ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም እንታይ ይብል?

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ሎሚ መዓልቲ ክልተ ዓመቱ ደፊኑ።

ብሰላማዊ ልዝብ ክዓርፍ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 10 መዓልታት ዝወሰደዝርርብ ከካይዱ ድሕሪ ምቕናዮም ትማሊ 02 ሕዳር 2022 "ቀዋዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ፈሪሞም።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝፀንሐ ድርድር፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀንዲ ሸሞንተ ነጥብታት ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም ኣለዉ

ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን'ውን ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተሰምዖም ይገልጹ ኣለዉ።

ንመስርሕ ዘተ ዝመርሑ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝበልዎ

ኣተዓረቕትን ወኪላት ክልቲኦም ወገናትን

ነቲ መስርሕ ሰላም ንምዕዋት ክሰርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጸሐ ኣብ ዘበሰረሉ እዋን "ንኢትዮጵያ ምጅማር ሓድሽ ወጋሕታ'ዩ" ክብል ኣብቲ ትማሊ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፌርማ ኣዊጁ።

"ሎሚ ንኢትዮጵያ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ንመላእ ኣፍሪቃ ምጅማር ሓድሽ ወጋሕታ'ዩ" ዝበለ ኦባሳንጆ፡ እቲ ስምምዕ መርኣያ ናይቲ"ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ንኣፍሪቃዊ ጸገም" ዝብል መትከል ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሓደ ካብቶም ኣሸማገልቲ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ምክታም እቲ ስምምዕ ንጋዜጣኛታት ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብረት ጥይትን ጎንጽን ፍታሕ ኣይኮንን ኢሉ።

ወሲኹ'ውን “እቲ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ዘተ’ዩ” ብምባል ንዕኡ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።

ብምስዓብ “ሰባት ኮፍ ኢሎም ምስ ተዘራረቡ’ዩ ፍልልዮም ፈሊጦም ክሰማምዑን ክፈትሕዎን ዝኽእሉ፡ እዚ’ዩ ኸኣ ንኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኸኣ ንኣፍሪቃ ብሓድነት ከንብራ ዝኽእል" እዩ ኢሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካ ብወገና፡ "ቀንዲ ነገር ናይዚ ስምምዕ ብረት ከምዝሃድእ ብምግባር ቅትለት ደው ንባል እዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ማሕበረሰብዓለም ካብ ጎኖም ከይፍለ ተማሕጺና።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር'ውን፡ እቲ ዝርርብን ዝሰዓበ ስምምዕን ኣብ ሃገራ ምክያዱ ከምዘሐብና ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኣብዚ ክፍሊ'ዚ እታ ዝለዓለ እፎይታ ዝረኸበት ሰብ ኮይነ ኣለኹ" ክትብል ተዛሪባ።

ግብረመልሲ መራሕቲ ኣፍሪቃ

እስማዒል ዑመር ገለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ'ውን ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘለዎም ናእዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ።

ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ባይቶ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንኣድ፡ "ጽቡቕ ዜና'ዩ" ኢሉ።

"ንኹሎም ወገናት ዮና እናበልኩ፡ ክሳብ ናብ ምሉእ ሰላም ዝበጽሑ ክዕቅብዎ አተባብዖም" ክብል'ውን ተላብዩ።

ፕረዚደንት ጎረቤት ሃገረ ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ "ንዞባናን ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትናን ጸጥታ፡ ሰላምን ብልጽግናን" ከምጽእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 1

"ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ዕዉት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንእድ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኬንያ ንመስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ክትድግፍ ቃል ከምዝኣተወት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሳሙይ ሩቶ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጉጅለ ድርድርን ንዝምልከቶም ወገናትን ዘለዎ ደገፍ ከሐይል ትማሊ 02 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ዘርኣይዎ ተወፋይነት ምስቲ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዝሰማማዕ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥር ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኢትዮጵያውያን በዚ ስምምዕ ዝተዋህቦም ዕድል ተጠቒሞም ንሃገሮም ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላምን ራህዋን ክፈጥሩ ኣተሓሳሲቡ።

ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ድማ ዘመን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ዕርቅን ክህሉ ተመንዩ።

መራሕቲ ዓለምለኻዊ ትካላት እንታይ ኢሎም?

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ውድብ ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ሕብረታትን ብዛዕባ እቲ ውዕል ሰላም ዘለዎም ርእይቶታት ገሊጾም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ "ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ" ብምባል ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንኢዱ።

ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ነቲ ናይ ብዙሓት ህይወትን መነባብሮን ዘዕነወ ኲናት ንምቁራጽ ተስፋ ዘለዎ ጅማሮ ከምዝኾነ ብወሃቢ ቃል ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንኹሎም ኣብ ምውህሃድን ምምራሕን እቲ ድርድር ዝተሳተፉ ወገናት ዘመስገነ ጉተረዝ፡ "ኣብቶም ዝተረፉ ጉዳያት ነባሪ ፖለቲካዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ብመንፈስ ዕርቂ ድርድር ክቕጽል" ከምዝድግፍ’ውን ብምግላጽ ክልቲኦም ወገናት እታ ሃገር ናብ ሰላምን ምርግጋእን ንከምልስዋ ጸዊዑ።]

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ
Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 2

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር።

ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ ነይሩ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋኪብወገኑ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ምርግጋእ ዝፈጥር’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

“እዚ ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሳላ መሪሕነት [ክልቲኦም] ወገናትን ንዝለዓለ ረብሓ ኢትዮጵያን እዩ” ኢሉ።

ንኣፍሪቃዊ ሕብረትን (ጉጅለ ኣዛተይቲ) ነቲ ዝርርብ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘመስገነ ሙሳ ፋኪ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ ንጻዕርታቶም ንምድጋፍ ድሉው” ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ፓነል፡ ብፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደበብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዝርከብዎ’ዩ።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 3

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ገጹ ዘርጊሑ እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ። እቶም ወገናት ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽወርድ ንምስራሕ ዝኣተውዎ ተወፋይነት ብሓጎስ ንቕበሎ" ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ተበጻሕነት ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ውድብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ “ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር” ምስምማዖም ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጠልቦ ዝነበረ “ህጹጽ ተበጻሕነት” ከምዝረክብን ህይወት ናይ ምድሓን ስርሑ ከምዝቐጸልን ትጽቢት ይግበር።

Skip X post, 4
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 4

ኣመሪካኸ እንታይ በለት?

ኣመሪካ፡ ብመንገዲ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣበላ ኣብቲ ዝርርብ ከም ተዓዛቢት ክትሳተፍ ምጽንሓ ይፍለጥ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ፌርማ ስነስርዓት ተረኺቡ ነይሩ።

“ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንቕበል” ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ንሱ’ውን ከምቶም ካልኦት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ንኽበጽሑ ንዘካየዶ እጹብ ጻዕሪ መጕሱ።

ብሊንከን፡ ኩሎም እቶም ኣሸማገልቲ፡ እዞም ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝጸንሑ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽፍርሙ ዝገበርዎ ጻዕርን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ንምእንጋድ ንዝወሰደቶ ተበግስን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ብኢጋድን ካልኦትን ኣብ ዝምምዕ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ኣሜሪካ እኹል ደገፍ ከምእትገብር ገሊጹ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተዘራሪቡ ከምዝነበረ ተገሊጹ እዩ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ምምኽኻር ከምዝቕጽል ገሊጹ ነይሩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ነቲ ግጭት መፍትሒ ከምዘይከውንን እቲ ልዝብ ሰላም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ቀጻሊ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ከምዝኾነ ምሕባሩ ይዝከር።

መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብሓጐስ ከምዝተቐበሎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ገሊጹ።

እቶም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ወገናት እንቋዕ ሓጐሰኩም ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ነቲ ውዕል ሰላም ዘፈጸመ ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዘብትን ከምኡ ኸኣ ነቲ ዘተ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ እዩ።

እቶም ተዛተይቲ ኣካላት፡ ንምቁራጽ ተጻብኦታትን ዳግመ ምምላስ መሰረታውያን ህዝባውያን ኣገልግሎታትን ምስምምዖም ሓጐሱ ዝገለጸ እቲ ሕብረት፡ ኣብ ጐድኒ ስድራ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተቐተሉን ግዳያት ዝዀኑን ከምዘሎ ገሊጹ።