ክብደት ንምንካይ ዝሕግዝ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኣሜሪካ ተቐባልነት ዝረኸበ ክብደት ንምጕዳል ዝሕግዝ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ኣፍልጦ ረኺቡ።
ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ልህቀት ጥዕናን ክንክንን - ኒስ [National Institute for Health and Care Excellence (NICE)]፡ እቲ ‘ዌጎቪ’ ብዝብል ስያመ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ ‘ሴማግሉታይድ’ ዝተበሃለ መድሃኒት ውሑስ፡ ውጽኢታውን ብዋጋ ተመጣጣኒን ምዃኑ ደምዲሙ።
ብመርፍእ ናብ ቆርበት ክበጽሕ ዝግበር እዚ መድሃኒት፡ ሰባት ዝያዳ ጽጋብን ዕግበትን ክስምዖም ስለ ዝገብር ውሑድ መግቢ ዝምገቡሉ ኵነታት ይፈጥር።
ከም በዓል ኢሎን መስክ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት እውን ከምዝተጠቐሙሉ ይዝረብ።
ለውጢ ኣብ ኵነታት ናብራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዝተረኽበ መርትዖታት ብምብጋስ፡ ሰማግሉታይድ ጐድኒ ጐድኒ ለውጢ ኣመጋግባን ኣነባብራን ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሉ፡ ሰባት ክብደቶም ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ክንክዩ ክሕግዞም ከምዝኽእል እቲ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ይገልጽ።
እንተወሓደ ምስ ክብደት ዝተኣሳሰር ጸገም ጥዕና ንዘለዎም ሰባት ከምኡ’ውን ነቶም ብመዐቀኒ ‘ቦዲ ማስ ኢንዴክስ - BMI’ (ክብደት ምስ ቍመት ብምንጽጻር) ናብ ደረጃ ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ዝምደቡ ሰባት ክጥቀሙሉ ዝምከር እዩ።
‘ቦዲ ማስ ኢንዴክስ - BMI’ ክብደት ሓደ ሰብ ብትርብዒት ቍመቱ መቒሉ ኵነታት ቅኑዕ ክብደት ሰብነት ዝሕብር ኣሰራርሓ እዩ።
ስለዚ እቶም በዚ መዕቀኒ ተዓቂኖም ምስ ክብደት ዝተኣሳሰር ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት እቲ መድሃኒት ክቐርበሎም ይኽእል እዩ።
ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ልህቀት ጥዕናን ክንክንን - ኒስ [NICE]፡ ነዚኦም ኣብ ቅድመ ሕማም ሽኮር ዝርከቡ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ልቢ ዘለዎም ወይ ኣብ እዋን ድቃስ ምቍራጽ ምስትንፋስ ዘጋጥሞም ሰባት ኢሉ ይዝርዝሮም።
ኣብ ኒስ ዳይረክተር ምርመራ ኣፋውስ ሄለን ናይት፡ “ንገለ ሰባት ጉዳይ ምንካይ ክብደት ዓቢይ ብድሆ እዩ፤ ነዚ ድማ እዩ ከም ሰማግሉታይድ ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ዘድልዩ” ክትብል ኣረዲኣ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዝውጋእ መርፍእ ‘ዌጎቪ’ ብሓካይም ክእዘዝ ዘለዎ ኰይኑ፤ ሓደ ውልቀሰብ እንተበዝሐ ንኽልተ ዓመት ጥራይ እዩ ነቲ መድሃኒት ክወስዶ ዝኽእል።
እቲ መድሃኒት ሸውሃት ብምንካይ እዩ ዝሰርሕ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ ርብዒ ካብ ኣባጽሕ ከሳዓት ክዀኑ ከለዉ፤ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ድማ ልዕሊ ክብደት ከምዝዀኑ ወግዓዊ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።
ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዓመታዊ 6.1 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ከምዝሓቶ መንግስቲ ብሪጣንያ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







