ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስትን ህወሓትን ናብ ልዝብ ክመጽኡ 'ጸቕጢ' ክገብር ይኽእል'ዶ?

ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዝትየሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት ሪፐብሊክ ኣየርላንድ፡ [IRA] ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ሓራ ንምዃን ዓሊሙ ብ1919 [ኣ.ኣ] ተወዲቡ።

ዘመናት ድሕሪ ዝወሰደ ጐንጽን ዕንወት ህይወትን ንብረትን፡ ብ1997 'ጉድ ፍራይደይ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መዓልቲ፡ መንግስቲ ብሪጣንያን ተዋጋእቲ ኣይኣርኤን ናብ መድረኽ ልዝብ መጺኦም።

ተዋጋእቲ ኣየርላንድን መንግስቲ ብሪጣንያን ኣብ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ጐንጺ ህድእ ንኽብል ጸቕጢ ይገብሩ ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ይጥቀስ።

ስርዓት ኣፓርታይድ ብምቅዋም ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ፡ ሃገሩ ካብቲ ጨቛኒ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስ ተናገፈት፡ ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ንምምጻእ ብዙሕ ተቓሊሳ እያ።

ምስግጋር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመርሐ 'ዘ ናሽናል ፒስ ኣኮርድ' ዝተባህለ ትካል ድማ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ንኽመጽእ ብዙሕ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ።

ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጽና ምስ እንርኢ'ውን፡ ዒራቕን ኢራንን ብ1980 ናብ ኲናት ምስ ኣተዋ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት እየን ናብ መድረኽ ዕርቂ መጺአን።

ነቲ ዘተ ሰላም ዝመሐ ትካል ክኣ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነይሩ።

ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝለዓለሉ፡ 'ማሕበረሰብ ዓለም' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያላት ሃገራት ዝቕልሳኦ ተበግሶ፡ ግጭታት ደውው ንኽብሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ይጻወት።

ይዅን'ምበር፡ እዘን ሓያላት ሃገራት ዝገብራኦ ጻዕሪ ወትሩ ውጽኢታዊ እዩ ክብሃል ኣይከኣልን።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ትካላትን ዞባዊ ውዳበታትን፡ ሰላም ናይ ምስፋን ሓላፍነት ኣለዎም።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝልዓሉ ግጭታት ምፍታሕ መባእታዊ ተልእዀኡ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እንተዀነ፡ እቲ ትካል እቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ሒዙ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ደው ከብሎ ኣይክኣለን።

ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ይዅን ሕቡራት ሃገራት'ውን እዚ ኰናት ደው ንምባል ክንጽዕር ኢና'ኳ እንተበሉ፡ ደው ኢሉ ዝነበረ ዝመስል ጐንጺ ዳግም ተላዒሉ ኣሎ።

ሓያላት ሃገራት ረብሓአን ካብ ምሕላው ሓሊፉ ሰላም ናይ ምምጻእ ድልየት የብለንን ዝብሉ ተንተንቲ ኣለው።

ብኻልእ ወገን፡ እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ፍቓደኛታት እንተዘይኰይኖም'ውን ተራን ኣበርክቶን ኣደራደርቲ፡ ብሓፈሻኡ ማሕበረሰብ ዓለም ይድረት’ዩ ኢሎም ዝካትዑ ኣለው።

'ሻራውነት ማሕበረሰብ ዓለም'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣአንፊቶምዎ ዝነበሩ ልዝብ ሰላም ኣብ ጫፉ በጺሑ፡ 'መን የዛትየና?' ኣብ ዝብል ክትዕ እናሃለው እዩ ዳግም ኲናት ተወሊዑ ዘሎ።

መንግስቲ፡ 'ህወሓት ድርድር ስለ ዘይደሊ’ ጠመንጃ መሪጹ፡ ክብል ይነቅፍ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ማእከላይ መንግስቲ ‘ጻሕታሪ ነገር’ ኰይኑ’ዩ ክብሉ ይስምዑ።

እዚ ኲናት ዳግም ምውልዑ ዘተሓሳሰቦም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት ረጽሚ ደው ኣቢሎም ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጽኡ ይሓቱ ኣለው።

ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ክቕጽል ሓቲቱ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ እቲ ሕጂ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዘሕደረላ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቝጠቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ቦታኦም ክምለሱን ሓቲቱ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰላም ዮናስ ኣዳየ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓል ሕቶ ሻራውነት ኣሎ ይብል።

“መሰረታዊ ፍልስፍና ሰላም እወታዊ ኣተሓሳስባ እዩ፤ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ’ውን ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ” ዝብል እቲ ምሁር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ሻራውነቱ ይሕሉ’ዶ? ትርጕም ሰላም ይርድኦ’ዶ? ኢሉ ይሓትት።

ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት ስደት ኣሽሓት ዜጋታት ብምዃን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክልሕም ዝገብር ጽልዋ ዘሕድር ስለ ዝዀነ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብቲ ዞባ ረብሓ ዘለወን ሃገራትን እቲ ጉዳይ ብሰላም ንኽፍታሕ ቀጥታዊ ድልየት ኣለወን’ዩ ክብል ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባት ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ፕሮፌሰር ማቻሪያ ሙነኔ ይዛረብ።

ስለ ዝዀነ፡ ኣደራደርቲ ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ምምጻእ ዘኽእል መተኣማመኒ ኣለዎ’ዶ? ዝብል ሕቶ ክቕድም ከም ዘለዎ ገሊጹ።

“ብሸነኽ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ እንታይ ክፍጠር ይኸውን ዝብል ስግኣት ኣሎ። ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ድማ ህወሓት ዳግም ክውደብ ምኽኣሉ ዝፈጠረሉ ስግኣት ከም ዘሎ ይርኣየኒ” ይብል።

እቲ ኬንያዊ ምሁር፡ እቲ ቅልውላው እናነውሐ እንተኸይዱ ክፈጥሮ ዝኽእል ዞባዊ ስግኣት ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ መንግስቲ ሃገሩ ሓዊሱ ካልኦት’ውን እቲ ጐንጺ ደው ክብል ከም ዝደልዩ ይገልጽ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ’ውን ብሓሳብ ሙነኔ ይሰማማዕ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተጠፊኡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰላም’ውን ክጠፍእ'ዩ። ንኬንያን ሱዳንን ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት እቲ ከባቢ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን። ካልእ ተሪፉ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብዚ ከባቢ ዘለዎም ድልየት ይትንከፍ ኣሎ ማለት’ዩ።”

ዮናስ ከም ዝብሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ትርጕም ሰላም ተገንዚቡ ድዩ ወይስ ረብሓኡ ኣቐዲሙ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ ዝብል ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክገብሩ ጸኒሖም'ዮም።

እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ ናብ ሰላም ከምጽኦም ዝኽእል ኣማራጺታት ንምርኣይ ኣብ ዙርያ ዘለውዎም ስግኣታት ንምዝርራብ ቅድሚ ወግዓዊ ዝርርብ ምጅማሮም ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ገለ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብምስጢር ከም ዝተራኸቡ ይዝረብ።

እዚ ጐንጺ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ዮናስ፡ "እቲ ጸገም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣይኰነን፤ ግን ብቐንዱ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዘደራድሩ ኣፍሪቃውያን ክህልው ኣለዎም፡" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ሙነኔ ድማ፡ እቲ ኣደራዳሪ ኣካል ብሸነኽ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ተቐባልነት ዘለዎ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይካታዕ።

"እቲ ንኽልቲኦም ወገናት ንኸደራድር ዝልኣኽ ሰብ ክልቲኦም እንተዘይተቐቢሎምዎ ትርጕም የብሉን፡" ዝብል እቲ ምሁር "መወዳእታ እዚ ኲናት ዕንወት እምበር ሰዓሪ የለን ኢሉ ከእምን ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ክሳብ ዝርከብ ግን፡ እቲ ኲናት ክቕጽል'ዩ" ዝብል ትንታነ ኣለዎ።

ናይዚ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ዋሕስ መተኣማመኒ፡ ክንድ'ቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ኣይኰነን" ኢሉ።

ብ1995 ዓ.ም [ኣ.ኣ]፡ ኲናት ቦዝንያ ንኸብቅዕ ኣብ ዝተገብረ ድርድር፡ ኵሎም ወገናት ዝኣመኑሎም ኣማኸርቲ ዝተሳተፍሉ ከም ዝነበረ ይዝረብ።

እቲ ድርድር ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ክመርሕዎ እንከለው፡ ኣብ መወዳእታ ግን ፕረዚደንታት ቦዝንያ፡ ክሮኤሽያ ሰርቢያን ጥራይ ‘ስምምዕ ዳይቶን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ሰላም ብምፍራም እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ገይሮም።

ተመራማሪ መጽናዕቲ ሰላም ዮናስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን እንተዀነ እቲ ልዝብ ብኣፍሪቃ ሕብረት ዝምራሕ እንተዀይኑ ተስፋ ኣለዎ እዩ ይብል።

“ክንምህር እንከለና ‘there’s no way to peace; peace is the way [ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ የለን፤ ሰላም ንርእሱ መገዲ’ዩ’] ኢና ንብል። እቶም ኣደራደርቲ ግን ነዚ ብዝግባእ ተረዲኦም’ዶ እቲ ግጭት ክዝሓሓል ይደልዩ? ወይስ ረብሓኦም ክሕልው’ዮም ዝደልዩ?” ብምባል ይሓትት።

ስለዚ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ይኽእል'ዶ?

ኣብዚ ጉዳይ ምሁራትን ተንተንቲ እቲ ዓውድን ዘለዎም ርእይቶ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ኣካታዒ'ዩ።

ማሕረሰብ ዓለም፡ ፈጺሙ ጸቕጢ ክገብር ኣይክእልን ዝብሉ ኣለው። ከም በዓል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ ዝበሉ ምሁራት ድማ ጸቕጢ ክገብርሉ ዝኽእል ተኽእሎ ክህሉ ኣሎ'ዩ ይብሉ።

"ግልጽነትን ተኣማንነትን ከምኡ'ውን ሻራውነት እንተሃልዩ ይከኣል'ዩ። ህጻናት ኣይተወድኡ፣ እቲ ኲናት ንዅላትና እዩ ዝጐድእ ኢልካ ብምዝራብ፣ ክዘራረቡን ክቀረራቡን ምግባር ይከኣል'ዩ" ኢሉ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ሸምጋሊ ኰይኑ ዝኸይድ ኣካል ንሓደ ወገን ዘሻሩ እንተዀይኑ፡ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ይዛረብ።

ካልኦት ጸቕጥታት ብምግባር’ውን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ክመጽኡ ምግባር ከም ዝክኣል ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቕሱ።

ኣሜሪካ፡ ማእከላይ መንግስቲ ‘በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ’ ቅድሚ ምእዋጁ ብዝተፈላለዩ መገድታት ጸቕጢ ትገብር ከም ዝነበረት እቶም ምሁራት ይዛረቡ።

ንኣብነት፡ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኣባል ካብ ዝዀነትሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጐዋ ክትስረዝ ገይራ እያ።

ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ'ዚ ውሳነ ልዕሊ 200 ሽሕ ትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ከም ዝተጐድኡ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ እተን ምስቲ ጐንጺ ዝዀነ ዓይነት ርክብ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሕይል ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን እገዳ ቪዛ ከም ዝገበረ ይዝከር።

ኣብቲ ግዜ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ እቲ ግጭት ደው ንኽብልን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኽወጽኡ፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽመሓየሽን ተሳተፍቲ እቲ ጐንጺ ዝዀኑ ሓይልታት ናብ ድርድር ንኽመጽኡ ዝተገብረ ጻዕሪ ክዕወት ብዘይምኽኣሉን’ዩ ኢሉ ነይሩ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ፡ "ሻራዊ ብዝዀነ መገዲ፡ እገዳ ኣጽዋር ይዅን ካልኦት መገዲታት ተጠቒሞም ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ'ዮም። ግን ክኣ እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ትንኰያ ዝገብር ዘሎ ኣካል ክኸውን ኣለዎ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ፕሮፌሰር ሙነኔ ብወገኑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ጸቕጢ ክንደየናይ እዩ ዝብል ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ "እገዳ ምግባር ግን ጭቡጥ ለውጢ ከም ዘየምጽእ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ'ዩ፡" ይብል።

ንኣብነት ኤርትራ፡ "ዝተፈላለየ እገዳታት ክገበረላ ጸኒሑ፤ ግን ዝተለወጠ ነገር የለን" ዝብል እቲ ኬንያዊ ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባት፣ "ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከም ሃገር እገዳ ምግባር ለውጢ ኣየምጽእን፤ ምኽንያቱ እቲ ጸገም ኣብ መንግስቲ እዩ ዘሎ። መንግስትን ህዝብን ክኣ ጸቕጢ እገዳ ማዕረ ኣይስምዖምን" ክብል ይካታዕ።