ኣብ ጀነቫ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተወካሊ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ዳግም ተወሊዑ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ክሲ ዝኾነ ግብረ መልሲ ኣይተዋህበን።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቢቢሲ ‘ኒውስ ደይ’ ንላዕለዋይ ኣመራርሐ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ሎሚ ከኣ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣውስትርያ፡ ሃንጋን ሮማንያን ኣምባሳደር ከምኡ ድማ ኣብ ጀነቫ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተወካሊ ኢትዮጵያ ዘነበ ከበደ ረኺብዎ’ሎ።
ቀዲሙ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምትሕብባር መጥቃዕቲ ከፊቶም” ንዝብል ክሲ መልስኹም እንታይ እዩ ዝብል ነይሩ።
“ቀዳማይ ነገር - ሕቶኻ ልክዕ ኣይኮነን። ፌደራላዊ ሓይልታት ብሓይልታት ኤርትራ ይሕገዙ የለዉን። ካልኣይ ከኣ ሓይልታት ፌደራል ነቲ ብ24 ነሓሰ ካብ ሓይልታት ህወሓት ንዝተኸፈቶም መጥቃዕቲ እዮም ዝከላኸሉ ዘለዉ። እቲ ኲናት ኣብ መሬት ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ሓይልታት ትግራይ ዶብ ጥሒሶም ብምእታው ቦታታት ይቆፃፀሩ፣ ንሰላማውያን ሰባት የጥቅዑን መሰረተ ልምዓት የዕንዉን እዮም ዘለዉ። ነቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ህወሓት እዩ ጀሚርዎ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቃለ-መሕትት ዝተገበረሉ ጌታቸው ረዳ ግን እቲ ኲናት ብሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ከምዝተጀመረን ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምምካት ከምዝርከቡን ገሊፁ ነይሩ።
ነቲ ክሲ ቅቡል ዘይገበረ ኣምባሳደር ዘነበ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ክጅምር ዝደልየሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ።
ብወገን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተፃብኦታት ንምቁራፅ ዘኽእል ስምምዕ ክካየድ ፃውዒት ክቐርብ ምፅንሑ ዘዘኻኸረ እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክምለሱን ረድኤት ብዘይገደብ ክበፅሕን ብተገዳስነት ይሰርሑ ነይሮም ክብል ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝበፅሕ ረድኤት ብምትእጉጓል ከምዝኽሰስ ዘዘኻኸረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኒውስ፡ “ነቲ ዘጋጥም ጥምየትመንግስቲ ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእልን’ዶ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒልሉ።
እቲ ኣምባሰደር ብወገኑ፡ “ነቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ንሰብኣዊ ሓገዝ ህወሓት ክሳብ ዘፍረሶ እዚ ሓሳብ ልክዕ ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ከምዝተቛረፀ ብምግላፅ ዝጠልብዎም ነገራት ክማልኡ እንተዘይኪኢሎም ድማ ኲናት ከምዝጅምሩ ከጠንቅቑ ፀኒሖም’ዮም። ንዓለምለኸ ሕጊ ብዝጥሕስ መገዲ ድማ ህፃናት ንውትድርና ክምልምሉ ፀኒሖም። ህዝቢ’ውን ናብ ኲናት ክኣትው ኣገዲዶም” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ነቲ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ዝካሰሱሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር ንዘረባ ኣምባሳደር ዝኾለፈ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኒውስ ደይ፡ “እቲ ምቁራፅ ተፃብኦ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላዪ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓይልታትኩም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መግብታት ዝርከብዎም ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ስለዝዓፀዉ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ሰላማውያን ሰባት ክጠምዩ ንምግባር ዝዓለመ እዩ” ክብል ንኣምባሳደር ዘነበ ሓቲትዎ።
“ነዚ ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓዊሱ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፡ ነቲ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ብምእዋጅ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህልው ንዝገበሮ ፃዕርታት ኣፍልጦ ክህቡ እዮም ፀኒሖም” ክብል ነቲ ክሲ ነጸዒጉ።
ወሲኹ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ሰብኣዊ ምቁራፅ ተጻብኦታት ካብ ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ይኣትው ከምዝነበረ ንዘረጋገፁ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ፡ ብዝብል እቲ ምቁራፅ ተፃብኦ ዝተጥሓሰ ብሓይልታት ትግራይ ከምዝኾነ ይከስስ።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምጅማር ውግእ ንሓድሕዶም እኳ እንተተኻሰሱ፡ እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቆቦን ከባቢኡን ተቖጻጺሮም ኣለው።
እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ካብዚ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ግንባራት ተስፋፊሑ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብኣርባዕተ ኣንፈት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







