ናብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ትሰድድ ዘላ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ናብ'ቲ ኲናት ምእታዋ ኮኒና

ምንጪ ስእሊ, GOOBJOG NEWS
ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ እቲ ዳግማይ ዝተልዓለ ኲናት ኣመልኪቱ ክዘራረብ ምዃኑ ዝተገልጸ ዀይኑ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ናብ'ቲ ቅልውላው ምእታዋ ኣመሪካ ኮኒና።
ቤት ፅሕፈት ዋይት ሃውስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ መገሻ ቀንዲ ዛዕብኡ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይኑ ስርሑ ዝጀመረ ኣምባሳደር ሓመር፡ ቅድሚ ሓደ ወር፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተመላሊሱ ከምዝተዘራረበ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ፡ ብ18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተጥሓሰ ኰይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ከምዝተላዕለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ኣብ ከባብታት ዶብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ሓድሽ ኲናት፡ ብምጅማር ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ እቲ ኲናት ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከምዝተዘርግሐ ዝዝረብ ኮይኑ፡ መንግስቲ "ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኲናት ከፊቶም" ክብል ከሲሱ።
ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዳወብ ከባብታት ብሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍቶም ዝኸሱ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ብወገን ኤርትራ’ውን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ገሊጾም።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ምባል ምስተጥሓሰን ዳግማይ ኲናት ምስተጀመረን’ዩ።
ብመሰረት እቲ ብዋይት ሃውስ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣመሪካ "ኤርትራ ናብቲ ጎንጺ ዳግማይ ምእታዋ ኮኒና" ኣላ።
ከምኡ'ውን፡ "ህወሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝፍጽሞም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ትኹንን" ይብል እቲ መግለጺ።
እቲ ኲናት ብወገን ደቡብ ትግራይ ምስተወልዐ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ቆቦን ከባቢኣን ከምዝተቖፃፀሩ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ መራሕቲ ትግራይ ብውሑዱ ኣብ ክልተ ሲቪላዊ ከባቢታት ዝበልዎ ቦታታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመን ንጹሃት ዒላማ ከምዝኾኑን ገሊፆም።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ንወተሃደራዊ መሳርሕታት ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰላማውያን ሰባት ካብዞም ከባቢታት ክርሕቑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ብዛዕባ ክስታት'ቶም ደብዳባት ነበርቲ ዝበሎ የለን።
እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ቅልውላው ወታደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፣ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቁራጽ ተኹሲ ዝተባበዕ ምንባሩ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ 'ሰብኣዊ ረድኤት ንወተሃደራዊ ዓላማታት ይውዕል ምህላዉ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ' እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ካብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእኸሉ ብሓይሊ ከምዝወሰዱ፡ ከሲሱ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ ግን ነቲ ነዳዲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣለቂሕሞ ከምዝነበሩ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።
ዋይት ሃውስ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ጎንጺ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ሓቲቱ ኣሎ።
ኣመሪካ፡ ንኹሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት፡ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክበጽሖም ድማ ጸዊዓ።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት፡ ብዘተ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪካን ኣመሪካን ሓዊሱ ብዙሓት ፃዕሪ እኳ እንተገበሩ፣ ብዘይ ዝኾነ ውፅኢት ስለዝተረፈ እዩ ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ።
ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱን ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይእመን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ነበርቲ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ኣለው።
ኣብ'ቲ ክልል፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ባንክን ስልክን ሓዊሱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተቛሪጾም ዝርከቡ ዀይኖም፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድድዎ ከምዘለዉ ይዝረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







