'ዕጡቓት ሓራ መሬት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም' - ቢሮ ሰላምን ፀጥታን

ምንጪ ስእሊ, SM
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ፡ ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ምላዛት ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝሰፈረት ኣሃዱ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱሎም ከሲሱ።
እቲ ቢሮ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣማስያኡ ዘውጽኦ መግለፂ፡ እቶም 'ኣብ ክልል ዓፋር ደጀኑ ዝገበረ ናይ ስምረት ፓርቲ ዕጡቕ ሓይሊ' እናበለ ዝገልፆም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ኣሃዱ ሰራዊት ትግራይ ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ሓደ ኣባል ከምዝተቐተለ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብረቡዕ 23 ሓምለ 2017 [ግ] ዝተፈነወ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ህይወቱ ዝሰኣነ፡ ተጋዳላይ ሃይሉ ዓንዳይ ክንደያ ዝተብሃለ ከምዝዀነ እቲ መግለፂ የነጽር።
ብቐንዱ ኣብ መዳውብቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዝነቀሳቐሱ ዝንገረሎም፡ 'ሓራ መሬት' እናተብሃሉ ዝፅውዑ ዕጡቓት፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝወፅኡ ኰይኖም፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓትን ንዕኡ ዝድግፉ 'ካብ ኮር ንላዕሊ' ብዝብል ዝወሰኑ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምእላይ በረኻ ከምዝወፅኡ እዮም ዝገልፁ።
እቶም ኣብ ቀረባ፡ ንባዕሎም 'ሓይልታት ሰላም ትግራይ' ዝብል መፀውዒ ዝሃቡ ዕጡቓት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ [ወጀራት ዒስራ ዓዲ] ተቐልቂሎም፡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ክሳብ ምትዃስ በፂሖም ምንባሮም'ውን ይዝከር።
እቲ መግለፂ ወሲኹ፡ እቲ ብስም 'ሓራ መሬት' እናበለ ዘደናግር አሎ ዝበሎ ዕጡቕ፡ 'በናይ ደገ ሓይልታት ዝምወሉ፡ ብፓርቲ ስምረት እናተመርሑ፡ ትግራዋይ ነንባዕሉ ንኽዳመ መጋበርያ ይኸውን ኣሎ' ክብል ይኸስስ።ውድብ ስምረት ብበዓል ጌታቸው ረዳ ዝቘመ ሓድሽ ክልላዊ ውድብ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዝዝርግሖ ጽሑፍ ነቲ ብውልቍ ዝቐረበ ክሲ ከምዘይክሰሰሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ቢሮ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ከሲሱ፣ "ኣካል ናይቲ ኣብ ትግራይ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝፈጥር ዘሎ ናይ ገበን ኔርትዎርክ እዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ቢቢሲ፡ እቲ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ቅትለት ብዘይሻራዊ ወገን ከፃርዮ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, SM/WOYIN
እቲ መግለፂ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ስድራ ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒን ቅትለትን ሓላፍነት ዝወስዱ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፈደራል ከምዝዀኑ'ውን ገሊፁ።
እቲ ቢሮ፡ ምኽንያቱ ከብርህ እንተሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ፀጥታ እንተሃለዉ'ውን፡ ከተማ ኣላማጣ፡ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ከምዝዀነትን፡ 'ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ ዘለዉ፡ ሰራዊት ፌዴራልን ፖሊስ ፌዴራልን እዮም' ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዕለት 22 ሓምለ 2017 [ግ] ኣብ ልዕሊ ስድራ ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ ሰለሞን ኣያሌው ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ክልተ ህጻናት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት እውን ብኸቢድ ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና ይርከቡ።
ከንቲባ ኣላማጣ ዝናቡ ደስታ፡ እዚ ፍጻመ ናይ መጀመርታ ከም ዘይኰነን ኣብታ ከተማ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ጭውያን መቕተልትን ይፍጽሙ ከም ዘለዉን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብታ መዓልቲ እቶም ዕጡቓት ለይቲ ሰዓት 7 [ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ] ሓጹር መንበሪ ኣቶ ሰለሞን ኣያሌው ጥሒሶም "ሃንደበት ብጥይትን ብገለታትን" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመሩ እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ናይታ ከተማ ሓይልታት ጸጥታ ክረድእዎ ከም ዘይከኣሉን ንኣስታት 30 ደቓይቕ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝተገበረን ጠቒሱ።
ኣብ ገጽ ፌስቡክ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ዝተጠቀዐ መግለፂ፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ ዞባታት ደቡብ ትግራይን ደቡብ ምብራቕን ዝቐነየ ሰልፍታት ተቓውሞን ናዕብን'ውን ዝጠቅስ ኰይኑ፡ ብፍላይ ምስቲ ኵነታት ተኣሳሲሩ ኣብ ዓዲ ጉደም ዘጓነፈ ቅትለታት'ውን፡ 'ካበይ ከምዝተተኰሰ ብዘይተፈልጠ ጥይት' ክብል ዝኣንፈተ ዀይኑ፡ መን ከምዝፈፀሞ ይፃረ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ለውጢ ኣመራርሓ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፁ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ዞባ ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየዱ ምቕናዮም ይዝከር።
እቲ ተቓውሞ ናብ ካልኦት ዞባታት'ውን ዝዝርጋሕ ዘሎ ዀይኑ፡ ብፍላይ ብሰንበት ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ጀሚሩ ፀኒሑ ናብ ዓዲ ጉደም ዘምርሐ፡ ሞትን ማእሰርትን ዘስዐበ ነይሩ።
ሰልፈኛታት ነቲ ዝተወሰደ ብዕጥቂ ዝተደገፈ ለውጢ ምምሕዳር ብምዅናን፡ "እምቢ ብህወሓት ኣይንመሓደርን"፡ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ድምጾም ከስምዑ ተራእዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







