መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ 10 ኤጲስ-ቆጶሳት ከም ዝመረፀ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘገልግሉ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ።
ናይ ቴሌቭዥን ትግራይ ፌስቡክ ገጽ ከም ዘመልከቶ፡ እቲ በዓለ ሲመት ሎሚ 9 ሓምለ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ መንበረ ጽዮን ማርያም ኣክሱም እዩ ተኻይዱ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት መረጻ፡ 7 ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከብዎም 26 ሑጹያት ተሳቲፎም።
ብተወሳኺ 101 መረጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡን እቲ መስርሕ መረጻ ብሰላማውን መንፈሳውን ኣግባብ ከም ዝተኻየደን እታ ቴሌቭዥን ሓቢራ።
ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መረፃ ድማ፡ መጋቤ ሃዲስ ቆሞስ ኣባ ዘስላሰ ማርቆስ፡ መልኣከ ገነት ቆሞስ ኣባ ሃይለሚካኤል ኣረጋይ፡ ሊቀ አእላፍ ቆሞስ አባ እስጢፋኖስ፡ ንቡረ እድ ቆሞስ ኣባ መሓሪ ሃብተን ቆሞስ ኣባ ኤልያስ ታደሰ ገብረኪዳን ኣብ ትግራይ ከገልግሉ ዝተመረፁ ኤጲስ ቆጶሳት እዮም።
ኣብቲ ንወፃኢ ሃገራት ዘገልግሉ ንምምራጽ ዝተሳለጠ ድምፂ ቆፀራ ድማ ቆሞስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደሳሙኤል ዝርከብዎም 5 ኤጲስ ቆጶሳት ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
መልኣከ ገነት ኣባ ፅጌገነት ኪዳነ ወልድ፣ ኣባ ዘርኣዳዊት ብርሃነ፣ መልኣከ ፀሓይ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደን መልኣከ ፅሃይ ኣባ የማነ ብርሃን ወልደሳሙኤልን እቶም ካልኦት ዝተመርጹ ኤጲስ ቆጶሳት እዮም።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረጽዮን ሜልበርን ዘገልግሉ ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ትግራይ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተኸልከሉ ዀይኖም፡ እኹል ምግብን መዕረፍን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ክንገላትዑ ምቕናዮም ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብ ሹመት ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ ከርከቡ ዘይደለይዎም ውልቀ ሰባት ንመሓወር እቲ መንገዲ ኣየር ተጠቒሞም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጻዕሪ ክኾን ከምዝኽእል እዮም ዝጥርጥሩ።
ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ እቶም መራሒ ሃይማኖት ብግዴታ ክምለሱ ብምግባሩ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ተቓዊሙ’ዩ።
ኣብቲ ብ8 ሓምለ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዓሌታዊ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊፅዎ።
ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ክንገላትዑ ድሕሪ ምጽነሖም፡ ብሓይልታት ጸጥታ ናብ ደልሂ ኣብ እትጓዓዝ ነፋሪት ክድይቡ ከም ዝተገደዱ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ገለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሑ ምስልታት ከምዘርእዩዎ፡ እቶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስድኒ በዝሒ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ብኽብሪ ተቐቢሎምዎም።

ምንጪ ስእሊ, Television Tigrai/FB
ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ነዚ ሹመት ‘ዘይሕጋዊ’ ብምባል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ'ዩ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጎንጺ ብሰላም ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ቤተ-ክህነት መንበር ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ነቲ ህልቂትን ቅልውላውን ዘስዐበ ኲናት ሕድሕድ ደጊፋ ኢላ እያ ትኸስስ።
ብተመሳሳሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ትሽዓተ ሃገረ ስብከታት ክመርሑ ዝተመርጹ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ሎሚ 9 ሓምለ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ገዳም ቅድስቲ ማርያም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዕሊ ከም ዝሸመት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







