ኲናት ዩክረይን፡ ባይደን ንዘለንስኪ ሃገሩ በይና ከምዘይትኸውን ኣረጋጊጹሉ

ዘለንስኪ (ፀጋም) ምስ ባይደን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ እትገብሮ ኲናት "ክንድ ድላዩ ግዜ ይውሰድ" ኣሜሪካ ኣብ ጐድና ደው ክትብል ምዃና ንዘለንስኪ ኣረጋጊጹሉ።

ዘለንስኪ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገበሮ መገሻ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን "በይንኻ ኣይክትኸውንን ኢኻ" ዝብል መብፅዓ ካብ ባይደን ረኺቡ’ሎ።

ባይደን ንዩክረይን ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር (1.7 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት ሓድሽ ጥማር (‘ፓኬጅ’) ሓገዝ ከምዝወሃባ ካብ ምግላፁ ብተወሳኺ፡ ካልእ 45 ቢልዮን ዶላር እውን ነታ ሃገር ቃል ኣትዩ።

ዘለንስኪ ብወገኑ ንደገፍ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስጋናኡ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ረቡዕ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ጥምረት ንምውዳብ "ፍጹም ስክፍታ ከምዘይነበሮ" ኣረዲኡ።

ገለ መሓዙት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘስዕቦ ወጻኢታትን ምዝንባዕን፡ ኣብ ጉዳይ ዓለማዊ ቀረብ መግብን ጸዓትን ጸቕጢ ክስመዐን ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ግን ብዛዕባ’ቲ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ዝግበር ምትሕብባር "ኣዝዩ ጽቡቕ" ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ።

ባይደን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ነዚ ሕሱም ኲናት ደው ከብሎ ሓሳብ ከምዘይብሉ" ገሊጹ።

ኣሜሪካ ከም ወሳኒት መሓዛ ዩክረይን፡ ዛጊት 50 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ፡ ፋይናንሳውን ጸጥታውን ሓገዛት ንምሃብ ቃል ኣትያ ኣላ። እዚ ድማ ካብ ንዝዀነት ሃገር ዝገበረቶ ሓገዝ ኣዝዩ ዝበዝሕ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መለለይኡ ዝኾነ ናይ ውግእ/ወተሃደራዊ ቀጠልያ ካናቴራን ቡትን ተኸዲኑ ምስ ባይደን ዝተራኸበ ዘለንስኪ፡ ኮንግረስ ኣሜሪካ "ክብርታትናን ናጽነትናን ክንከላኸል ክሕግዘና" ተወሳኺ ሓገዝ 45 ቢልዮን ዶላር ከጽድቕ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ጥሪ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቈጻጸሩ ሪፓብሊካን፡ ንዩክረይን "ዘይተገደበ ቸክ" ከምዘይጽሕፉ መጠንቀቕታ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

ካብ ፖላንድ ከተማ ርዘስዞው ብነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተጓዕዘ ዘለንስኪ ግን "ኣብ ኮንግረስ ዝመጽእ ለውጢ ብዘየገድስ" ንሃገሩ ዝግበር ደገፍ ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ’ሎ።

ድሕሪ ኣኼባ ዋይት ሃውስ፡ ወዲ 44 ዓመት ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ዘስምዐ ኰይኑ ኣብኡ ድማ ኵሉ ደው ኢሉ ብጣቕዒት ተቐቢልዎ።

ንሱ ሃገሩ ገና "ኣንጻር ኵሉ ብድሆታት" ትምክት ከምዘላ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክህሉ ኣብ ዝኽእል ኲናት "ነጥቢ መቐይሮ" ከምዝህሉ ነቶም ሓገግቲ ኣተንቢሁ።

ዩክረይን ፈጺማ ኢዳ ከምዘይትህብ'ኳ እንተተዛረበ፡ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘድልያ ግን ካብ ምግላፅ ኣይተዓቀበን።

"ከበድቲ ኣጽዋር ኣለና፤ ነመስግን ድማ" ዝበለ ዘለንስኪ "ይኣክል ድዩ? ሓቂ ንምዝራብ እዅል ኣይኰነን" ኢሉ።

"ሰራዊት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ንምግባር፡ ተወሳኺ መዳፍዕን ተወንጨፍትን የድሊ" ክብል’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ዘለንስኪ መደረኡ ክዛዝም ከሎ፡ ኣብ ድሮ ናይ ዋሽንግተን መገሻኡ ዝበጽሓ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ቅድመ ግንባር እትርከብ ከተማ ባክሙት ብዘለዉ ወተሃደራት ዝተፈረመት ባንዴራ ዓውደ ውግእ ንኮንግረስ ኣወፍዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ዝገበሮ ፓኬጅ ሓገዛት ንሓድሽ ስርዓተ ሚሳይል ፓትሪዮት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ዩክረይን ንከተማታታ ብሩስያ ካብ ዝፍነዉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክትከላኸለለን ክሕግዛ ትጽቢት ይግበር።

ዘለንስኪ (ፀጋም) ምስ ባይደን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዘለንስኪ ትማሊ ንሕቶታት ጋዜጠኛታት መልሲ ይህብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ "ፓትርዮትስ [ሓድሽ ስርዓተ ሚሳይል] ምስ ተተኽሉ እንታይ ክኸውን'ዩ? ብድሕሪኡ ተወሳኺ ከምዘድልየና ንፕረዚደንት ባይደን መልእኽቲ ክንሰድድ ኢና" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ኣብ ኲናት ኢና ዘለና። ኣይትሓዙለይ፡ ናይ ብሓቂ ይቕሬታ" ክብል ምስተዛረበ ኣብኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ብሰሓቕ ዓጂቦምዎ።

ባይደን እውን ፍሽኽ ኢሉ፡ "ንሰርሓሉ ኣለና ኢና" ክብል ኣብ መንጐ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ወፈያ እቲ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ምዕቡል ስርዓት ሚሳይል ከም ትንኮያ ዝቝጸር ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ፑቲን ትማሊ ረቡዕ ኣቐዲሙ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ንኲናት ዩክረይን ተሓታቲት ከምዘይኰነት ከምዝኣምን ብምግላጽ ክልቲአን ሃገራት "ዘሕዝን ኵነታት ይሓልፋ ኣለዋ" ኢሉ።

ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ብውሕዱ 100 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያን 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይንን ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቘሰሉን ከምኡ ድማ ኣስታት 40 ሽሕ ሲቪላት ከምዝሞቱ ግምት ሰራዊት ኣሜሪካ የመልክት።

ሕቡራት ሃገራት ነቶም ናብ ሩስያ ዝኣተዉ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኣውሮጳ 7.8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተሰዱ ይሕብር። እዚ ኣሃዝ ነቶም ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ግን ከኣ ኣብ ዩክረይን ዝተረፉ ዘጠቓልል ኣይኰነን።