ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ኣጽዋር ከም ዝሸጠት ኣመሪካ ከሲሳ

ገለ ኣባላት ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝርከብ፡ ዋግነር እተሰምየ ሩስያዊ ዕሱብ (መርስነሪ) ሚሳይላትን ሮኬታትን ከም ዝሸጠትሉ ከሲሳ።

ዋይትሃውስ እቲ ጽዕነት ኣጽዋር ንውሳነታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓሱ ኣብ ልዕሊ ዋግነር ተወሳኺ ማዕቀብ ክግበር ከም ዝኽእል ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ሰሜን ኮርያን ጉጅለ ዋግነርን ክልቲኦም ነቲ ጸብጻብ ነጺጎምዎ ኣለው።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝሳተፉ ዘለው ኣብ ትሕቲ ዋግነር ዝሕቆፉ ዕሱባት ካብ 1,000 ናብ 20,000 ኣቢሎም ከምዝዓበዩ ሓቢሩ

እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሶርያን ኣፍሪቃን ኣብ ንጡፍ ኵናት ብምጽንሑ፡ ብተደጋጋሚ፡ ብገበናት ውግእን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ኣፈኛ ሃገራዊ ጸጥታ ጆን ኪርቢ፡ "ዋግነር፡ ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝድግፉ ኣቕረብቲ ኣጽዋር የናዲ ኣሎ” ክብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ።

"ሰሜን ኮርያ፡ በቲ እተኸፍለቶ ዋጋ ንዋግነር፡ ናይ ፈለማ ኣጽዋር ከም ዘብጸሐትሉ ከነረጋግጽ ኽኢልና ኢና” ኢሉ።

ዋይት ሃውስ ከም ዝሓበሮ፡ ጕጅለ ዋግነር ካብ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣጋር ሰራዊት ሮኬታትን ሚሳይላትን በጺሑዎ እዩ።

ሚስተር ኪርቢ፡ ዋግነር ኣብ ዩክረይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዘውጽእን፡ ኣብዚ እዋን እቲ ጕጅለ ምስቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ መወዳድረቲ ከም ዝኾነን ገሊጹ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርልይ፡ ብሪጣንያ ምስቲ ዋሽንግተን ዝሃበቶ ገምጋም ከም እተሰማምዐት ይገልጽ።

እቲ ምኒስተር፡ ፕረዚደንት (ቭላድሚር) ፑቲን ሓገዝ ደልዩ ናብ ሰሜን ኮርያ ይጥምት ምህላዉ ጠቒሱ፡ "ሩስያ ኣዝያ ከም እተጸገመትን ተነጺላን ከም ዘላ ዘርኢ እዩ" ኢሉ ።

ይኹን እምበር ወናኒ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ግን ነቲ ጸብጻብ "ሕሜትን ግምትን" እዩ ብምባል ነጺግዎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ እውን ነቲ ጸብጻብ "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ሓደ ወሃብ ቃል ሰሜን ኮርያ፡ እቲ መትከል "ኣይተቐየረን ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ዝግበር ናይ ኣጽዋር ዕድጊ የለን ኣይተፈጸመን" እውን ኢሉ።

ጉጅለ ዋግነር፡ ሩስያ ብ2014 ኣብ ክሪሚያ መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት እዋን ካብቶም ፈለማ ስጕምቲ ዝወሰደ ምዃኑ እዩ ዝእመን። ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝወረረትሉ እዋን እውን ዋግነር ዝነበሮ ጽልዋን ህላወን ኣዝዩ ደልዲሉ እዩ።

ኣብ መጋቢት 2022 ፡ ዋግነር ናብ ዩክረይን ልዕሊ 1,000 ዝዀኑ ሰባት ዘለውዎ ሓይሊ ከም ዝለኣኸ እዩ ዝእመን።

ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝገልጽዎ ግና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ሩስያ ናብ ልዕሊ 20,000፡ ማለት ናብ ከባቢ 10 ሚእታዊት ዓብዩ ከምዘሎ እዮም ዝገልጹ።

ዋግነር፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ንዝርከቡ ገበነኛታት ከም ዝቖጽር ንዝቐርበሉ ክሲ ኣይቅበሎን እዩ። ይኹን እምበር ሰብ መዚ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ እተኣስሩ ገበነኛታት፡ ክሳብ ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ ክልተ ወርሒ ብልዕሊ 23,000 ከም ዝነከየ ግምታት ይህቡ።

ዛጊት ልክዕ ዝዀነ ኣሃዝ እኳ እንተ ዘየለ፡ ብዙሓት ገበነኛታት፡ ምስ ዋግነር ከም ዝሓበሩ እዩ ዝእመን። ንሳቶም እውን ብግዴኦም ኣብ ቅድመ ግንባር ንሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ምግልጋሎም፡ ደሞዞም ከም ዝረኽቡን መቕጻዕቶም ከም ዝስረዘሎምን ተነጊርዎም እዩ።