'ውዕል ሰላም ኢትዮጵያ እንተዘይተኸቢሩ፡ ኣሜሪካ እገዳ ካብ ምግባር ድሕር ኣይክትብልን እያ'

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, DEPT OF STATES

ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቝራጽ ተዅሲ ክኽበር እንተዘይክኢሉ፡ እገዳ ካብ ምሕላፍን ነቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ተሓተትቲ ካብ ምግባርን ድሕር ከምዘይትብል፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠንቂቝ።

በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኦም እንታይ ክኸውን እዩ፡ ዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ እቲ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን፡ “እዞም ስምምዓት ምስዘይክበሩ ብዛዕባ’ቲ ክኸውን ዝኽእል ነገር ኣቐዲመና ርእይቶ ክንህብ ኣይደልን፡” ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ ማዕቀብ ከም ሓደ መሳርሒ ወትሩ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ክብል ኣስሚሩሉ።

"እገዳ፡ ከም ሓደ ፖሊሲኣዊ መሳርሒ ኵሉ ግዜ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ። ተቐያድነትን ተፈጻምነትን እዚ ስምምዕ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ’ውን ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተዋሳእቲ ንዝዀኑ ተሓተትቲ ንምግባር ድሕር ኣይክንብልን ኢና፤ ስምምዕ ክኽበርን ቀያድነቱ ክረጋገጽን ጥራይ እዩ ዘለዎ" ክብል እቲ በዓል ስልጣን፡ ብናይ ርሑቕ መራኸቢታት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

እቲ ስሙ ዘይጠቐሰ ግን መግለጺ ዝሃበሉ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ ዝግመት በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣተሓሒዙ፡ ዋሽንግተን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ትግራይን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከም ዝስሕቡ ንምግባር ኣብ ቃሎም ጽኑዓት ምህላዎም ከም ዘረጋገጸት ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ድሕሪ ልዝብ ናይሮቢ፡ ንጕጅለ ተዛተይቲ ትግራይ ኣሰንዩ መቐለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ክዘራረብ ዕድል ከም ዝረኸበን፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ድማ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትሉ ደመቀ መኮንን ከምዝተዘራረበን ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእን ትግባረ እዚ ውዕል ሰላምን ንምርግጋጽ ኣሜሪካ ዘይተቘጠበ ዲፕሎማስያውን ሎጀስቲካውን ደገፋት ከም እትገብር ዘመልከተ እቲ በዓል ስልጣን፡ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ዋና ጽሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ክዘራረብ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ኣሽሓት ዝቐተለን፡ ትሕተቕርጺ ዘዕነወን፡ ሚልዮናት ካብ ኣባይቶም ዘፈናቐለን ኲናት ደው ንምባል፡ ብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ከም ዝኸተሙ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይሮቢ ዝተኸተመ ሰነድ ትግባረ ስምምዕ’ውን፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ትግራይ ጐድኒ ጐድኒ ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢን፡ ካብ ወተሃደራት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓትን ክትግበር ብንጹር ኣቐሚጡ እዩ።

እቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፡ ነቶም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይንጹራት ዝመስሉን ወይ ከም ርዱእ ዝተወስዱን ነጥብታት ንምንጻርን ኣተገባብራኦም ኣብ ዝምልከት ንምስምማዕን ወሳኒ ምንባሩ ጠቒሱ።

ከም ኣበሃህላኡ፡ እቲ ሰነድ ትግባር፡ ህላወ ሓይልታት ወጻኢን፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ንዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ትግራይ ምህላዎም ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ።

ወተሃደራት ጐረቤት ሃገር ኤርትራን፡ ሓይልታት ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ትግራይ ኣትዮም ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።

በዚ መሰረት፡ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ ትግራይ እንተዘይስሒባ እገዳ ክግበር ከም ዝኽእል እቲ በዓል ስልጣን ኣመልኪቱ’ሎ።

እቲ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ምቝራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ውሽጢ 48-72 ሰዓታት፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዅሲ ደው ከም ዝበለ፡ ብምምልካት፡ እዚ ክልቶኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ቈራጽነት ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ፡ ዝተሃስዩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

"እዚ ፈላሚ መዓልታት [ናይቲ ስምምዕ] እዩ፡" ዝበለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ "ብመንጽር እቲ ድሮ ክንርእዮ ጀሚርና ዘለና ምዕባለታት ግን፡ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ትግባረ ተስፋ ዝህብ እዩ፤ እንተዀነ [በዚ ጉዳይ] ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትዅን ከም ዘይነዕርፍ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም” ክብል ነቶም ብርሑቕ ሕቶታት ዘቕርቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣረጋጊጹ።