ባይቶ ጸጥታ፡ ብኣመሪካ ንዝቐረበ እማመ-ሰላም ቓዛ ደጊፉ

ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዀኑ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንክግበር ዘቕረበቶ ውጥን ከም ዝድግፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝቐረበ ውጥን፡ “ሙሉእ ምቁራጽ ተጻብኦ” ክግበር፣ ምፍታሕን ምልውዋጥ እሱራትን ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም እስራኤላውያንን ኣብ እስራኤል ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያንን ዝብሉ ጠለባት ዝሓዘ’ዩ።

14 ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ውጥን ደጊፈን ከድምጻ እንከለዋ፡ ሩስያ ድምፀ-ተዓቅቦ ገይራ።

ውሳነ እቲ ባይቶ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ዝወጽአ ውጥን፡ እስራኤል ከም ዝተቐበለቶ ክገልጽ እንከሎ ሓማስ’ውን ክሰማምዓሉ ይሓትት።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊል፡ “ንሎሚ ንሰላም መሪጽና ኣለና” ኢላ።

እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት “ኣዕናዊ’ዩ” ክትብል ዝገለጸቶ ኣምባሳደር ብሪጣኒያ ባርባራ ውድዋርድ ብወገና፡ “እቲ ጭንቀትን ስቅያትን ነዊሕ ገይሩ’ዩ። ኵሎም ወገናት ነዚ ዕድል ክቕበሉዎን ንህዝቢታት እስራኤልን ፍልስጤምን ውሕስነትን ምርግጋእን ዝህብ ዘላቒ ሰላም ከውሕሱን ንጽውዕ” ኢላ።

ብ31 ሚያዚያ 2024 (ኣ.ኤ)፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሰለስተ ክፋል ዝሓዘ ውጥን ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ከምዝተቐበለኦ ይዝከር።

እቲ ሕጂ ባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ ድምጺ ድማ፡ እቲ ጐንጺ ደው ንምባል ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ጸቕጢ ከሕድር’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትማሊ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ስምምዕ ንክብጻሕ ዘኽእል ደገፍ ንምጥንኻር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ወጻኢ ተራኺቡ ኣሎ።

ንሱ ንመራሕቲ እቲ ዞባ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ “ምቁራጽ ተጻብኦ እንተደሊኹም፡ ሓማስ ሕራይ ንክብል ጸቕጢ ግበሩ” ኢሉ።

ሓማስ፡ ቅድም ኢሉ ንገለ ኽፋል እቲ ውጥን ከም ዝድግፍ ክገልጽ እንከሎ፡ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ “ከም ዝቕበሎ” ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ውጥን ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክመጽእ ሓማስ ውሕስነት ዝህቡ ጠለባት ከቕርብን እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክትወጽእ ክሓትት ከም ዝኽእልን ይግመት።

ኣብ ዶሃ-ቐጠር ዝርከቡ መራሕቲ ፖለቲካ እቲ ጉጅለ፡ ክሳብ ሕጂ መልሲ ከም ዘይሃቡ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካን እስራኤልን ይገልጹ።

እቲ ውጥን፡ መጀመርታ ብዛዕባ ምልውዋጥ እሱራትን ጅሆን ክግበር ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ “ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ከምኡ’ውን ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ሙሉእ ንሙሉእ ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ይርከቦ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝዓነወት ቓዛ ዳግመ ህንጸት ብምግባር ከም ዝዛዘም’ያ ኣመሪካ እትገልጽ።

ባይደን፡ ነዚ ውጥን እስራኤል ዘቕረበቶ ብምባል እኳ እንተገለጾ፡ ገለ መሪሕነት ልፍንቲ እስራኤል ግን ነዚ ውጥን ኣብ ምቕባል የዕጠይጥይ ከም ዘሎ ኣመሪካ ትግንዘብ’ያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ’ውን እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ነቲ ውጥን ኣየጽደቘን።

ገለ ሕሉፋት-የማናውያን ሚኒስትራት’ውን እቲ ዝቐረበ ስምምዕ እንተቐጺሉ መንግስቲ ክፈርስ’ዩ ዝብሉ መልእኽቲታት ይሰዱ ኣለው።

ብሰንበት፡ ኣባል ካቢኔ ኲናት ዝነበረ ጀነራል ቤኒ ጋንትዝ፡ ምስ እዚታት ብዝተኣሳሰር ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ይዝከር።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተወልዐ ኲናት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ከም ዝዀነ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጹ።

ሓማስ ኣብቲ እዋን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት 251 ጅሆ ሒዙ ከም ዝወሰደ እስራኤል ትገልጽ። ገለ ካብኣቶም ሓራ ወፂኦም ኣለዉ።