ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ 9 ጳጳሳት ሸይማ

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ቅድሚ ሕጂ ብሙሉእ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ትሽዓተ ሃገረ ስብከታት ክመርሑ ዝተመርጹ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ሎሚ 9 ሓምለ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ገዳም ቅድስቲ ማርያም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዕሊ ተሸይሞም።
ሹመት እቶም 9 ጳጳሳት፡ ብመሪሕነት ፓትርያርክ ኣባ ማትያስ ኣብ ገዳም ፓትርያርክ ቅድስቲ ማርያም እዩ ተፈጺሙ።
እቶም ትሽዓተ ጳጳሳት ንሃገረ ስብከት ጌዴዎ ኣማሮና ቡርጂ፣ ምዕራብ ሸዋ፣ ዳውሮ ኮንታ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ድሬዳዋ፣ ቡኖ በደሌ፣ ሆሮ ጉድሩ፣ ምዕራብ ወለጋን ምብራቕ ሃራርጌን ክመርሑ እዮም ተሸይሞም።
ኣብቲ ስነስርዓት ሹመት፡ ፓትርያርክ ኣባ ማትያስን ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ሰዓብቲ እምነትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ተረኺቦም።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ጳጳሳት መንበረ ሰለማ ከሳቴ ብርሃን ቤት ክህነት ትግራይ በወገና ኤጲስ ጳጳሳት ንምሿም ኣብ ኣክሱም ከምዝራኸቡ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ደማዊ ኩናት ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክ ሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ዝነበረ ርክብ ተበቲኹ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣቦታት ትግራይ ምስ ኦርቶዶክሳዊ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ርክብ ኣቋሪጾም መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን መስሪቶም።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ሎሚ 09 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ግእዝ ኣብ ኣኽሱም ኤጲስ-ጳጳሳት ከምዝሸሙ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቲ ሹመት ኣብ መንበረ ጽዮን ማርያም ኣክሱም ከምዝፍጸም ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ነዚ ሹመት ‘ዘይሕጋዊ’ ብምባል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ'ዩ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቅረታት ብሰላም ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
መንበር ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ-ክህነት ትግራይ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ነቲ ህልቂትን ቅልውላውን ዘስዐበ ኲናት ደጊፋ ኢላ እያ ትኸስስ።
ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረጽዮን ሜልበርን ዘገልግሉ ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ትግራይ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተኸልከሉ ዀይኖም፡ እኹል ምግብን መዕረፍን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ክንገላትዑ ምቕናዮም ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብ ሸመት ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ትግራይ ከርከቡ ዘይደለይዎም ውልቀ ሰባት ንመሓወር እቲ መንገዲ ኣየር ተጠቒሞም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጻዕሪ ክኾን ከምዝኽእል እዮም ዝጥርጥሩ።
"ኣብኡ ከይሳተፍ። ኣነ’ኳ እንተዘይሓሰብክዎ (ንሳቶም) ግን ኤጲስ ቆጶስነት ክሽወም ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም" ኢሎም።
እዚ ጉዳይ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን መራኸቢ ብዙሃንን ከዘራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ናብቲ ዝነብርሉ ናብ ኣውስትራልያ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብዙሓት ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ተረኺቦም ብኽብሪ ክቕበልዎም ዘርእዩ ምስልታት የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







