ብዙሓት 'ርዅስ መንፈስ' ዝብልዎ ሃለዋትካ ምጥፋእ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከዲጃ ኣወል ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ እያ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲማ፡ ናይ ዘለዋ ተኸዳዲና ተሓኒናን ተጸባቢቓን ከደት።
ሰብ ውራይ መርዑት ክኣትዉ እናተጸበዩ ግን ዘይተሓስበ ነገር ተኸስተ። ከድጃ ኣብ ማእከል ድግስ ኣብ ሃለፍታ ኣተወት።
ኣእዳዋ ብርሃጽ ተሓጽበ፡ ዕውልውል በላ፡ ሰንከልከል ኢላ ትወድቕ ይመስላ ግን ከኣ ኣይትወድቕን፤ ትመውት ዘላ ኰይኑ ይስማዓ ግን ከኣ ኣይሞተትን፤ መሬት ዝጠለመታ መሰሳ።
ኵሉ ዕዱም ተረበሸ፣ ኣምቡላንስ ብቕጽበት መጸት'ሞ ተሓጋጊዞም ሆስፒታል ወሰድዋ።
መብዛሕትኦም ብሰንኪ ድኻም ልቢ ከምኡ ዝዀነት መሲልዎም'ኳ እንተነበረ፡ ከድጃ ግን ሕማም ልቢ ዝበሃል ኣይነበራን።
እሞኸ ደኣ እንታይ ኰይና ክበሃል እዩ?
'ፓኒክ ኣታክ’ ድኻም ልቢ ኣይኰነን
ከድጃ ዝዀነ ይዅን ጸገም ልቢ ዝፈለጠት ድሕሪ'ቲ ዝተገበረላ መርመራ እዩ። ይዅን እምበር ከም ግምት ሓካይም እቲ ንከድጃ ዘጋጠማ ‘ፓኒክ አታክ’ ዝበሃል እዩ። እዚ ኸ እንታይ እዩ?
ን30 ዓመታት ኣብ ሞያ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕክምና ዝሰርሐ፡ ስፐሻሊስት ዶ/ር ግንባሩ ገብረማርያም ነዚ ተርእዮ፡ “ወራሪ ጭንቀት” ኢሉ እዩ ዝጽውዖ። ስለምታይ ከምኡ ዝብል ቅጽል ስም ሂብካዮ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ሽግር ልክዕ ከም ኣውሎ ንፋስ ሃንደበት ዝኽሰት ብምዃኑ ይሕብር።
ነዚ ጽሑፍ ክቀለልና ግን 'ፓኒክ ኣታክ' ኢሉ ክቕጽል እዩ፤
“ብዙሓት ሰባት ፓኒክ ኣታክ ዝበሃል ነገር ስለዘይፈልጥዎን እቲ ምልክታት'ውን ምስ ሕማም ድኻም ልቢ ዝመሳሰል ስለዝዀነ ግዜኦም ኣብ ሕክምና ልቢ እዮም ዘጥፈእዎ፡” ይብል እቲ ዶክተር።

ምንጪ ስእሊ, DR.GINBARU
ፓኒክ ኣታክ እንታይ እዩ?
ያሉ አያሌ ንልዕሊ 30 ዓመት ነዞም በዚ ዓይነት ሕማም ዝተሳቐዩ ኢትዮጵያውያን ዝሓከመ ፍሉጥ ክኢላ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ እዩ።
ካብቶም ብዙሓት ንሱ ዝሓከሞም ሕሙማት፡ እቲ ዘርእይዎ ምልክታታት ይበዝሕን ይውሕደን እምበር ልክዕ ከምቲ ንከድጃ ኣብ ሓደ መርዓ ዘጋጠማ ዝመሳሰል እዩ።
ክቋጻጸርዎ ብዘይክእሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዘይገመትዎ ኵነትን ዘይተጸበይዎ ግዜን ምንፍርፋር ልቢ፣ ኣእጋር ረሸሽ ምባልን ፍርሒን ይኽሰት።
ሃንደበታዊ ፍርሕን ጭንቀትን፡ ብቕጽበት ንመላእ ሰውነትና ይወሮ፡ ብዘይዋላሓንቲ ምኽንያት ዝረገጽናዮ ይጠልመና፡ ኣብ ገለገለ'ውን ጽርውርው ጸኒሑ ሃለፍ ብምባል ከቢድ ጭንቀት የስዕብ።
ኮታስ ብዘደንቕ ቅጽበት እቲ ሕሙም ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ብሃንደበታዊ ማዕበል ፍርሒ ይናወጽ። ብርሃጽ ተሓጺቡ ብፍርሒ የንቀጥቅጥ።
እዚ ኣብ ኣፍ -ሞት በጺሕካ ምምላስ ግን እንታይ እዩ ጉዱ?
ዶክተር ነቲ ስምዒት ክገልጽ እንከሎ፡ "ከም ኣብ መውጽኢ ዘይብሉ መንገዲ ምእታው እዩ፡” ብምባል የረድእ።
እዞም ምልክታታት ተታሓሒዞም ክመጹ እንከለዉ ድማ ህርመት ልቢ ይንህር።
ልቢ ህርመት ምስ ትውስኽ ድማ ትንፋስ ክሓጽረካ ግድን እዩ።
ትንፋስ ምስ ሓጸረካ ፍርሕን ሽበራን ይስዕብ።
“ካብ ተመኵሮይ እቲ ናይ ራዕዲ ስምዒት እንተበዝሐ ን 10 ደቒቕ እዩ ምስኦም ዝጸንሕ፤ እቲ ዝገርም ግን እዚ ዅሉ ብድንገት ምስ መጸ፡ ነቶም ሕሙማት ማይ እዩ ዝገብሮም፡” ይብል ዶ/ር ግንባሩ።
ይዅን እምበር ዋላ'ኳ ድሕሪ እተን 10 ደቓይቕ ዝጠፍእ እንተዀነ፡ እቲ ናይ ጭንቀት ሃዋህው ግን ክሳብ ሓደ ሰዓት ክጸንሕ ዝኽእል እዩ።
ዳግማይ ከጋጥመኒ ዶ ይኸውን ዝብል ተወሳኺ ጭንቂ
ዶ/ር ግንባሩ ከም ዝገልጾ፡ ሓንሳብ ከምዚ ዘጋጠሞ ሰብ ምፍራሕን ምጭናቕን ኣካል ዕለታዊ ናብራኡን ህይወቱን ከም ዝኸውን እዩ። ሰብ ሞያ'ውን ነዚ ከም “ትጽቢታዊ ጭንቀት” ወይ Anticipatory Anxiety ክገልጽዎ እንከለዉ ዶር ግንባሩ ብወገኑ፡ “ንከይትፈርሕ እትፈርሖ ፍርሒ ወይ ንፍርሒ ናይ ምፍራሕ ነውጺ” ብምባል ብቐሊሉ ይገልጾ።
እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ?
ፍርሒ ምፍራሕ ዳርጋ ምስ ሞት ክመሳስል ዝኸእል ነገር እዩ።
እቲ መጀመርያ ዝወረካ ጭንቅት፡ ወይ'ውን ፓኒክ ኣታክ ዓቢ ምርባሽ ስምዒት የኸትል።
እቶም ሕሙማት እዚ ነገር መዓስ እዩ ደጊሙ ክመጸኒ ዝኽእል ኣብ ዝብል ጭንቀት ድማ ይሽመሙ። ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ግዜ እንተጋጠመኒኸ ዝብል ጭንቀትን ፍርሒ ናይ ምፍራሕ ነውጺን ድማ ኣለዎም ።
እቲ ንፍርሒ ናይ ምፍራሕ ነውጺ ድማ እዚ እዩ።
መዓስ ክኽሰት ይኽእል?
ንኸድጃ እቲ ክስተት ምጥፋእ ሃለዋት ካብ ዘጋጥማ ንደሓር፡ እቲ ነገር መመሊሱ እናጨነቓ እዩ ከይዱ። ብሰንኩ ዕድመታት መርዓ ጸሊኣ፡ ሰብ ምርካብ ኣፍሪሕዋ ኮታስ ማሕበራዊ ህይወታ ተሃስዩ እዩ።
ብተወሳኺ ሕጂ ዘፍርሓ ዘሎ፡ “መኪና እናዘወርኩ እንተጋጠመኒኸ” ዝብል እዩ።
ምኽንያቱ፡ እቲ ክስተት ምልክት ዝህብ ኣይኰነን። ልክዕ ከምዚ ሕማም ሕርሲ ብሓንሳብ እዩ ዝብርትዕ።
ሕማም ሕርሲ መዓልታት ተጸቢኻ ስለትግምግሞ ትዳለወሉ ኢኻ፣ ሃለዋትካ ምስሓት ግን ፈጺሙ ዕድል ኣይህብን እዩ።
ካብዚ ፍርሒ ዝተላዕለ ድማ “ግድን እንተዘይኰይኑ መኪና ምዝዋር ገዲፈዮ እዩ” ትብል ከዲጃ።
ዶ/ር ግንባሩ ብወገኑ ካብ ተመኵሮኡ ከም ዝረኣዮ፡ “ብተደጋጋሚ ምኽሳት ሓደ ካብቲ ናይቲ ሕማም ባህሪ እዩ፡" ብምባል እቲ ሕማም ደጋጊሙ ከም ዝኽሰት ይሕብር።
መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ መጀመርያ ዝተኸስተሉ ዕለት ኣብ ሰለስተ ሰሙን ተመሊሱ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ኣለዎ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ ሓካይም ስነኣእምሮ መዓስን ብኸመይን ከም ዝመጽእ ማንም ዘይፈልጦ ምዃኑ እዩ ይብሉ።
በዚ ድማ እዩ’ቲ ኵነታት ክትጭነቕ ዘገድድካ ።
ለይቲ ድቂሱ እንከሎ ረሃጽ ኰይኑ ትንፋስ ሓጺርዎ ክመውት ክብል እንከሎ ዝትንሰእ ሰብ ኣይሰኣንን እዩ።
ወይ'ውን ሓደ መምህር ደሓን ኣለኹ ኢሉ ክምህር ናብ ክፍሊ ምስ ኣተወ ብድንገት እቲ ሃለዋት ናይ ምጥፋእ ኵነታት ክመጾ ይኽእል እዩ።
ርዅሳት መናፍስቲ’ዶ ይዀኑ?
ከዲጃ መጀመርታ እቲ ክስተት እንታይ ምዃኑ ደንጽዩዋ፤ እንታይነት ሕማማ ንክትፈልጥ ንሰባት ኣብ ዝሓተተትሉ ግዜ፡ "ሰይጣን እዩ፡ ጋኔን እዩ፡” ብምባል ናብ መሻይኽ ክትከይድ ዝመኸርዋ ነይሮም እዮም።
ዶ/ር ግንባሩ እውን፡ ሰባት ነዚ ሕማም ምስ ርዅሳት መናፍስቲ ከምዘተሓሕዝዎ ኣብዚ ናይ ሰላሳ ዓመታት ትዕዝብቱን ተመኵሮኡን እዩ።
“ህዝብና ኣሽንኳይዶ ከምዚ ዓይነት ዘፍርሕ ሕማም፡ ንካልእ'ውን ምስ ርዅስ መንፈስ ብምትሕሓዝ እኮ እዩ ዝሰልጦ” ብምባል፡ ብዙሓት ሰባት ጋኔን ወይ ድግምቲ እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ናብ ሕክምና ቅድሚ ምምጻኦም ናብ ባህላውያን ፈለጥቲን እንዳ ጠንቋሎን ከርቲቶም ከምዝመጽዎ ይዛረብ።
ሰባት እቲ ምንፍጥፋጥ፡ ርመት ልቢ ምውሳኽን ዕንክሊል ምባልን ካብቶም ቀንዲ ምልታት እቲ ሕማም ብምዃኑ ጥራይ፡ ምስ መናፍስቲ ንኸተሓሕዝዎ እዅል ምኽንያት ዝረኸቡ እዩ ዝመስሎም።
ብዘይካኡ'ውን ናብ ዘመናዊ ሕክምና መጺኦም ቅልጡፍ ፈውሲን መድሃኒትን ስለዘይረኽቡ ናብ ባህላውያን ሓካይም ብምኻድ መፍትሒ ከናድዩ ምኽንያት ይዀኖም።
ስለምንታይ'ዩ ኣብ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዝርአ
እዚ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንእሰያት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቀንስትዮ ዝኽሰት’ኳ እንተዀነ፡ ሳይንስ ግን ነቲ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ መልሲ የብሉን።
እዚ ድማ ናብ ዓሚቝን ዝተሓናፈጸን ሳይንስ ዝወስደና ሕቶ እዩ። ማሕበራዊ፡ ስነፍጥረታውን ስነልቦናውን ኵነታት እዚ ሽግር’ዚ ንኽፍጠር ምኽንያት ክዀኑ ይኽእሉ።
ነፍሲ ወከፍ ሕሙም በዚ ምኽንያት እዩ ንኸምዚ ሕማም ተቓሊዑ ክትብል ከቢድ እዩ። ይዅን እምበር ሕሉፍ ታሪኽ ሓደ ሓደ ሰባት ገለ ኣመት ክህብ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ኣብ ቁልዕነቱ ኣሰቃቒ ስቓይ ዘሕለፈ ሰብ ጸገም ምስሓት ውነ ከጋጥሞ ተኸእሎ ኣሎ።
ምክንያቱ፡ "ኣእምሮና ንዘጋጥሙና ኣሰንበድቲ ፍጻመታት፡ ሓቢእዎም ይጸንሕ እምበር ኣይድምስሶምን እዩ” ይብል ዶ/ር ግንባሩ።
ንኣብነት ሓንቲ ተሓካሚተይ ዝነበረት ብንእሽቶኣ እንከላ፡ ኣብ ሊፍት ፈተነ ዓመጽ ኣጋጢምዋ ብምንባሩ፡ ናብ ሊፍት ኣብ ትበጽሓሉ ሰዓት ህርመት ልባ ይውስኽ፡ ጭንቀት ይወራ።
ፈለማ ሓሚማ ኢሎም ከምጽኡዋ እንከለዉ ግን፡ ‘ኣብ ውሽጢ ሊፍት እንከላ ርዅስ መንፈስ ለኺፍዋ ኢሎም ከም ዘምጽኡሉ ብምዝካር ህዝብና ንነገራት ከመይ ኢሉ ምስ መንፈስ ከምዘተሓሕዞ ኣረዲእና።
ካልኦት ተሓከምቲ'ውን፡ "በቃ ጽላለ ይጀማምረኒ ኣሎ፡ የንፈጥፈጠኒ ኣሎ ዝዀነ መንፈስ ተጸናቲኒዩ” ብምባል ብጭንቀት ይሳቐዩ እዮም ክብል የብርህ።
ፈውሲ ይህልዎ ዶ ይኸውን?
ፓኒክ ኣታክ ብዓንዲ ርእሱ ጸገም ኣእምሮ'ኳ እንተዀነ ንማንም ሰብ ከጋጥሞ ዝኽእል እዩ።
ንኣብነት ንገለሰብ ናብ ነፋሪት ምስቃል ናብዚ ሕማም ከቃልዖም እንከሎ፡ ገለ ድማ ህዝቢ ናብ ዝተኣከበሉ መድረኽ ኣኼባ ምውጻእ ርእሶም ዘስሕቶም ኣለዉ እዮም።
ኮታስ ብሓፈሻ ስቅቕታን ዓቢ ፍርሕን ዘለዎም ሰባት ናይ ስንባድ ሃለዋት ምጥፋእ ክረኣዮም ይኽእል እዩ።
ይዅን እምበር ፓኒክ ኣታክ ብተኸታታሊ ዝርኣየሎም ሰባት ናብ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ምኻድ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። እቲ ሕክምና ብመድሃኒትን ስነልቦናዊ ማዕዳን ተሰንዩ እዩ ዝወሃብ።
እቲ ጸገም ከም ቅርጸት ሓንሳብ ቀሪጹ ዝገድፈካ ሰለዘይኰነ፡ ኣብ ዝተናውሐ ናይ ሕክምና ክትትል እዩ ለውጢ ዝርከቦ።
ብሓጺሩ ናይዚ ሽግር ውጽታዊ መፍትሒ እቲ ኮግኒቲቭ ቢሄቪዮራል ቴራፒ ወይ Cognitive Behavioural Therapy እዩ።
እዚ ናይቲ ሕሙም ንዓለም ዝጸንሖ ኣረዳድኣ እናቓነኻ፡ ኣብቲ ሕማም ዝነበሮ ግንዛበ እንከላይ እናዓረየ ክኸይድ ዝገብር ሕክምና እዩ።
ፓኒክ ኣቲክ ካብቶም ካብ 360 ዝበጽሑ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ሓደ ክኸውን እንከሎ እቶም ምስ ጭንቀት ዝተሓሓዙ ድማ 17 እዮም። ጸገም ኣእምሮ ድማ ኣብ ሓደ ዙርያ ዝፍታሕ ኣይኰነን።
“ኣነ ንተሓከምቲ ሓደ ነገር እየ ክመኽሮም ዝድሊ፣ እወ ቀሊል ኣይኩነን እቲ ማሕበረ-ሰብ ክንጽሎም ይኽእል እዩ። ግናኸ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ብተብተብ ዝኸውን ስለዘይኰነ ኣብ ገዛእ ርእሶም ምትኳር ይለማመዱ፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







