ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ናይ መን ዕዮ ገዛ’ ከቐድም ይኸውን?

ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ካቢነ ኣቚሙ፡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ክምራሕ ዝጸንሐን ምስ ፈደራል መንግስቲ ናብ ኲናት ዝኣተወን ምምሕዳር ፈሪሱ፡ ብሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክትካእ ዝጠልብ እዩ።

እቲ ውዕል ካብ ዝፍረም፡ ሽዱሽተ ወርሑ ሒዙ ኣሎ፤ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ።

እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ኵለንተናዊ ዕጽዋን ከበባን ዝጸንሐ ክልል፡ ገለ ኣገልግሎት’ኳ እንተረኸበ፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ባጀት ዛጊት ኣይተለቐቐሉን፤ ምስረታ ሓድሽ ምምሕዳር ድማ ከም ቀንዲ ምኽንያት ንምድንጓይ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ሱር-በተኻዊ ለውጢ ክግበር ኣለዎ ዝብል ህዝባዊ ድምጽታት ድማ፡ ሰማዒ ዝረኸበ ኣይመስልን። እቲ 27 ኣባላት ዝሐቘፈ ሓድሽ ካቢነ፡ ሕጂ’ውን “ብህወሓት ዝተዓብለለን ዘይኣሳታፍን እዩ፡” ዝብል ነቐፌታታት ይቐርበሉ’ሎ።

ነባራት ኣባላት ዝበዝሕዎ ሓድሽ ካቢኔ

ኣብቲ መስርሕ፡ መብዛሕትኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ካብ ህወሓትን ዝሓቘፈ፡ 9 ዝኣባላቱ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ቈይሙ፡ ጉባኤ ኣካይዱ ነይሩ። ካብቲ መስርሕ ዝተገለሉ ብሄራዊ ውድባት፡ ኣብቲ መድረኽ ኣይተረኽቡን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ ዝዀነ ደስታ ገ/ሚካኤል [ዶ/ር]፡ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተሳተፈ ይዛረብ።

“ከምቲ ዝተረዳእክዎ ሓደ ሓደ ጕድለታት ነይርዎ። ቀዳማይ ነገር ኣሳታፊ ኣይነበረን። ኣብቲ ጉዳይ ይምልከተኒ እዩ ዝብል ኣካል ኵሉ ብዘሳተፈ መልክዕ ክኸውን ነይርዎ፡” ብምባል እቲ መስርሕ ልክዕ ከምዘይነበረ ይጠቅስ። እዚ ኣብቲ መድረኽ’ውን ከምዝተንጸባረቐ እቲ ምሁር ሕጊ ይገልጽ።

ነጣፊ ሃፍቶም በርሀ ብወገኑ፡ ‘እቲ ከይዲ መሃከዪ ስለዝነበረ ብዝዀነ መገዲ መዕለቢ ምርካቡ’ ብኣውንታ ከምዝርእዮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ እቶም “ኣፈጻጽማኦም ኣሰካፊ ነይሩ” ዝበሎም ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ፡ ተመሊሶም ብብዝሒ ኣብቲ ሓድሽ ካቢነ ምርኣዩ፡ “ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዙሕ እምነት ከየሕድር ገይሩኒ” ብምባል ስግኣቱ ገሊጹ።

ዶ/ር ደስታ፡ እቲ መስርሕ ካብ መጀመርታኡ ኣሳታፊ እንተዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ግን ምስ ኵሉ ጉድለቱ ምጥያሹ ከምዝድግፍ ተዛሪቡ።

ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ጸጥታን ምሕደራን ብቕልጡፍ ምእንቲ ክመልእ ካብ ዝብል እምነት ዝብገስ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ግዝያዊ ምዃኑን ሓላፍነቱ’ውን ካብ ‘ምስግጋር’ ከምዘይዛይድን እዩ ዝርዳእ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ይብል ደስታ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግባእ ብኣግባቡ ኣለልዩ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ ይብል።

‘ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ’

እቲ ምሁር ሕጊ፡ ኣቐዲሙ ዘልዕሎ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋጽ እዩ።

“ብቐዳምነት እቶም ብሓይሊ ብወራር ተታሒዞም ዘለዉ ከባቢታት ብዘይ ወዓል ሕደር ነጻ ክወጽኡ ኣብ ምግባር ክነጥፍ ኣለዎ” ብምባል፡ ዶ/ር ደስታ የዘኻኽር።

“ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ከቢድ በሰላን እዩ ወሪዱ” ዝበለ እቲ ዶክተር፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ዝከሓሰሉን፡ እቲ ተጋዳላይ ድማ ግቡእ ካሕሳ ረኺቡ መሊሱ ዝጣየሰሉን ኵነታት ክመቻቻእ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ከምኡ’ውን፡ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ብምዃኑ፡ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ንኽፍጠር ኵሎም ዓቕምታት ትግራይ ተጠቂሙ፡ ጠለባት ትግራይ ንምምላስ ክነጥፍ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ዶ/ር ደስታ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ብሰላም ክነብር ምእንቲ፡ ኵነታት ክጣጥሓሉን ተመሳሳሊ ስግኣት ከየጋጥሞም ውሕስነት ክግበረሎምን ከም ዝግባእ ወሲኹ ይዛረብ።

ንትግራይ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ኢሉ ዕጥቂ ሒዙ ዝወጽአ ድማ ግቡእ ጠመተን ክንክንን ተገይርሉ፡ ድጋፍ ገይርካ ክጣየስ ዝግበኦ ክጣየስ፡ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ክጽምበር ዝግባኦ ድማ ክወሃሃድ፡ ኣተሓሳሲቡ።

ነጣፊ ሃፍቶም በርሀ ብወገኑ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ትምህርቲ ክጅመር፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደመወዞም ክኸፈሎምን ናብ ስርሖም ክምለሱን ቀዳምነት ክዋሀቦም ዝግባእ’ዩ፡ ይብል።

‘እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ዕዮ ገዛ መን እዩ ክሰርሕ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ውድባት ተቓውሞ ካብ መጀመርታኡ ኣብቲ መስርሕ ዘይምስታፎም፡ ነቲ ተጣይሱ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕቶ ቅቡልነት ዘልዕል እዩ።

“እቲ ከይዲ ናይ ባዕሉ ጸገም ኣለዎ” ዝበለ ደስታ፡ ንድሕሪት ክምለስ ስለዘይክእል ምስ መዓት ጸጋማቱ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኵሎም ዓቕምታት ትግራይ ጸንቂቝ ይጥቀም ዶ ኣይጥቀምን?” ዝብል ግን ንቕድሚት ዝርአ ሓደ ዓቢይ ፈተና ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣቶ ጌታቸው ናይ ባዕሉ ናይ ውልቀ ዓቕሙ ተጠቒሙ ከምኡ ክገብር ትጽቢት ኣሎ” ይብል።

ካልእ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጸገም ጸጥታ ይፍጠር ኣሎ። እዚ ኣብ ዝዀነ ኣብ ድሕረ-ኲናት ኵነታት ከጋጥም ዝኽእል ብድሆ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተበተነ ዕጥቅን ኣባል ሰራዊትን ብኸመይ ክእለ፣ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ንቡር ማሕበራዊ ህይወቱ ክመርሕን ይኽእል ዝብል ስግኣታት ኣሎ።

እዚ ቈይሙ ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር ተጻዋዕነቱ ንመን እዩ ዝብል ሕቶ፡ ዶ/ር ደስታ የልዕል።

ህወሓት ንኣቶ ጌታቸው ነቲ ክልል ብግዝያዊነት ክመርሕ መሪጸ’ኳ እንተበለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሽመት ደብዳበኡ፡ ባዕሉ ከምዝሾሞ ገይሩ እዩ ኣቕሚጥዎ።

“ካብ ሰናይ ድሌት ብዝብገስ ብዙሕ ምጥርጣራት እናዓበየ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ተጣይሱ ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ተጸዋዕነቱ ንመን እዩ፡ ንናይ መን ገዛ ዕዮ እዩ ኣቐዲሙ ክሰርሕ?” ዝብል ሕቶ የልዕል ዶ/ር ደስታ።

“ብሓደ ገጽ እቲ ዘጣየሾን ‘ኣብ ምጥያሱ ኢድ ኣለኒ’ ዝብል ፈዴራል መንግስቲ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክስርሑ ይግበኦም ዝብሎም ነገራት ክህልዉ እዮም። ብኻልእ ገጽ ድማ፡ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ዘቃለሰን እቲ ቃልሲ ዝመርሐን ኣካል ድሌታት ክህልውዎ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ትግራይን፡ ዘይጠዓዓሙ ጠለባት ምስ ዝህሉ ከመይ ገይሩ ይኣልዮ፣ ነየናይ ጠለብ ኣቐዲሙ ምላሽ ክህብ ክፍትን እዩ?” ዝብሉ ከበድቲ ሕቶታት ከም ዘለዉ የቐምጥ።

ኣብዚ ኸኣ ስክፍታት ከምዘሎ እቲ ምሁር ይሕብር።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምስ ፈዴራል መንግስቲ ክተሓባበሮም ኣብ ዝግባእ እናተሓባባረ፡ ኣብ ዘይስማመዓሎም ድማ፡ ‘ክስገሩ ዘይግባኦም ጠለባት ህዝቢ ትግራይ’ ኢሉ ክቃለስ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

ክምኡ እንተገይሩ፡ ተጋሩ’ውን ተወዲቦም ክድግፍዎን ኣብ ጐድኑ ክዓስሉን እዮም ዝብል ግምት ኣለዎ።

እንተዀነ፡ እቶም ዘይሕለፉ ጠለባት እንታይን እንታይን እዮም ኣብ ዝብል፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ክንጸሩ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

“ዘይሩ ዘይሩ ግን ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተጋነነ ትጽቢት የብለይን” ይብል።

ብግዝያዊነት ክፈተት ክመልእ ዝተጣየሰ ኣካል ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንኸማልእ እናተባባዕና፡ ካብዚ መስመር ከይወጽእ ድማ፡ ጸቕጢ እናፈጠርካ ንቕድሚት ዝስርሓሉ እዋን ምዃኑ ሓቢሩ።

“ንዝዀነ ኣካል ኣሚንካ ደቂስካ ዝሕደረሉ ግዜ ኣይኰነን” ኢሉ።

ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝግባእ ነገራት

ዶ/ር ደስታ፡ ኣዝዩ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝግባእ ዝበሎም፡ ክልተ ነገራት ይጠቅስ።

ቀዳማይ ነገር፡ ኣብ ጉዳይ ግዝኣትን ወሰናትን ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ካብ ምግባር ወጻኢ ካልእ ሓድሽ ውዕልን ድርድርን ከይግበር ይሓትት።

ምኽንያቱ ይብል፡ እዚ ግዝያውን ዘይተመርጸን መንግስቲ ብምዃኑ ኣብ ከምዚታት ሕጋዊ መዕለቢ ዘድልዮም ዓበይቲ ጉዳያት ክኣቱ የብሉን በሃላይ እዩ።

“እዚ ምምሕዳር ግዝያዊ ምዃኑን፡ ዝተወሃቦ ስልጣን ዝተወሰነ ምዃኑ ፈሊጡ እቲ ክሰርሖ ዝግባእ ግዝያዊ መሰጋገሪ ስርሓት ጥራይ ኣተኵሩ ክሰርሕ ኣለዎ” ኢሉ።

ሰፋሕቲ ግዝኣታት ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይ ገለ ክፋላት ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ ኰይኑ፡ናብ’ቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ኰነት ንምምላስ ፖለቲካዊ ቃልስን ጥበብን ክሓቶ እዩ።

ካልኣይ ናብ ድርድር ክኣቱ ዘይግባእ ዝብሎ ድማ፡ ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ገበናት ኲናት ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክካየድ ኣብ ዝብል ጽኑዕ መርገጽ ክሕዝ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ጃምላዊ ቅትለታት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኵሎም እቶም ተሳተፍቲ እቲ ውግእ ገበናት ኲናት ምፍጻሞምን፡ ብፍላይ ድማ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ዝፈጸሙ ምዃኖም ከሲሱ ኣሎ። እቶም ሓይልታት ነቲ ክሲ ኣይቅበልዎን።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝምርምር ኮሚሽን ዓለምለኸ ሰብ ሞያ ኣቚሙ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክቃወም ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ኮሚሽን ከይቀውም ይዅን ባጀት ከይምደበሉ ኣብ ምግባር ዘይተዓወተ ጻዕሪ ዝገበረመንግስቲ ኢትዯጵያ፡ እቲ ምጽራይ ብደረጃ ሃገር ‘ብመሰጋገሪ ፍትሒ’ ክርእየ እዩ ዝመርጽ።

ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ እቲ ዓለምለኸ ምጽራይ ክግበር ከምዝድግፍ እንተገለጸ’ኳ፡ እቲ ኣብ ደገ ዝግበር ዝነበረ ጐስጓስ ተዘሓሒሉ ይርከብ። እዚ ድማ፡ ኣባላት ህወሓትን ቅርበት ዘለወን ትካላትን ስለዝዛሕተላ ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።

እቲ ምሁር ሕጊ፡ ግዜ ዋላ እንተወሰደ- ኣብ ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ዝዀነ ድርድር ክግበር የብሉን፤ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ቅዋም ጸኒዑ ክቃለስ ኣለዎ ይብል። እዚ ምስቲ ልዕል ኢሉ ዘልዐሎ፡ “እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር፡ ናይ መን ገዛ ዕዮ እዩ ኣቐዲሙ ከፈጽም?” ምስዝብል ብቐጥታ ዝተኣሰሳር ፈተና እዩ።

ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፡ መረዳእታት ይሕብሩ።

እቲደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኸብቅዕ ኣብ ፕሪቶርያ ድሕሪ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ገለ ከተማታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን መብራህትን ባንክን ረኺበን ኣለዋ። እንተዀነ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተመዛበልቲ ዛጊድ ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን ኣለዉ።