ሓሙሽተ ዘገርሙ ሓቅታት ኵኩዕ እዝኒ

ቅድሚ ቻፕስቲክ ምምጽኡ፡ ሰባት ኵኩዕ እዝኒ ንመመላኽዒ ከንፈር ይጥቀሙሉ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ቻፕስቲክ ምምጽኡ፡ ሰባት ኵኩዕ እዝኒ ንመመላኽዒ ከንፈር ይጥቀሙሉ ነይሮም

ኵኩዕ እዝኒ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ብዘለዉ ጽክታት ዝፍጠር ሰም ዝመስል ነገር እዩ።

እዚ ሓደ ካብቶም ሰባት ዘይዛረቡሎም ኣካላዊ ንጥረ ነገራት’ኳ እንተዀነ፡ ገለ መሳጢ ባህርያት ግን ኣለዎ።

ኵኩዕ ኣእዛንና ጥዑይን ጽሩይን ንኽኸውን ከምኡ’ውን ኣብ መተሓላለፊ እዝንና ዘሎ ቆርበት ከይነቕጽን ከይስንጠቕን ይሕግዝ።

ብተወሳኺ ርስሓት ብምእካብን ማይ ከይሓልፍ ብምእጋድን ረኽሲ ከይፍጠር ይከላኸል።

ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኵኩዕ እዝኒ ንዝተፈላለዩ ረብሓታት ይውዕል ከም ዝነበረ ይንገር።

ንኣብነት ቅድሚ ቻፕስቲክ ምምጽኡ፡ ሰባት ከም መመላኽዒ ከንፈር ይጥቀሙሉ ነይሮም።

እዚ ማለት ሰባት ብኣጻብዕቶም ወይ ዝዀነ መሳርሒ ገይሮም ካብ እዝኖም ኵኩዕ ኣውጺኦም ከንፈሮም ይለኽዩ ነይሮም።

ንዝተበስዐ ቁስሊ’ውን ከም መደዓዓሲ ወይ መህድኢ ቅብኣት ኰይኑ የገልግል ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ኣካላትና ዝእከብ ብከላታት ከመልክት ከም ዝኽእል ይሕብር - ዋላ'ውን ገለ ጸገማት ጥዕና ንምልላይ ክውዕል ይኽእል'ዩ።

እምብኣር ብዛዕባ ኵኩዕ እዝኒ ዘገርሙ ሓሙሽተ ሓቅታት ክንነግረኩም።

1. ብተንቀሳቐስቲ ዋህዮታት ንደገ ይወጽእ

ኣብ ውሽጢ መስመር እዝኒ ዝርከቡ ዋህዮታት 'ሄር ሴልስ' (hair cells) ይበሃሉ።

እዞም ዋህዮታት ብሓደ ፍሉይ ባህሪ ይፍለጡ - ናይ ምንቅስቓስ ክእለት ኣለዎም።

ንእሽቶ ጽርግያ መስመር እዝኒ

ምንጪ ስእሊ, BRIAN EVANS

መግለጺ ስእሊ, ንእሽቶ ጽርግያ መስመር እዝኒ

"ኣብ ከበሮ እዝኒ ገለ ናይ ቀለም ነጥቢ ኣቐሚጥኩም ንውሑድ ሰሙናት እንተተኸታቲልኩም ከም ዝግዕዝ ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ብምንቅስቐስ ዋህዮታት ዝፍጸም’ዩ" ይብል ኣብ ሆስፒታል ሮያል ናሽናል ትሮት ክኢላ ኣፍንጫን እዝንን ዝዀነ ፕሮፌሰር ሻኪል ስዒድ።

እዚ እንተዘይተፈጺሙ ግን፡ ብተፈጥሮኣዊ መስርሕ ምርጋፍ ቆርበት ዝሞቱ ዋህዮታት ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ንእሽቶ መስመር እዝኒ ይመልእዎ።

እዞም ዋህዮታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ፡ እቲ ብጽክታት ረሃጽ ዝፍጠር ኵኩዕ ናብ ደገ ተደፊኡ ንክወጽእ ይድርኹ።

ኣብ እንምገበሉን እንዛረበሉን እዋን ዝህሉ ንቡር ምንቅስቓስ መንጋጋ እቲ ኵኩዕ ንደገ ገጹ ንኽግዕዝ ከም ዝሕግዝ ይእመን።

ፕሮፌሰር ስዒድ፡ ኣብቶም ዕድሚኦም እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ኣብ እዝኖም ብዙሕ ጸጉሪ ዝህልዎም ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓሓሊፉ ግዜ እቲ ኵኩዕ ካብቲ ጫካ ጸጉሪ ሓሊፉ ንምውጻእ ከም ዝጽገም ኣስተብሂሉ’ዩ።

2. ጸረ-ረኽሲ ባህርያት ኣለዎ

ኵኩዕ እዝኒ ስምዒ መሰል ዘይቲ ዝሓዘ ኰይኑ መብዛሕትኡ ብዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበት ዝቖመ እዩ።

ካብ 1000 ክሳብ 2000 ዝዀኑ ጽክታት ፔፕታይድስ ዝተባህሉ ጸረ-ረኽሲ የፍርዩ።

እቶም ናብ ሄር ሴልስ (ዋህዮታት) ዝቐረቡ ጽክታት ድማ ኣልኮል፡ ስኳሊን ዝተባህለ ዘይቲ መሳሊ ንጥረ ነገር፡ ኮለስተሮልን ትራይግሊሰራይድን ይውስኹሉ።

ኵኩዕ እዝኒ ኣብ መስመር እዝኒ ብዘሎ ጽኪ እዩ ዝፍኖ

ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIBRARY

መግለጺ ስእሊ, ኵኩዕ እዝኒ ኣብ መስመር እዝኒ ብዘሎ ጽኪ እዩ ዝፍኖ

ኵኩዕ እዝኒ ንመንደቕ ዋህዮታት ባክተርያ ከጥፍእ ዝኽእል ላይሶዛይም ዝተባህለ ጸረ-ባክተርያ ኢንዛይም እውን ኣለዎ።

እዚ ኵኩዕ እዝኒ ዝርከብ ጸረ-ረኽሲ ንባክተርያን ፋንጋስን ዝቐትል ባህርያት ስለ ዘለዎ ረኽሲ ከይፍጠር ይከላኸል’ዩ።

እዚ ስርዓተ ምክልኻል እንተፈሺሉ፡ ረኽሲ እዝኒ ከጋጥም ይኽእል።

ኵኩዕ እዝኒ፡ ከም ባልዕ፡ ሑጻን ዶሮናን ዝኣመሰሉ ጎዳእቲ ነገራት ናብ እዝንናን ናብ ከበሮ እዝናን ከይኣትዉ’ውን ይከላኸል እዩ።

ስለዚ፡ ኵኩዕ እዝኒ - ናይ ምስማዕ ክእለት ዘጉድል ወይ ቃንዛ እዝኒ ዘስዕብ ጽልዋ እንተዘይሃልይዎ - ብስሩዕ ክእለይ ኣይግባእን።

3. ጀነቲካዊ ወይ መፈጠራዊ ባህራያት ኣለዎ

እዝኒ ኤስያውያንን ዘይኤስያውያንን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኵኩዕ ከም ዘፍርያ ተመራመርቲ ኢንስቲትዩት ፊላደልፍያ ሞነል ይሕብሩ።

ክሮሞዞም 16 ንኵኩዕ እዝኒ ዝኸውን "ጥሉል" ወይ "ደረቕ" ጂን ዝሓዘ እዩ - እቲ ጥሉል ዓይነት ድማ ዓብላሊ እዩ።

ኣብ ጂን ABCC11 ዝፍጠር ንእሽቶ ለውጢ ምስ ክልቲኡ ደረቕ ዓይነት ኵኩዕ እዝኒ ይተኣሳሰር።

ብተወሳኺ ኣብ ትሽትሽ ቻይናውያን፡ ጃፓናውያንን ኮርያውያንን ዝርከብ ጨና ንኽንክይ ምኽንያት’ዩ።

ኵኩዕ እዝኒ ብስሩዕ ምእላይ ኣይምከርን

ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIBRARY

መግለጺ ስእሊ, ኵኩዕ እዝኒ ብስሩዕ ምእላይ ኣይምከርን

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብ ኵኩዕ እዝኒ ደቂ ተባዕትዮ ምብራቕ ኤስያን ጸዓዱ ዝተረኽቡ 12 ተቐያየርቲ ኣካላዊ ውህደታት ዓቂኑ።

ካብቶም 12 ውህደታት ኣብ 11፡ ኵኩዕ እዝኒ ጸዓዱ ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ መጠን ጨናዊ ውህደታት ነይርዎ።

ትንተና እቲ መጽናዕቲ፡ ጨና ኵኩዕ እዝኒ ኣብ መወዳእታ ሕማም ንምልላይ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ንምፍላጥ ዝሕግዝ ቀዳማይ ስጉምቲ ከም ዝዀነ ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ዝዀነት ዶክተር ኬት ፕሪግ ትዛረብ።

እቲ ኢንስቲትዩት፡ ብጨና ውህደታት ኵኩዕ እዝኒ ብቐሊሉ ክፍለጥ ዝኽእል ሕማም ሽንቲ ቀቁብ ሲሮፕ ዝበሃል ሳሕቲ ዝረአ ጀነቲካዊ ጸገም የጽንዕ።

ናይ ሓደ ሰብ እዝኒ ምሕጻብ ካብ ጀነቲካዊ መርመራ ምግባር ኣዝዩ ዝቐለለን ዝሓሰረን መስርሕ እዩ።

ዶክተር ኬት ሞያኣ ክሳብ ክንደይ ስግንጢር ክመስል ከም ዝኽእል ይርዳኣ’ዩ።

"ንሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ጨና ኣካላት ወዲ ሰብ ከም እትሰርሕ ምስ እትነግሮ ብሓይሊ ይስሕቕ’ዩ" ትብል።

"ኣገዳስነቱ ወይ ካብ መጽናዕትታቱ ክንደይ ሓበሬታ ክረክብ ከም ዝኽእል ክትገልጽ እንከለኻ ግን፡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ይርድኡ።"

4. ካብ ብስሪንጋ ብቫክዩም እንተተጸረገ ይሓይሽ

ካሪ ሮበርትስ ጸገም ኵኩዕ እዝኒ ነይርዋ።

ኣብ ሓፈሻዊ ሓካይም፡ እዝና ብዙሕ ግዜ ብስሪንጋ ተጸሪጉላ ነይሩ።

ውዑይ ዘይቲ ፈቲና፡ ግን ኣይሰመረን - ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኡ እዝና ተዓጽዩ።

ስለዚ ንሕክምና ማይክሮ-ሳክሽን ክትከፍል ወሲና።

ኣብዚ መስመር እዝኒ ብከም ንእሽቶ 'ቫክዩም ክሊነር' ዝኣመሰለ መሳርሒ ይጽረግ።

ካሪ ሮበርትስ፡ እቲ ኣገባብ "ተኣምራታዊ" እዩ ትብል
መግለጺ ስእሊ, ካሪ ሮበርትስ፡ እቲ ኣገባብ "ተኣምራታዊ" እዩ ትብል

ፕሮፌሰር ሻኪል ስዒድ ካብ መርፍእ ንላዕሊ ነዚ ኣገባብ ይመርጽ።

"ብመርፍእ ዓይንኻ 'ዓሚትካ' ኢኻ ትሰርሕ ዘለኻ - ብቀጥታ ዝረኣየካ ነገር የለን። ማይ እንተተጠቒምካ ነቲ ኵኩዕ ሓሊፉ ከይዱ ክምለስ ኣለዎ፤ እዚ ድማ ነቲ ኵኩዕ ምስኡ ሒዝዎ እዩ ዝምለስ" ይብል።

"ክፍተት እንተዘይሃልዩ ክሓልፍ ኣይክእልን'ዩ፤ ብግዲ ድማ ክግበር የብሉን። ብመርፍእ ኣብ ዝጽረገሉ እዋን ከበሮ እዝኒ ክጉዳእ ልሙድ'ኳ እንተዘይኰነ - ግን የጋጥም'ዩ።"

ብማይክሮ-ሳክሽን እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ምሉእ መስርሕ ንመስመር እዝኒ ብማይክሮስኮፕ እናረኣኻ እዩ ዝፍጸም።

ካሪ እቲ ኣገባብ፡ "ቃንዛ ዘይብሉ፤ ቁሩብ ጫውጫው ዘለዎን ኣዝዩ ቅልጡፍን" ምዃኑ ትዛረብ።

"ተኣምራዊ'ዩ" ክትብል ድማ ካብቲ ብስሪንጋ ዝፍጸም መስርሕ ምእላይ ኵኩዕ ኣዝዩ ዝተፈለየ ምዃኑ ትገልጽ።

5. ብከላ ንምክትታል ክውዕል ይኽእል’ዩ

ኵኩዕ እዝኒ ከም ካልኦት ብዙሓት ነዝዒ ኣካላት፡ ኣሰር ናይ ዝተወሰኑ መርዛም ነገራት ከመልክት ይኽእል’ዩ።

ግን ካብ ቀሊል መርመራ ደም ንላዕሊ ዘተኣማምንን ኣይኰነን።

ገለ ሳሕቲ ዝረኣዩ ንኵኩዕ እዝኒ ዝጸልዉ ናይ ምሕቓቕ ምግቢ ጸገማት እውን ኣለዉ።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ዝተገልጸ ሳይንሳዊ ርኽበት ኵኩዕ እዝኒ፡ ካብ ሰማያዊ ዓሳ ነባሪ ዝተረኽበ 24 ሴንቲ ሜትር ቁመት ዘለዎ ኵኩዕ መሸፈኒ እዝኒ ነይሩ።

ኣብ 1800ታት ዝነበሩ መሳርሒታት እዝኒ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1800ታት ዝነበሩ መሳርሒታት እዝኒ

ዘይከምቶም ንኵኩዕ እዝኖምን ምዉት ዋህዮታት ቆርበቶምን ዘጸርጉ ደቂ ሰባት፡ ዓሳ ነባሪ ንኵኩዕ እዝኖም ይዕቅብዎ እዮም።

ከምቲ ቀለበት ኣግራብ ኣብ ዕድሚኡ ዝነበረ ደረቕን ጥሉልን ወቕቲ ዝገልጽሉ ኣገባብ ድማ ኣብ ህይወት እቲ ዓሳ ነባሪ ዝነበሩ ፍጻመታት ይገልጽ።

እቲ ኵኩዕ እዝኒ ብሳሻ ኡሰንኮ ዝተባህለ ኣብ ዋኮ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቤይሎር ዝሰርሕ ተመራማሪ ኣከባቢ ተተንቲኑ።

ንሱን ጉጅልኡን፡ ኣብ ህይወት እቲ ወዲ 12 ዓመት ተባዕታይ ዓሳ ነባሪ ንከም ጸረ-ባልዕ ዝኣመሰሉ 16 ዝተፈላለዩ በከልቲ ተቓሊዑ ከም ዝነበረ ፈሊጦም።

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ህይወቱ ዝለዓለ ደረጃ ተቓላዕነት ነይሩ - እዚ ድማ ካብ ኣዲኡ ከም ዝሰጋገሩ ዝሕብር እዩ።

እቲ እንስሳ ኣብ ጾታዊ ብስለት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብቲ ጽላት ኵኩዕ እዝኑ ልዑል መጠን ናይቲ ጸቕጢ ዝፈጥር ሆርሞን ኮርቲሶል ተራእዩ - እዚ ንመጻምድቲ ምውድዳር ቀዳምነት ዝሃበሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ሓፈሻዊ ነጥብታት

መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ሓጋዚ ኵኩዕ እዝኒ ብኣጻብዕትና ወይ ካብኡ ዝገደደ ብጡጥ ተጠቒምና ከነጽርዮ ምስ እንፍትን ጸገም ይፍጠር።

ብዙሓት ሰባት ንእዝኖም ንምጽራይ ጡጥ ዝጥቀሙ እኳ እንተዀኑ፡ ብሓቂ ግን ኣፍረይቲ ኣብ ደጋዊ መስመር ምስማዕ ከይጥቀሙሉ ይመኽሩ።

ኣብ ፓኬት እዞም ፍርያት፡ ‘ኣብ መስመር እዝኒ ክኣቱ ከም ዘይብሉ’ ዝሕብር መጠንቀቕታ ከይተረፈ ኣሎ።

ብኣጻብዕትና ወይ ብጡጥ ተጠቒምና ከነጽርዮ ምስ እንፍትን ጸገም ይፍጠር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣጻብዕትና ወይ ብጡጥ ተጠቒምና ከነጽርዮ ምስ እንፍትን ጸገም ይፍጠር

ጡጥ ክንጥቀም እንከለና፡ ብጭቡጥ እንገብሮ ነገር፡ ንቲ ኵኩዕ እዝኒ ናብ ውሽጢ እዝኒ ብዕምቆት ምድፋእ’ዩ።

እዚ ክኸውን እንከሎ ድማ ኵኩዕ እዝኒ ኣብቶም ንነብሶም ከጽርዩ ዘይኽእሉ ክፋላት እዝኒ ስለ ዝቕርቐር ንገዛእ ርእሱ ከጽርይ ኣይኽእልን።

እቲ ዝተቐርቀረ ኵኩዕ እዝኒ ካብ ደጋዊ እዝኒ ዝመጽእ ረኽሲ ከስዕብ ዝኽእል ባክተርያ እውን ክህልዎ ይኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ ኵኩዕ እዝኒ ብጡጥ ምእላይ ንቆርበት እዝኒ ከቖጥዖ ይኽእል፤ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ዝያዳ ኣጻብዕቶም ክጥቀሙ የተባብዖም፤ ዕሱብ ዑደት ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ኵኩዕ እዝኒ ኣዝዩ ናብ ውሽጢ እዝኒ እንተኣትዩ፡ ከበሮ እዝኒ ክብሳዕን ሃንደበታዊ ቃንዛ፡ መፍሰስቲ ደምን ግዝያዊ ምንካይ ክእለት ምስማዕን ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

ንቃንዛ ዘለዎ ረኽሲ እዝኒ’ውን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ኣሎ።

ኵኩዕ እዝኒ ምልክት ድኹም ጽሬት ኣይኰነን።

ኣብዚ’ዩ ገለ ዘይምርድዳእ ዝረአ ዘሎ ዝመስል።

ሰም እዝኒ ዝሃለወሉ ግቡእ ምኽንያት ኣሎ። ገለ ካብ ረብሓታቱ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ኵኩዕ እዝኒ፦

  • ተፈጥሮኣዊ ራሕሲ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዘሎ ቆርበት ኣዝዩ ከይነቅጽ ይከላኸል
  • ርስሓትን ዶሮናን ናብቲ ዕምቆት እዝኒ ንኸይኣትዉ ከም መጻወድያ የገልግል
  • ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበትን ርስሓትን ይመጥጥን
  • ባክተርያን ካልኦት ተላባዕቲ ፍጥረታትን ናብ ውሽጣዊ እዝኒ ከይበጽሑ ይከላኸልን