ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ፓርላማ ዘልዓሎም ነጥብታት እንታይ'ዮም?

ምንጪ ስእሊ, @PMETHIOPIA
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰላምን ብልጽግናን ንምዕቃብ ኲናት ደው ምባል እቲ እንኮ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
“ዘይውዳእ ኲናት ልክዕ ንማይ ብመንፊት ከም ማለት እዩ። እናተዋጋእካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕማቕ ሰላም ወይ ጽቡቅ ኲናት ዝበሃል የለን። ዋላ እናተዓወትካ’ውን [ኲናት] ሕማቕ እዩ። ነቶም እንሓስቦም ነገራት ክነዐውቶም ኣይንኽእልን ኢና” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተኸተመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ግጭት ብዝምልከት፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
"ካብ ሰላም እትረብሕ ኢትዮጵያ እያ። ሰብ ይቕተል፣ ዶላር እናውፃእካን ሰባት እናተቐተሉን ዝርከብ ረብሓ ይዅን ጽቡቕ ነገር የለን" ክብል’ውን ተሰሚዑ።
ብፍላይ ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ እናሃለወ ብኸመይ ዝርርብ ክካየድ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀሪቡሉ ነይሩ።
“ምስ ግብረሽበራዊ ምዝርራብ ዝኽልክል ኣዋጅ የለን። ንሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ፡ ንሃገራዊ ረብሓ እንተዀይኑ፡ ድርድርን ዘተን ክንገብር ኢና" ዝብል መልሲ ሂቡ’ሎ።
ይዅን እምበር፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘይደልዩ ወገናት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ "እቶም ሰላም ዝጸልኡ ነጋዶ ኲናት እዮም" ክብል ነቒፉ።
ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራም ብሰንኪ ዘይምትእምማን ክተዓናቐፍ ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ንኽፀንዕ ቃል ብምዕቃብን ድጋፍ ብምሃብን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፁ።
'ጉዳይ ወልቃይት ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ክምለስ እዩ'
ኣብ ርእሲ'ዚ ምስቲ ስምምዕ ተተሓሒዙ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ወይ ወልቃይት እዩ።
ጉዳይ ወልቃይት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስርዓትን ብሰላም ክፍታሕ ከምዘለዎ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።
"ብሕግን ስርዓትን እንተፈጺምናዮ እዩ ንወልቃይት ዝጠቅም። ንኣምሓራ ዘርብሕ። ትግራይ’ውን ይረብሕ። ብሕግን ስርዓትን ንፈጽሞ ንዝብል ሓሳብ ምስ ብዙሕ ሽርሕታት ምትእስሳር ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብቲ ከባቢ ሕቶ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ኮሚሽን ዘጣየሽና’ውን ንዕኡ ብዝብል’ዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ መርገፂና ብመስርሕ ሕጊ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እዩ" ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ናይ ‘ይግብኣኒ’ ሕቶታት ከምዘለዉ ብምዝኻኻር፡ ብሓይልን ብጉልበትን ዘይኮነስ ብሕግን ስርዓትን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።
“ወልቃይት ጥራይ ኣይኮነን፤ ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ሰሜን ሽዋ ሕቶ ኣለዎም። እሞ ደኣ እዚኸ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ? ሲዳማን ወላይታን ኣብ ብላቴ ሕቶ ኣለዎም። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ? [ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ] ዝተሰማማዕናሉ ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ኢትዮጵያ ይፈጸም ዝብል እዩ።"
እቲ ግጭት ብሓይልን ጥራሕ ንምቍራጽ ዝግበር ጻዕሪ ነባሪ ሰላም ከምዘየምጽእ ብምሕባር፡ ጉዳይ ወልቃይት ድማ ንህዝቢ ብዘማእኸለን ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ከምዝፍታሕ ተዛሪቡ።
"ህወሓት ቅድሚ ሕገ-መንግስቲ እዩ ብሓይሊ ወሲድዎ፤ ሎሚ ድማ ንሕና ብሓይሊ ወሲድናዮ ኣለና . . . [እንተተባሂሉ] ኣብቲ ከባቢ ንመዋእል ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክነውፍር ኣይንኽእልን ኢና። ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይፈታሕ እንተተባሂሉ ዘላቒ ኣይከውንን’ዩ” ክብል ኣረዲኡ።
ብኲናት ንዝተሃስየ ከባቢታት ዝወሃብ ምላሽ?

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ይወስድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ድማ ጠቒሱ።
ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተቛረጸሎም ኣብ ከም በዓል ሰቆጣ፡ ኣላማጣን ኮሩምን ዝበሉ ከባብታት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ብምግላፅ "ሰላም ካብ ዝብሃል ሰሙን እኳ ኣብ ዘይመልእ ኢና ቅልጡፍ መልሲ ሂብና" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ንኣተገባብራን ትሕዝቶን እቲ ስምምዕ ብዝምልከት ካብ ዝሃቦ መልስን መብርሂን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባ፡ ወፍርን ናህሪ ዋጋታትን ተሓቲቱ፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ልዕሊ 13 ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣለው።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከበባን ዝጸንሐት ትግራይ፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
'ካብ ዕጥቂ ወጻኢ ንምዝርራብ ማዕጾ ክፉት'ዩ'
ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ክብል ዝፅውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ብሽበራ ዝመፅእ ሓርነትን ዲሞክራስን ከምዘየለ ብምሕባር፡ እቲ ጕጅለ ዕጥቁ እንተፈቲሑ መንግስቲ ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።
"ንጹሃት ሰባት ብምቕታልን መካይን ብምቅፃልን ዝርከብ ረብሓን መኽሰብን የለን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ሸኔ፡ ንኦሮሞ ደው ኢለ ዝብል ግን ድማ ንኦሮሞን ኦሮምያን ዘፍርስን ድልየቱ ዘይፍለጥን እዩ" ክብል ገሊፅዎ።
ይዅን እምበር ኣፅዋር ካብ ምጥቃም ብምዕቃብ ንዝርርብ ድልዋት እንተኾይኖም እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት፡ ከምኡ እውን ኣብ ስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ዘሎ ክፍተት፡ ብልሽውናን ስርቅን ብዝምልከት ንዝቐረቡ ሕቶታት'ውን ምላሽ ሂቡ'ሎ።
ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝተገደበ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምሽባርን ንምዝራግን ሰፊሕ ውጥን ስለዝነበረ፡ ንሰላምን ድሕነትን ብዝብል ምክልባት እንተተፈጠረ “ንሃገር ብዝብል ዝተገበረ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ” ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተግባራት ስርቂ ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ክፍተት ከምዘሎ ዝተኣመነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡ "ጉጅለታት ቴሌግራም [ማሕበራዊ መራኸቢ] ከፊቶም ጉቦ ዝቕበሉ ዳያኑ ኣለዉ። ‘ንእከለ ኣሲረ’፤ ‘ንእከለ ኣፍቲሐዮ’ ይብሉ" ብምባል ናይ ዳግመ ምምሕያሽ ስርሓት ብዝለዓለ ብርኪ ክስራሕ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
'ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ክንውንን ክኢልና'
ዶክተር ኣቢይ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ኰይኑ ምህላዉ ኣብቲ ባይቶ ተዛሪቡ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ብዕብየት ቁጠባ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝዀነት ንመረዳእታ ባንኪ ዓለም ብምውካስ ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣብሪሁ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ መዛዘሚ በጀት 2014 [ግእዝ] 6.16 ትሪልዮን ብር (127.6 ቢልዮን ዶላር) ዝበፅሐ ኮይኑ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝረኽቦ እቶት 1212 ዶላር ኣትዩ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ምህርቲ (ጂ.ዲ.ፒ - GDP) 6.4 ሚእታዊ ተመዝጊቡ ከምዝነበረን፡ እዚ ዘሎ ኵነታት ሰላም ክቕፅል እንተኽኢሉ ናብ 7.5 ሚእታዊ ክብ ክብል ትልሚ ከምዘሎን ወሲኹ ገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ምዃኑ ብምሕባር ድማ መንግስቱ ምስዚ ኣሃዝ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዘይወግዓዊ ምንቅስቓስ ንግድን ሃብትን ኣካል እቲ ቁጠባዊ ሃብቲ ኮይኑ ክምዝገብ ዘይምኽኣሉ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ እዩ ነቲ ናይ ባንኪ ዓለም መረዳእታ ከምዘይቕበሎ ዝተዛረበ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ብድሆታት ከምዘጋጠምዎ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ውሽጣዊ ኲናት፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ድርቅን ብኣብነት ኣቐሚጡ።
እዚ ዅሉ ብድሆታት ነቲ ቍጠባ ዋላ'ኳ እንተተፀዓኖ፡ “ብቐሊሉ ዘይስበር ምዃኑ ዘርእይ እዩ” ኢሉ።
ካብቶም ዕብየት ዘርኣዩ ዓውድታት እቲ ሓደ ዝኾነ ሕርሻ፡ 6.1 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ'ውን ጠቒሱ።
ሕርሻ ስርናይ ልዑል ዘተባብዕ ውፅኢት ይረኣዮ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብዙሕ ቆላሕታ ኣብ ዘይወሃቦ ምህርቲ ሩዝ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሉፅ ውፅኢት ከምዝተርኣየ ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዓውዲ ማኑፋክቸሪን (ምፍራይ)፡ ኣገልግሎትን ፋይናንስን ዓቢይ ምዕባለ ከምዝተረኣየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ።
ናህሪ ዋጋታት ብዝምልከት?
ሰሉስ ኣብ ዝወዓለ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት እቲ ሓደ፡ እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ዝምልከት እዩ።
ነቶም ሕቶታት ምላሽ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ብዙሓት ሃገራት ብናህሪ ዋጋታት ይፍተና ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ነዚ ድማ ዘይምምጥጣን ጠለብን ቀረብን፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ምትእጉጓል ቀረብ ከም ምኽንያት ኣቕሪቡ።
ናህሪ ዋጋታት ‘ንማክሮ’ ቍጠባ ብድሆ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን እቲ ናህሪ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ገሊጹ።
ነዚ ድማ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ገለ ስጕምትታት ከምዝወሰደ ብምሕባር፡ ጣልቃ ብምእታው ፍርያት ምቕራብን ሓረስቶት ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ዕዳጋ ሰንበት ከካይዱ ምግባርን ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ተራ ከምዝተጻወተ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ እታ ሃገር ንልዕሊ 9.5 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ እናመገበት ትምህር ከምዘላ ሓቢሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 11 መግቢ ዝቐርበሎም ቦታታት ብምድላው፡ ንልዕሊ 30 ሽሕ ጽጉማት መግቢ ናይ ምክፋል ስርሓት ይካየዱ ከምዘለዉ’ውን ተዛሪቡ’ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኸበ መረዳእታ ገምጋም ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብ2 ሚእታዊት ክጐድል ምዃኑ ኣተንቢሁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን 38 ዓይነት ኣቑሑት ናብታ ሃገር ንምእታው ዝቐርብ ሸርፊ ዶላር ምእጋዳ ይዝከር።
እታ ሃገር ብብሄራዊ ባንክ ኣቢላ 18 ቢልዮን ዶላር ከም እተውፅእን እዚ ድማ ንሽዱሽተ ሽሕ ዓይነት ኣቑሑት ከምዝውዕል መብርሂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ የመልክት።
እቶም ዝተኸልከሉ 38 ዓይነታት ኣቝሑት ከኣ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ከምዝውድኡን እዚ ድማ ምስ ወጻኢታት ድኹዒ ማዕረ ምዃኑን ብምንፅፃር ኣረዲኡ።
"እዞም ኣቑሑት ከም መካይን፡ ዊስኪን ጸጕሪን ዘጠቓልሉ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ህሉው ጸቕጢ እታ ሃገር ካብ ደገ እንተዘይኣተዉ’ውን ጉድኣት ስለዘይብሎም ተኣጊዶም ኣለዉ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







