ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ምስ ተወከልቲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ክዛተ እዩ

ምንጪ ስእሊ, GOOBJOG NEWS
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርኒያ፡ ምስ ተወከልቲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ንትሽዓተ መዓልታት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ንናይ ትግራይ፡ ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ሶማልን ተወከልቲ ዲያስፖራ ረኺቡ ከም ዘዘራርብ ኣፍሊጡ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ንምግታእ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባልን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ክዝቲ’ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብኣዳላውነት ካብቲ ዞባ ዝመጽኣ ጥምረት መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩናይትድ ውመን ኦፍ ዘ ሆርን’፡ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከባ ኣባላት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ክዘራረብ’ዩ።
ኣብዚ ኣብ ኣዳራሽ ቦብ ሆፕ ፓትሪዮቲክ ዝካየድ ዘተ፡ “ኣብ ምስፋን ሰላምን ምድንፋዕ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን” ከም ዘድህብ እቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።
ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ዩናይትድ ውመን ኦፍ ዘ ሆርን)፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ፍትሕን ሓድነትን ዝሰፈኖ ክኸውን ዝሰርሕ ክኸውን እንክሎ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ምድላዋት ገይሩ’ዩ።
እቲ ትካል፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንጸት ሰላም ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝህልወን ግደ ኣመልኪቱ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ዶክተር ኣኔት ዌበርን ዝተረኸብሉ መድረኽ፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ከም ዘዳለወ ይዝከር።
እዚ መድረኽ፡ ብቐንዱ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዝመጽኡ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ዝተሳተፍሉ’ዩ ነይሩ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ እቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘካይድዎ ዝነበሩ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ፡ ዕዙዝ ግደ ካብ ዝነበሮም ሓደ እዩ።
ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ኣሜሪካ ካብ ዝመደበቶም ልኡኻት ሳልሳይ ዝዀነ ኣምባሳደር ሃመር፡ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣብ ምቅርራብን ኣብቲ ድርድርን ቀንዲ ተሳታፊ ነይሩ።
ማይክ ሃመር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኲናት ብሰላም ከብቅዕ ግደ ንዝነበሮም ኣካላት ብ 15 ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘዳለዎ ሽልማትን ኣፍልጦን፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ከም ዝተበርከተሉ ይዝከር።
እዚ ፍሉይ ልኡኽ፡ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ምኽታሙ፡ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተደጋጋሚ ዝተላዘበ ክኸውን እንክሎ፡ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ድሕሪ ዝተገበረ ስምምዕ’ውን፡ ናብ መቐለ ኣምሪሑ ምስ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዩ’ዩ።
እቲ ኲናት ደው ንምባል ምስ ተፈረመ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ሃገሩ ምስ ዘለዉ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ክዘራረብ እዚ ፈላማይ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







