ትገልጽ።
ሓይልኣብ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ጅቡቲ ዘለው ስደተኛታት፡ ካብ ዓሰብን ከባቢኡን ዝሰገሩ ወተሃደራት ብምዃኖም ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ኵነታት ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዘይብሎም ይሕብር።
ነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብ ካናዳ ዝሰገሩ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ብዝተፈጥረ ኵነታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ኤርትራውያን ብምዝካር፡ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ነጸላ መንደቕና እዮም ነይሮም፡” ይብል።
ኣተሓሒዙ፡ ዝበዝሕ እቲ ወተሃደር ዝነበረ፡ ወይ ከም ዝነበረ ዝተጠርጠረ ንዓመታት ተኣሲሩ ዝወጽአን ብዙሕ ሽግራት ዝረኣየን ምዃኑ ብምምልካት፡ “ኣነ ንባዕለይ ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሲረ እየ፡” ይብል።
ዕላማኣ እንክትገልጽ ንዕማ ብወገና፡ ብፍላይ ንቘልዑታ ዝሓሸን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጋር ዕድልን እንተተረኽበ ብዝብል ተስፋ ካብ ኤርትራ ከም ዝተሰደት ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ።
ሓይልኣብ፡ ጕዳዮም ምስ ካልኦት ብፍላይ ሶማላውያን ስደተኛታት ብምንጽጻር ክዛረብ እንከሎ፡ ንሳቶም ኣብ ጅቡቲ ናይ ቋንቋን ባህልን ብልጫ ስለዘለዎም ብዙሕ ከምዘይጽገሙን ካብ መዓስከር ክወጽኡን ክሰርሑን ከምዝኽእሉን ይሕብር።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሶማላውያን ብጕዳዮም ስለዝዛረቡ ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ 2019 ኣቢሉ ቅድሚ ኮሮና፡ “ልዕሊ 300 ሶማላውያን ናብ ካናዳ ክሰጋገሩ ዕድል ረኺቦም፡” ብምባል ምስኣቶም ሓደ ኤርትራዊ ጥራይ ዕድል ከምዝረኸበ የረድእ።
ብዛዕባቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወሃብ ዕድል ዝዀነ ተስፋ’ውን ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ፡ “መጻኢ እንታይ እዩ ክኸውን?” ብምባል ንዕማ፡ ብመጻኢኣን ደቃን ስክፍታኣ ትገልጽ።
“ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ገለ ካባና ናብ ኣሜሪካ ናይ ምኻድ ዕድል ተረኺቡ ተባሂሉ፡ ወረቐት መሊእና ኔርና፤ ደሓር ግን ህጣሙ ጠፊኡ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፍልጥን፣ እንሓቶን ዝምልሰልናን ኣካል ኣይረኸብናን፡ ወረቐት ጥራይ ሒዝና ተሪፍና፡” ድሕሪ ምባል ሓይልኣብ፡ “ኵሎም ትካላት፡ ሰበስልጣን ጅቡቲ ይዅኑ፡ ዩኤንኤችሲኣር፡ ቍሊሕ ዝብለና ኣይረኸብናን፡” ይብል።
ሓይልኣብ ኣተሓሒዙ፡ ብወገንና ግን ብዛዕባ ኣብዚ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ስደተኛ ብዙሕ ክዝረብ ኣይንሰምዕን፡ “ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ጅቡቲ ስደተኛታት ምህላውና ዝፈልጥ’ውን ውሑድ እዩ፡” ብዅሉ ተረሲዕና ኢና ይብል።
ኣስቴር ብወገና፡ ኣብዚ ሸውዓተ ዓመት፡ ኣብዚ መዓስከር ዝዀነ ዝረኣኽዎ ነገር ስለዘየለ፡ ኵሉ ብስደተኛታት ዝግደስ ዘበለ ዩኤኤችሲኣር ይዅን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላትን ቈላሕታ ንኽገብሩን ኣቓልቦ ክህብዎምን ትጽውዕ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ዝቐረበ መረረ ዝምልክት መልሲ ንምርካብ ናብ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶታት ዘቕረበ ኰይኑ፡ ብወገን ‘ቲ ኮሚሽን ዝዀነ ምላሽ ኣይተረኽበን።

ምንጪ ስእሊ, HAY
ናብራ ጅቡቲ

ምንጪ ስእሊ, HAY
ስደተኛ ኴንካ እሞ ኣብ ጅቡቲ ናብራ ብዅሉ ሸነኻቱ መሪር ምዃኑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ይገልጹ። “መነባብሮ ከቢድ እዩ፡ ሓደ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መቝነን ካብቲ ዝነበሮ ኣመና ጐዲሉ እዩ፣ ንሓደ ሰብ 3 ኪሎ ፊኖን ክልተ ኪሎ ማሸላን ንወርሒ እዩ ዝወሃብ፡ ክትገልጾ ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ናብራ ከቢድ እዩ፡” ይብል ሓይልኣብ።
ኣስቴር ዝተባህለት ስደተኛ ብወገና፡ “ናብራ'ኳ ናብራ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን፡ እቲ ቀረብ ውሑድ እዩ - እሞ ቈልዑ ሒዝካ” ድሕሪ ምባል፡ “እተን ዝወሃባና 500 ፍራንክ ጅቡቲ'ውን ዝጠቕማ ኣይኰናን፡” ብምባል ንኽብደት መዓልታዊ መነባብሮኦም ትገልጽ።
እዚ ዘለናዮ መዓስከር በረኻ እዩ፡ ካብቲ ከተማ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቝ እዩ ዝርከብ፡ ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዋላ ሓንቲ ክግበር ዝኽእል ነገር ከምዘይለ ኣስቴር ተረድእ።
ሓይልኣብ’ውን፡ ብመሰረቱ ዕድል ስራሕ ወይ ፍቓድ ስራሕ ከምዘየለን፡ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት’ውን ስለዘየለ፡ ተንቀሳቒስካ ምስራሕ ዝሕሰብ ኣይኰነን፡ ይብል።
በዚ መሰረት፡ “ግድን ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለው ሰብካ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ዝዀነ ደገፍ ከይረኽብካ ክንበር ኣይከኣልን እዩ፡” ይብሉ።
ምስዚ ኵሉ ሕሱም ናብራ ግን ቈልዑ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝተቐረበ ዕድል ትምህርቲ ክመሃሩ ስለዝውዕሉ፡ ነዛ ዕድል ከም ዘመስግና እተን ስደተኛታት ይገልጻ።

ምንጪ ስእሊ, HAY
ኣብ ኤርትራ ምስ ዘለው ስድራቤታቶም ብቐጻልነት ክራኸቡ ዕድል ከም ዘየለ ዝገልጹ እዞም ስደተኛታት፡ “ኣብ ወርሒ ናይ ኣርባዕተ ደቒቕ መደወሊ ካርድ ኣላትና፡ ብኡ ኢና ንጥቀም፣ ከም ልብኻ ክትዛረብን ደሃያ ስድራኻ ክትፈልጥን ግን ኣጸጋሚ እዩ፡” ትብል ንዕማ።
ሓይልኣብ ብወገኑ፡ ስድራኡ ኣብ ገጠር ከምዝነብሩ ብምግላጽ፡ ዝበዝሕ ግዜ ደዊሉ ክረኽቦም ከም ዝጽገምን፡ ደሃዮም ኣብ ነዊሕ ከም ዝሰምዕን ይዛረብ።
ኣብ መወዳእታ፡ ዝሓሸ መጻኢ ክህልዎም፡ ምስግጋር ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝርከበሉ ዕድላት ቈላሕታ ክረኽቡ ትካላት ስደተኛታት ጅቡቲ ይዅን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንኤችሲኣር ዝግባእ ቈላሕታ ክህባኦም ኵሎም ይምሕጸኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







