ሓማስ፡ ንእማመ ሰላም ኣመሪካ እወንታዊ ምላሽ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓማስ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ሰላም ቅድመ ኩነት ብምቕራብ ከምዝሰማመዐሉ ገሊጹ።
ሓማስ ምስ መሻርኽቱ ዝኾነ ፍለስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ነቲ እማመ ሰላም ዘለዎም ድልውነት ብምግላጽ፡ እንተኾነ ንግብራዊነቱ ዝያዳ ድልውነት እስራኤል ከምዝጠልብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ሰላም፡ ብሕቡራት ሃገራት’ውን ዓቢ ደገፍ ከምዝረኸበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም መበገሲ ብክልቲኦም ወገናት ንሽዱሽተ ወርሒ ምቁራጽ ቶኵሲ ክግበር፡ ከምኡ እናበለ ከኣ እቲ ምቁራጽ ቶኲሲ ቀዋሚ ክኸውን ዝጠልብ’ዩ።
ቐጠርን ግብጽን’ውን ኣብ ምንዳፍ እቲ እማመ ሰላም ከምዝተሳተፋ ዝዝረብ ኮይኑ፡ መልሲ ናይ ሓማስ ከምዝመጽአን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
ሓማስ ትማሊ ምሸት ነቲ ዝቐረበ እማመ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ቓዛ ቶኵሲ “ፈፂሙ ደው ክብል” ዘለዎ ቅርቡነት ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ሓማስን ፍለስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ “መልስና ድሌት ህዝቢ ፍሊስጤም ዘቐደመ ኮይኑ፡ ኣገዳስነት ኣብ ቓዛ ዝካየደ ዘሎ ኵናት ምሉእ ንምሉእ ደው ምባል ልዑል ምዃኑ ካብ ምርዳእ’ዩ” ይብል።
እቶም ክልተ ጉጅለታት ብምስዓብ “ነዚ ኵናት ደው ንምባል ንዝግበር ፈተነታት ብእወታዊ ኣገባብ ክንዋሳእ ድሉዋት ኢና” ኢሎም።
ኣብ ዋይት ሃውስ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ኩርቢ፡ ሓማስ መልሲ ድሕሪ ምሃቦም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መልሲ ሓማስ ኣዝዩ ‘ሓጋዚ’ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ነተ ሓማስ ኣቕሪቦሙዎ ዘለዉ ጠለባት የጽንዕዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ሰሉስ ንግሆ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ዝቐረበ እማመ ሰላም ንምቕባል ድሉው ከምዘሎ ብምሕባር “ዓለም ካብ ሓማስ’ያ መልሲ ትጽበ ዘላ” ኢሉ ነይሩ።
እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብፕረዚደንት ባይደን ዝመርሖ ጉጅለ ዝተነደፈ እማመ ሰላም፡ ኣብ ቓዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ጽኑዕ ምቁራጽ ቶኲሲ ክግበር፡ ሓማስ ጅሆ ሒዝዎም ዘለዎ ነጻ ክፍንውዎም፡ እስራኤል ከኣ ኣሲራቶም ዘላ ቁጽሮም ዘይተገለጸ ፍሊስጤማውያን ክትፈትሖም ዝጠልብ’ዩ።
ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ'ቲ እማመ፡ ሓማስ ንኹሎም እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝሓዞም ነጻ ክፍንዎም፡ እስራኤል ከኣ ሰራዊታ ካብ ቓዛ ብምውጻእ ቀዋሚ ምቁራጽ ቶኵሲ ክግበር ዝጠልብ’ዩ።
ብሊንከን ብሰሉስ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ምስ ሰብ መዚ እስራኤል ኣብ ዝራኸበሉ ዝነበረ እዋን፡ ባንዴራ ኣመሪካ ምስ ኣሳእል ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ዝሓዙ ሓያለ ሰባት፡ ሽም ኣመሪካ እናጸውዕኡ “ኣባኹም እምነት ኣለና፡ ብሊንከን፡ ነቲ ውዕል ሰላም ኣፈርሞም” ክብሉ ተሰሚዖም ነይሮም።
ቪኪ ኮሀን ዝተብሃለት ወዲ 19 ዓመተ ወተሃደር ወዳ ብሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ጅሆ ዝተተሓዛ ወላዲት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ናብዚ ብሊንከንን መንግስቲ ኣመሪካን ካብ መንግስትና ከድሕኑና ኢና ክንልምኖ መጺእና፡ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተርና ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ፍቱዋትና ነጻ ናይ ምውጻእ ድሌት የብሉን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጸቕጢ ክገብረሉ ኢና ንልምን ዘለና” ኢላ።
ብሊንከን ምስ ሰብ መዚ እስራኤል ድሕሪ ምዝረራብ ናብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ብምምራሕ፡ እስራኤል ብዙሕ ነገር ንምግባር ድልውቲ ከምዘላ ብምሕባር፡ ፍሊስጤም ካብዚ ኣትያቶ ዘ\ላ ቅልውላው ንኽትወጽእ ኣመሪካ 404 ሚልዮን ዶላር ከምእትሕግዝ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሉ 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ ምስ ከደ ዝጀመረ ኵናት ሞት ኣሽሓት ሰባት ኣኸቲሉ ኣሎ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ልዕሊ 37 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







