ሱዳን፡ ብዛዕባ'ታ 'ብክሊ ኣየራ ኣትያ ተሃሪማ' ዝተባህለት ነፋሪት ዝተነግረ ክእረም ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY - SUDAN

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብሱዳን ኣቢላ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ዝበላ ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዘውደቐ ድሕሪ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ጸዊዓ መብርሂ ክወሃባ ሓቲታ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ኣንቶኖቭ 26 ዝዓይነታ ነፋሪት ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ኣትያ ኢሎም ነይሮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ድማ፡ እታ ሱዳን ሰጊራ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ዝኣተወት ነፋሪት ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ኣመልኪቱ ብ23 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] መግለጺ ከም ዝሃበ ማዕከን ዜና ሱዳን ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሃገሩ ጠቒሳ ጸብጺባ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣምባሳደር መግለጺ ምሃቡ ዘየሐጐሶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ነቲ ኣምባሳደር ጸዊዑ ከም ዘዘራረቦን፡ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ምዃኑ ክዛረብ ሓቲቱ።

ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ሱዳን ጀነራል ኣምባሳደር ፋድል ዓብዱላህ ፋድል፡ እቲ ኣምባሳደር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንሱዳን ከም ዘየሐጐሳ ተዛሪቡ ክብል ሱና ጸብጺቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እታ ስርሓት ሶቭየት ዝዀነት ኣንቶኖቭ 26 ዝዓይነታ ነፋሪት ብ17 ነሓሰ 2014 ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ብሸነክ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ክትኣቱ ክትብል ተሃሪማ ወዲቓ ምባሉ ይዝከር።

እታ ነፋሪት፡ ንሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ከተቕርብ ዝኸደት’ያ ክብል’ውን ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋና እታ ነፋሪት ብወግዒ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ ዘለው ታሪኻውያን ጸላእትና ምዃኖም ይእመን” ኢሉ።

ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እዛ ነፋሪት፡ ተሃሪማ ወዲቓ ምባሎም፡ ሓይልታት ትግራይን ሱዳንን ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጐምዎ’ዮም።

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ፡ ኣብቲ ንማዕከናት ዜና ሱዳን ሂብዎ ዝተባህለ መግለጺ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን ዝሰገረት ኣጽዋር ጽዒና ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ትኸይድ ዝነበረት ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዝበለ ሱና ይገልጽ።

ኣምባሳደር ፋድል፡ እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ ቃል፡ “መሰረት ዘይብሉ” ስለ ዝዀነ ክልተኣዊ ርክበን ክሕይል ኣብ ዝደልያ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ ኢሉ።