ተፈናቐልቲ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣካይዶም።
መራኸብቲ ብዙሃን ትግራይ ከምዝጸብጸበኦ ኣብ ከተማታት ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱምን ሽረን ተዓቊቦም ዝርከቡ ተፈናቐልቲ፡ መንግስቲ ናብ መረበቶም ክምልሶም ኣብ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም።
ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ዞባ ምዕራብ፣ ኢሮብ፣ ዛላምበሳን ከባቢኡን “ውዕል ፕሪቶርያ ተፈፃሚ ኮይኑ ናብ መረበቶም ክመለሱ” ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ቴሌቪዝን ትግራይ ጸብጺባ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወለዐ ኲናት ብሚልዮን ዝቑጸሩ ነበርቲ ናብ ሱዳንን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልልን ተፈናቒሎም።
ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ኣብ ትግራይ ኣንጻራዊ ሰላም ዝሰፈነ ኮይኑ፡ ካብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ከባቢታት ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ግና ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ኣይከኣሉን።
ብሰንኪ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ከቢድ ህይወት ክመርሑ ከምዝተገደዱ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።
እቶም ተፈናቐልቲ ቅድሚ ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጸውዑ ሰላማዊ ሰልፊታት ዘካየዱ ኮይኖም፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ዝተትሓዙን ናይ እግበአኒ ሕቶ ዝለዓለሎምን ከባቢታት ናብ ትግራይ ብዘይምምላሶም እቶም ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይተኽኣለ ይገልጽ።
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብተመሳሳሊ “ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብሓለንጊ ጥሜትን ቁሪን ሕሱም ናብራ ይመርሑ ከም ዘለውን ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱን” ምጽወዖም ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ።
ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ “ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ በደል ደው ይበል፣ተሓራሲ መሬት እንዳሃለወና ብጥሜት ንፀንት ኣለና፣ ስኣን ረዲኤት ብጥሜት ንሃልቕ ኣለና፥ ሰሪሕና ክንነብር ናብ መረበትና መሉስና” ዝብል ምሕጽንታ ከምዘቕረቡ እውን ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምጥፍፍኡ ስዒቡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዕደላ ምግቢ ብምቁራጸን ነበርቲ እቲ ክልልን ተፈናቐልትን ንዝኸፍአ ጸገም ተቓሊዖም ይርከቡ።
ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥምየት እውን ንሞት ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ከምዝኾነ ሰብመዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ እውን ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ “ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ንጸንት ኣለና፤ ናብታ ሰሪሕና እንነብረላ መረበትና ምለሱና” ዝብል ድምጺ ኣስሚዖም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ከተማ ማይጨው ትማሊ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየዶ ዘተ “ውዕል ፕሪቶርያ መሊኡ ከይትግበር ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ፀገም ዝዓበየ እኳ እንተኾነ ከም ግዝያዊ ምምሕዳርን ውድብ ህውሓትን ተወዲብና ዘይምምራሕና ህዝብና ናብ ዝኸፈአ ፀገም ኣሳጢሕናዮ ኢና” ምባሉ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ተጋሩ እውን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሓደጋ ብምእታዎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡ ምምሕዳራት ከምዝፈርሱን ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ህዝበ ውሳነ ከምዝካየድን ገሊጹ ዝነበረ ኮይኑ ዛጊት ግን ዝተወሰደ ስጉምቲ የለን።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብግዲኡ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር እንከይተመለሱ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ከምዘይህሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







