'ሓይልታት ትግራይ ሓደስቲ ግንባራት ኲናት ከፊቶም' ክብል መንግስቲ ከሲሱ

ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣስፊሖምዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ ረቡዕ 25 ነሓሰ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ሓይልታት ትግራይ "ኣብ ምብራቕ ክልል ኣምሓራ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ስለዘይኸደ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓደሽቲ ግንባራት ኲናት ከፊቶም" ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሓድሽ ግንባር ጀሚሮምሉ ካብ ዝብሃሉ ከባቢታት ሓደ ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሉ እዩ።
ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ እዚ ከባቢ 'ዞባ ምዕራብ ትግራይ' ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ክመሓደር ዝጸንሐ እንትኸውን፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ግን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣትዩ ይርከብ።
ኣብ'ቲ መግለጺ፡ "ህወሓት፡ ናብ ኣንፈት ዋግ፣ ወልቃይትን ከባቢ ዶብ ሱዳንን ወራር ፈጢሩ'ሎ" ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ግንባራት ኲናት ምኽፋት ብዝምልከት ዛጊድ ዝበልዎ እንተዘየለ'ኳ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ላዕለዋይ መራሒ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ "መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዙሓት ወተሃደራት ናብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ብምስጋር፡ ነቲ ኲናት ዝያዳ ዓለምለኻዊ ገይርዎ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ ከተማ ሑመራ፡ ካብ ሮቡዕ ንጉሆ ኣትሒዙ ብኣንፈት ሱዳን ድምጺ ተኹሲ ክሰማዕ ከመዝጸንሐ ገሊጹ።
ኣብ'ቲ ሓይልታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮምዎ ዝርከቡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ተፋጢጦም ከምዘለዉ ይዝረብ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ'ቲ ዘውፅኦ መግለፂ "ሓይልታት ምክልኻልን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ዝተኸፈቶም ተወሳኺ ግንባራት ንነብሶም ይከላኸሉ ኣለዉ" ክበል ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ነቶም ብኽልቲኡ ወገን ዝቐረቡ ክስታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን፣።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ዝያዳ ይሰፍሕ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ህድኣት፡ ሓይልታት ትግራይ ሳልሳይ ዙር መጥቃዕቲ ብ18 ነሓሰ፣ ሰዓት 11 ንግሆ ከም ዝተፈጸሞም ከሲሶም ነይሮም።
መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ 'ህወሓት እዩ ኲናት ጀሚርዎ' ብምባል ንሓይልታት ትግራይ ወቒሱ።
ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልታት፡ እቲ ውግእ፡ ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወቡ፡ ምብራቓዊ ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ወሎን ኣብ መዳውብቲ ከባብታት ዓፋርን'ዩ ክካየድ ቀንዩ ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ዋና ማእከል ወረዳ ራያ ቆቦ ዝኾነት ከተማ ቆቦ ተቖጻጺሮም ኣለዉ።
መንግስቲ ፌደራል፡ 'ኣብ ከተማታት ውግእ ንዘይምክያድ' ካብ 'ቲ ከበባኢ ከምዝወፀ እዩ ዝገልጽ።
ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ትካላትን ሃገራትን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምጅማሩ ስዒቡ፡ እቲ ውግእ ደው ክብል ፃውዒት ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም።
ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ፌደራል ብኻልእ ኣንፈት ኲናት ተኸፊቱኒ ዝበለ ዀይኑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዶባት ዞባታት ሰሜን ወሎ ሓሊፉ ናብ ምዕራብ ትግራይን ዶባት ሱዳንን ከምዝተዘርግሐ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ሞንጎ መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ዝፍተኑ ጻዕርታት ልዝብ ካብ ዘዕንቅፉ ፡ ክልል ኣምሓራ ወልቃይት ጸገደ ኢሉ ዝጽወዖ፡ ጉዳይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ይንገር።
መራሕቲ ትግራይ ፡ እቲ ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ኣምሓራ ዘሎ ዞባ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ ዝጠልቡ ዀይኖም፡ ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕል ክልል ኣምሓራ ነቲ ሕቶ ኣይቕበሎን።
ኣብቲ ከባቢ፡ ሰፋሕቲ ዓሌታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ፡ ጸብጻባት ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ መሰላት ኣምነስትን ሂዩማን ራይትስ ዎችን የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







