ብዛዕባ’ታ ኣብ ትግራይ ‘ተወቒዓ ወዲቓ’ ዝተባህለት ኣንቶኖቭ እንታይ ንፈልጥ?
![ካብ ዓይነታት ኣንቶኖቭ ዝዀነ ኣንቶኖቭ 32 [ናይ ቻይና]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/e79c/live/366e4750-2cd0-11ed-91e8-453e424fc8c9.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ኣንቶኖቭ-26 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣጽዋር ጽዒና ናብ ትግራይ ኣብ እትኣትወሉ ተሃሪማ ወዲቓ ተባሂሉ ነይሩ።
ብረቡዕ 4 ነሓሰ 2022፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ እታ ነፋሪት ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ናብ ህወሓት ኣጽዋር ተብጽሕ ዝነበርት እያ” ኢሉ።
ነዚ ኣመልኪቶም ኣብቲ ዕለት ዝወጽኡ መንግስታዊ ሓበሬታታት ግና ንሓድሕዶም ዝጋራጨው እዮም ኔሮም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ “ንብረት ታሪኻዊ ጸላእትና ዝዀነት ነፋሪት ኣጽዋር ጽዒና ኣብ መቐለ ከተራግፍ እንከላ” ተሃሪማ ወዲቓ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
መንግስቲ ትግራይ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እዚ ፍጹም ሓሶት’ዩ፤ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ኰነ ተሃሪሙ ዝወደቐ ነፋሪት የለን” ዝብል ምላሽ ሂቡሉ።
ስለዚ ብዛዕባ እዛ ነፋሪት እንታይ ኢና ንፈልጥ?
ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ዘጋጠመ ኵነታት ዘረጋግጽ ጭቡጥ ዝርዝር መረዳእታ ኣይተረኽበን።
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ተሌኮምዩኒኬሽን ብዘይምህላው፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እታ ነፋሪት እንታይ እያ ጽዒና ነይራ? ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ዝኣተወትሎም ቦታታት ኣየኖት’ዮም? ተወቒዓ ዝወደቐትሉ ልክዕ ቦታኸ ኣበይ’ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዝምልሱ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዘርእዮ ቪድዮታት ወይ ናይ ምስሊ መረዳእታታት ኣይቀረቡን።
እቲ ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ሰሌዳ ዝተሳእለ ምስሊ መሰረት ገይሩ መግለጺ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, FBC
ኣብ ትዊተር፡ ብዛዕባ ነፈርትን ተዛመድቲ ጉዳያትን መርመራ ብምቕራብ ዝፍለጥ ኼርዮን [[https://twitter.com/Gerjon_] ዋላ'ኳ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሃቦ መረዳእታ እዅል እንተዘይኰነ፡ ምንቅስቓስ ነፋሪት ከም ዝነበረ ዘርእዩ ሓበሬታታት ግን ኣለው ይብል።
እቲ ተንታኒ ከም ዝብሎ፡ ኣንቶኖቭ-16 ነፋሪት ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ምሸት ሰዓት 1፡50 ከም ዝኣተወት ይገልጽ።
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ እታ ነፋሪት ምሸት ሰዓት 2፡50 ተራእያ ይብል።
ናብ ኣንፈት ምብራቕ ብምኻድ ናብ ደቡባዊ ሽረ ቀጺሉ ናብ ኣኽሱም ከም ዝኸደትን ካብ ሽፋን ራዳር እታ ሃገር ብምውጻእ ኣንፈታ ናብ መቐለ ከም ዘቕንዐት ምዝራብ ይከኣል ይብል።
ድሕሪኡ፡ እታ ነፋሪት ንመወዳእታ ግዜ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3፡14 ዳግም ኣብ ከባቢ መቐለ ከም ዝተራእየትን ናብ ዶብ ሱዳን ከም ዘቕነዐትን ይገልጽ።
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ እታ ነፋሪት ከባቢ ሰዓት 3፡30 ተወቒዓ ወዲቓ ይብል።
እቲ ሓይሊ ኣየር፡ እታ ነፋሪት ካብ ራዳር ዝጠፍኣትሉ ምኽንያት ግልጺ’ኳ እንተዘይገበረ: ባይራክተር ቲቢ-2 ዝተባህለ ድሮነ ቱርኪ እታ ነፋሪት ዶብ ጥሒሳ ክትኣቱ እንከላ ዘርእዩ ምስልታት ከም ዘልዓለት ይገልጽ።
እዚ ዝርዝር ብምርኣይ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝጸሓፈ ተንታኒ ኣቪየሽን ኼርዮን፡ እቲ መግለጺ ቅኑዕ ይመስል፤ እዚ ድማ፡ ካብ ሱዳን ናብ ትግራይ በረራታት ምህላዎም ዘርኢ’ዩ ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ እዚ መግለጺ “ሓሶት እንተዀይኑ ኸኣ፡ ጽቡቕ ሓሶት እዩ” ክብል ጽሒፉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኲናት ትግራይ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሳምንታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ብነፈርቲ ኣጽዋር የእትዉ ነይሮም ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ነሓሰ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝገበሮ መድረኽ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ዕጥቂ ይኣቱ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ እዩ።
“ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ውሑዳት ነፈርቲ ብለይቲ ተሓቢአን ኣብ ሽረ ዕጥቂ የራግፋ ኣለዋ። ዝዀነት ሜድያ ብዛዕባ’ዚ ኣይተዛረበትን፤ ንሶም ግን ዘይንፈልጥ’ዩ ዝመስሎም” ኢሉ።
ንሱ፡ ዋላ’ኳ ከምዚ እንተበለ፡ መንግስቲ ዝምልከት ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምቲ እንተሃለወ ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ነዚ ስዒቡ ዝነበረ ወጠጥ
እታ ነፋሪት፡ ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ ብግልጺ ዝተባህለ ነገር እንተዘይሃለወ’ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘለውዎ ውሽጣዊ መስመራት ካብ ሱዳን መብርሂ ሓቲቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።
እዚ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንኽሕርፍፍ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ከምኡ’ውን ብሕቶ መሬት ይግብኣኒ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ዘላ ሱዳን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ እያ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ነቢል ዓብደላህ ንብሉምበርግ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሱዳን ምስቲ ክስተት ዝዀነ ዓይነት ርክብ የብላን” ኢሉ።
ዝሓለፈ ሰሉስ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ሃገራ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ክእርም ጸዊዓ ኣዘራሪባቶ እያ።
ብፍላይ ንወተሃደራዊ ጽዕነት ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ ነፈርቲ ኣንቶኖቭ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ወተሃደራት፡ ዕጥቅን ስንቅን ንምጕዕዓዝ ይጥቀማሉ እየን።
ኢትዮጵያን ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን ነዘን ገዘፍቲ ነፈርቲ ዝውንና ኰይነን፡ መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣየር እተን ሃገራት እየን ዝንቀሳቐሳ።
ስለዚ፡ እዘን ነፈርቲ፡ ኲናትን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ክርኣያ ልሙድ እዩ።
እዘን ነፈርቲ ድማ፡ ኣብቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት መሊኡዎ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝተራእያ ይዝረብ።
ናብ ትግራይ እንታይ ዓይነት በረራታት ነይሮም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ድምጺ ላዕለዋይ ተመራማሪ ክራይስ ግሩፕ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ዝዀነ ዊልያም ዴቪሰን እዩ ዝተባህለ ቅዳሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ነይሩ።
ኣብዚ ድምጺ፡ እቲ ተመራማሪ ጽዕነት እተን ነፈርቲ’ኳ እንተዘይፈለጥና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግን ናብ ትግራይ በረራታት ነይሮም’ዮም ክብል ይስማዕ።
እዚ ድምጺ ናቱ ምዃኑ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ዴቪሰን፡ “እወ ናተይ’ዩ” ኢሉ።
“እቲ ዝበልኩዎ ልክዕ’ዩ ኢለ እኣምን። ናብ ትግራይ ኣቕሓ ዝጽዓና ነፈርቲ ከም ዝኣተዋ ሓበሬታ ኣሎኒ፡” ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ እቶም በረራታት ካበይ ዝብገሱ’ዮም? ናይ መን ነፈርቲ’የን? ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል ተዛሪቡ።
“ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝርኣናዮ ኲናት፡ ክልቲኦም ወገናት ዓቕሞም ከጠናኽሩ ጸኒሖም’ዮም። ክልቲኦም ሰራዊት ይምልምሉ፣ የሰልጥኑን ኣጽዋር ይሽምቱ ከም ዝነበሩ እኣምን’የ፡” ይብል።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ነፈርቲ ይኣትዋ ምንባረን ዝምልከት ሓበሬታ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ተንታኒ ኣቪዬሽን ኼርዮን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ዘግዕዛ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሳማሪታንስ ፐርሲ ደ-8 ዝተባህለት ረድኤት እትጽዕን ነፋሪት እንተዘይኰኑ፡ ናይ ካልእ ሓበሬታ የብለይን ይብል።
ካብ ሰብ መዚ መንግስትን ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ወጻኢ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ዘራጉድ ኣካል ኣይተረኽበን።
ክልቲኦም ወገናት፡ ንኲናት ይዳለው ከም ዝነበሩ ግን ብዙሓት ተንተንቲ ይኣምኑ።
ኣማኻሪ ዓለምለኸ ማእከል መጽናዕትን ስትራተጅን ካሜረን ሃድሰን፡ “እቲ ድርድር ኣብ ባይታ ጭቡጥ ለውጢ ብዘይምምጽኡ ናብ ኲናት ክኣትው ከም ዝኽእሉ ዘርእዩ ነገራት ነይሮም” ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ ክልቲኦም ወገናት ገዚፍ ምድላው ይገብሩ ነይሮም ምባል ይኸብድ እዩ፡ ብምባል ይዛረብ።
“ህወሓት፡ ሓያል መደብ እንተዝዝነብሮ ነዳዲ ክዓቍር ምኽኣለ። ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነዳዲ ምውሳዶም ምሉእ ምድላው ከም ዘይገበሩ’ዩ ዘርኢ። መንግስቲ ድማ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጠቒሙ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጽዋር ልኢኹ ተባሂሉ ይንቀፍ’ዩ። ማእከላይ መንግስቲ’ውን ስጕምቲ ናይ ምውሳድ መደብ እንተዝነብሮ፡ ወተሃደራዊ መገዲታት ተጠቒሙ ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቕ ከጽንሖ ምኽኣለ ነይሩ፡” ይብል።
ነፈርቲ ካብ ራዳር ወጻኢ ክበራ ይኽእላ’ዶ?
ክሪስ ፓርትሪጅ፡ ቢቢሲ ኒውስ
ኣንቶኖቭ-26፡ ስርሓት ሕብረት ሶቭየት ነበር ኰይነን፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ዝፈረያ’የን።
እዘን ነፈርቲ፡ ካብ 1969 ክሳብ 1986 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኪቭ - ዩክረይን - ክስርሓ እንከለዋ፡ ብጠቕላላ 1398 ነፈርቲ ፈርየን።
ኣን-26፡ ክልተ ሞተረ ኣለወን። ካብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጐላ ካብ 1980 ክሳብ 1985 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ 12 ኣን-26 ዓዲጋ።
መንግስቲ ወቒዐ ኣውዲቐያ’የ ዝበላ ኣንቶኖቭ ትዅን፡ እተን ዊልያም ዴቪሰን ናብ ትግራይ ኣትየን እየን ዝበለን ነፈርቲ ገዘፍቲ እየን።
ዊልያም ዴቪሰን፡ ዋላ’ውን እተን ነፈርቲ ዝሓዛኦ ንብረት እንተዘይተፈልጠ፡ ነፈርቲ ጽዕነት ምዃነን ግን ይፍለጥ እዩ ኢሉ።
ኣንቶኖቭ ግን፡ ካብ ራዳር ወጻኢ ናይ ምዃን ዕድለን ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ እዘን ገዘፍቲ ነፈርቲ ብወተሃደራዊ ጀት ወይ ካብ ባሕሪ ብዝውንጨፍ ሚሳይል ክውቅዓ ይኽእላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኻልእ ወገን፡ ተንታኒ ኣቪየሽን ኼርዮን፡ ከም ኣንቶኖቭ ዝበላ ገዘፍቲ ነፈርቲ ‘ትራንስፖርደር’ ወይ መቈጻጸሪአን እንተጥፊአንኦ’ውን ኣብ ቀረባ ዘሎ ተቘጻጻሪ ትራፊክ ክርእየን ይኽእል እዩ ይብል።
“ኣን-26፡ ኣዝያ ገዛፍ ነፋሪት ስለዝዀነት፡ ዓይነት እታ ነፋሪት እንተዘይተፈልጠ’ውን፡ በራሪ ነገር ምህላው’ውን ብራዳር ክልለ ይኽእል’ዩ”።
ኣንቶኖቭ፡ ቦይንግን ኤርባስን ዘፍርይወን ነፈርቲ ጽዕነት፡ ማእከላይ ንውሓተን 70 ሜትሮ ኰይኑ፡ ንውሓት መንገብገበን ድማ 73 ሜትሮ’ዩ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነበር ድማ፡ “ዑፍ እኳ” እንተዀነት ኣብ ውሽጢ ራዳር ትኣቱ እያ ይብል።
“ሓደ በራሪ ነገር፡ ትሕቲ 400 ጫማ እንተበሪሩ ካብ ራዳር ወጻኢ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣንቶኖቭ ግን ካብዚ ንታሕቲ ክትበርር ኣይትኽእልን’ያ፡” ይብል።
ራዳር፡ ካብ 100-3500 ኪ.ሜትር [ብመዐቀኒ ርሕቀት ማዕበል ሰማይ - sky wave] ወይ ድማ ክሳብ 500 ኪ.ሜትር [ብመዐቀኒ ርሕቀት ማዕበል ምድሪ - surface wave] ከለሊ ከም ዝኽእል እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ወሲኹ የብርህ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 22 ሽሕ ብኣንቶኖቭ ዝፈረያ ነፈርቲ ኣብ ዓለም ኣገልግሎት ይህባ ከም ዘለዋ ይእመን።
ኤን-255 ዝተባህለት ወይ ድማ ‘ምሪያ’ ብዝብል ሳጓ እትጽዋዕ ነፋሪት ኣንቶኖቭ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኣገልግሎት በረራ ከም ዘላ ይፍለጥ።
እዛ ሽዱሽተ ሞተረታት ዘለዋ ገዛፍ ነፋሪት፡ 710 ቶን ጽዕነት ክትስከም ዓቕሚ ኣሎዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







