ቱርኪ፡ ምቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተኸሰተሉ ከባቢ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ናብ መዕቖቢ ተወሲዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣደም መሓመድ ኣሕሙድ፡ ምስ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ተምሃሮ እቲ ሓደጋ ካብ ዝተኸሰተሉ ከባቢ ብሰላም ወፅዮም ናብ መፅለሊ ዝኣተዉ ከምዘለዉ ገሊፁ።
ናብ መፅለሊ ኣትዮም ዝደወሉ ተምሃሮ ከምዘለዉ ዝዛረብ እቲ ኣምባሳደር፡ ገሊኦም ድማ ናብ ኣንካራ ይመፅኡ ኣለዉ ኢሉ።
ብመሰረት ካብዞም ተምሃሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ዛጊድ ሓደጋ ዝበፅሖ ከምዘየለን ኣብ መፅለሊ ናይ ዝርከቡ ተምሃሮ ቁፅሪ ካብ 10 ከም ዘይዛይድ ሓቢሩ።
እቶም ተምሃሮ ኣብ ዘዕቖብሉ ቦታ “ንዝኾነ ቱርካዊ ዜጋ ዝግበር ሓገዝ ይረኽቡ ኣለዉ” ኢሉ።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት፡ ዛጊድ ዝተጐድአ ኢትዮጵያዊ ምህላዉ ሓበሬታ ከም ዘይበፅሖ እቲ ኣምባሳደር ገሊጺ።
ነቲ ዘሎ ኩነታት፡ ብማሕበረሰባዊ ውዳበታትን ተምሃሮን ኣቢሉ ይከታተልዎ ከምዘለው ዝተዛረበ ኣምባሳደር ኣደም፡ ሓደሽቲ ሓበሬታት እንተልዮም ንኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ከምዘፍልጡ ገሊፁ።
ዋላ እኳ ቁፅሮም እንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ቱርኪ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን መብዛሕትኦም ተምሃሮን ተመላለስቲ ነጋዶን እዮም ዝበለ ኣምባሳደር ኣደም፡ ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ እቶም ተምሃሮን ነጋዶን እቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ካብ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርክን ሶርያን ብሰኑይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቓጥ መሬት፡ ቁፅሪ መወትቲ ልዕሊ 23 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።
ካብቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ብሂወት ዝተረፉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት፡ ከቢድ ቀዝሒ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ጐደናታት ይሓድሩ ኣለዉ።
እዚ ከቢድ ተፈጥርኣዊ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ሓሙሽተ መዓልታት ዘቑፀረ ኰይኑ፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ብሂወት ዝተርፉ ሰባት ይህልዉ ዶ ዝብል ተስፋ እናማህመነ ይመፅእ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብሰንኪ ከቢድ ቀዝሒ ፀገም ጥዕና ዘጋጥሞም ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ብምጥንቃቕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፉ ክቕፅል ተማሕፂኑ።
ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ሂወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሰባት ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 23 ሚልየን ሰባት ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከም ዝተሳጥሑ ይግለፅ።
ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን ምስ ከቢድ ቀዝሕን ዝናብን እናተቓለሱ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ዝፈራረሱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህንፃታት ዝተቐበሩ፡ ብሂወት ንዝተረፉ ሰባት ክበፅሕሎም ይረባረቡ ኣለዉ።
እዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ቱርክን ሶርያን ሂወት ኣሽሓት ሰባት ካብ ምቕዛፉ ብተወሳኺ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህንፃታት ናብ ሓመድ ቀይርዎም እዩ።
እንተኾነ ኣብ ሓደሓደ ከባብታት ቱርኪ፡ ነበርቲ፡ ምላሽ ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን ዝደንጐየ እዩ ብምባል፡ ሂወት ስድርኦምን ኣዝማዶምን ንምድሓን ዘለዎም መሳርሒ ሒዞም ወፊሮም።
በዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝየን ኣብ ዝተጐድኣ 10 ግዝኣታት ቱርኪ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ እዩ።
ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ካብ ናይ ቱርኪ ኣዝዩ ዝሓሰመ እንትኾን፡ ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝቐፀለ ኵናት ሓድሕድ ብዙሓት መሰረት ልምዓታት ብምዕናዎም እኹል ረድኤት ንምብፃሕ በዳሂ ኰይኑ ኣሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ ኣስታት ሰለስተ ሚልየን ዩሮ ንሶርያ ዝሓገዝ እንትኾን፡ እዚ ሓገዝ ኣብ ትሕቲ ብዕጡቓትን ሓይልታት መንግስትን ዝተትሓዙ ከባብታት ብመዓረ ክከፋፈል ኣገንዚቡ።
ኣብ ሶርያ በዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት፤ እንተኾነ እዚ ኣሃዝ ኣብቲ ብዕጡቓት ዝተትሓዘ ከባቢ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝሓውስ ኣይኰነን።
ኣብ ውልቀ መላኺ መራሒ ሶርያን ናህቱ መንግስትን ዝተነበረ ማዕቐብ፡ ናብቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቓት ዝርከቡ ከባብታት እታ ሃገር እኹል ረድኤት ከይኣቱ ብድሆ ኰይኑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







