ሽታ ትሽትሽና ከም ፈውሲ ጭንቀት ይፍተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጨና፡ ምስ ስምዒታት ዝተኣሳሰሩ መትንታታት ሓንጐል የነቓቕሕ፣ ዘህድእ ስምዒት ይህብ እዩ፡ ዝብል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሕክምናዊ ዋዕላ ቀሪቡ።
እቶም ተመራመርቲ ስነፍልጠት ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት ረሃጽ ትሽትሽ (መንኮራዅዕቲ) እዮም ክጥቀሙ ጸኒሖም። እዚ ውጽኢት ከም ሓቂ ወሲድካ ንምርግጋጹ ግና ገና እዩ።
ስለምንታይን ብኸመይን ንሽትት?
ዕሸላት ብርቱዕ ናይ ምሽታት ዓቕሚ ሒዞም እዮም ዝውለዱ። ንጨና ኣደኦምን ጸባ ጡባን ድማ ይመርጹ። ጨና ንደቂ ሰባት ምስ ከባቢና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ነንሕድሕድና ክንራኸብን ኣብ ዙርያና ንዘሎ ትኪ ዝመልአ ሓዊ ብምሽታት ክኽሰት ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንኸነምልጥ'ውን ይሕግዘና እዩ።
ብተወሳኺ'ውን ንመግቢ ዝያዳ ተሃራፊ ይገብሮ፡ ኣብቶም ዝምገብዎ ሰባት'ውን ሓያል ዝኽሪ ከለዓዕል ይኽእል እዩ።
ሽታታት ፈለማ በቶም ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍንጫ ብዝርከቡ ተቐበልቲ እዮም ዝፍለጡ። እቲ ካብዚኦም ዝመጽእ ምልክታት ብቐጥታ ናብቲ ምስ ዝኽርን ስምዒታትን ዝተኣሳሰር ክፋል ሓንጐል (limbic system) ይመሓላለፍ።
እቶም ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ጨና ኣካላት ወዲ ሰብ፡ ስምዒታዊ ኵነታትና - ንኣብነት ምሕጓስና ይዅን ምጭናቕና ከመሓላልፍ ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ካልኦት ዝሽትትዎ ሰባት'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይሕብሩ።
ነዚ ንምጽናዕ ካብ ወለንተኛታት ዘፍርሕ ወይ ዘሐጕስ ፊልም ካብ ዝዕዘቡሉ እዋን ንዝምንጩ ረሃጽ ትሽትሽ ከወፍዩ ሓቲቶም።
ብድሕር'ዚ፡ 48 ማሕበራዊ ጭንቀት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ዝያዳ ልሙድ ዝዀነ ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ዝበሃል ፍወሳ፡ ማለት ሰባት ንኣሉታዊ ሓሳባት ኣክንዲ ዘተኩሩ ኣብ ሕጂን ሎምን ከድህቡ ዘተባባዕ መስርሕ፡ ንገለ ካብዞም ዝተወፈዩ ረሃጻት ክሽትታ ተሰማሚዐን።
ገለ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ንኽሽትታ ሓቀኛ ጨና ኣካላት ክወሃበን እንከሎ፡ ገለ ጕጅለ ድማ ጽሩይ ኣየር ተዋሂብዎም። በቲ ፍወሳ ዝሓሸ ውጽኢት ዝረኸቡ ኸኣ እቶም ንረሃጽ ዝተቓልዓ እየን።
“ሓደ ሰብ ሕጕስ ከሎ ዝፈሪ ረሃጽ ከምቲ ብናይ ፊልም ክሊፕ ዝፈርሐ ሰብ ተመሳሳሊ ውጽኢት ነይርዎ። ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ረሃጽ ዘሎ ናይ ሰብ ኬሞ-ሲግናል ገለ ነገር ክህልዎን እዚ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።
"እንተዀነ ነዚ ከነረጋግጾ ኣለና። ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ ቅዲ ዘለዎ ምክትታል መጽናዕቲ ንፍትኖ ዘለና ንሱ'ዩ። ተወሳኺ ካብ ስምዒታዊነት ነጻ ዝዀነ ሰነዳዊ ፊልምታት ናይ ዝዕዘቡ ውልቀሰባት ዝወጽእ ረሃጽ ንሕውስ ኢና፡" ትብል ካብቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ኢንስቲትዩት ካሮሊንስካ ዝመጸት፡ ኣብቲ ምርምር መሪሕ ተራ ዘለዋ ተመራማሪት ኤሊሳ ቪግና ።
ረሃጽ እንታይ እዩ፣ ኵሉ ግዜ ድዩ ዝጨኑ?
መብዛሕትኡ ረሃጽ ቆርበት ጨና ዘይብሉ እዩ። ኣብ ትሽትሽን ሽምጢን ዝርከቡ ጽክታት ረሃጽ ግን፡ ጨና ኣካላት ዝፈጥሩ ዝተወሰኑ ውህደታት የፍርዩ።
ኣብ ዝባን ቆርበት ዝርከቡ ባክተርያን ጽሕጊን ጸጕርን ግን ነዞም ውህደታት (compounds) ብምብታን ካልኦት ጨና ዘመንጭዉ ይፈጥሩ።
"ኣብ መንጐ ህዋሳት ምሽታትናን ስምዒታዊ ጥዕናናን ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና።"
"ጨና ካልኦት ሰባት፡ ከም መጻምድትኻን ደቅኻን ናይ ምሽታት ዓቕሚኻ ምጥፋእ፡ ጭንቀትን ናይ ተነጽሎ ስምዒትን ከስዕብ ይኽእልዩ።
"እዚ ብርግጽ ተወሳኺ ስራሕ ዘድልዮ መባእታዊ መጽናዕቲ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዙርያ ኣገዳስነት ምሽታት ህዋስናን ጥዕና ኣእምሮን ዘተኰረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምርኣይ ኣዝዩ ዘተባብዕ'ዩ።" ብምባል ዳንከን ቦክ፡ ካብቲ ጸገማት ሽታን ንቕሓት ጣዕምን ንምዕባይ ዝዓለመ ትካል ግብረ ሰናይ 5ይ ህዋስ እውን፡ ኣገዳስነት እቲ መጽናዕታዊ ምርምር ምዃኑ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







