ካብ ኣካላትና ስብሒ ብዛሕሊ ብኸመይ ይውገድ? ሓደጋ'ኸ ኣለዎ’ዶ?

ዘይተደለየ ስብሒ ብዛሕሊ ካብ ኣካላት ክውገድ ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዘይተደለየ ስብሒ ብዛሕሊ ካብ ኣካላት ክውገድ ይኽእል

ብተለምዶ ስብሒ ምቕዛሕ (fat freezing) ብዝብል ዝፍለጥ ክራይዮሊፖሊሲስ፡ ዛሕሊ ተጠቒምካ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣካላትና ዘሎ ስብሒ ምንካይ ማለት እዩ።

ብኻልእ ኣገላልጻ ብዘይ መጥባሕቲ ዝግበር ስብሒ ናይ ምንካይ መስርሕ እዩ።

ካብ ኣካላትና ስብሒ ብምእላይን ክሳብ 25 ሚእታዊት ስብሒ ምንካይ ከም ዝከኣል ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክብደቶም ክቕንሱ ድልየት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዙሕ ጻዕሪ ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይሓትት ብምዃኑ ድማ ብዙሓት ክመርጽዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ግን እዚ ኣገባብ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ? እንታይ ሓደጋታትከ ክህልዎ ይኽእል?

ኣብ 2021 ሱፐርሞዴል ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ኣሉታዊ ምላሽ ኣብ ኣካላ "ቀዋሚ ምብልሻው" ከምዘጋጠማ ገሊጻ ነይራ።

ሊንዳ፡ ቅድሚ 5 ዓመት ኣብ ዘካየደቶ መስርሕ ምንካይ ስብሒ ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘጋጠማን ብሓቂ ዋህዮታት ስብሒ ኣካላታ ከም ዝወሰኹን ገሊጻ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ከም ዝረሓቐት ንኣድነቕታ ከም ዘረድአት ይዝከር።

እቲ ኣገባብ ብኸመይ ይሰርሕ?

እቲ መመላኽዒ ሕክምና፡ ክራይዮሊፖሊሲስ ኣብ ዝበሃል ሜላ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ዋህዮታት ስብሒ ብሓያሎ ክዝሕሉን ክጠፍኡን ምግባር እዩ።

እቲ ኣገባብ ንዋህዮታት ስብሒ ዒላማ ገይሩ ክዝሕሉን “ክሞቱን” ይገብር። ድሕሪኡ እቶም ዝሞቱ ዋህዮታት ብናይ ኣካላት ስነ-ህይወታዊ መስርሕ ይሓልፉ’ሞ ብጸላም ከብዲ ኣቢሎም ይውገዱ።

ዋህዮታት ስብሒ ካብ ዋህዮታት ቆርበት ንላዕሊ ንሙቐት ዝለዓለ ተኣፈፍቲ ኣለዎም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ቆርበት ኣይጉዳእን።

እዚ ኣገባብ፡ ብኣመጋግባ ወይ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ክእለ ዘይክእል እኩብ ስብሒ ዒላማ ይገብር።

ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ፡ ኣብ ዙርያ ሰለፍ፡ ከብዲ፡ ሕቖ ወይ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽም ዝርከብ ስብሒ ምውጋድ ይከኣል።

ግን ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ኣገባብ ኣይኮነን። ንኣብነት ንረጎድቲን ክብደቶም ክቕንሱ ዝደልዩን ሰባት ኣይምቹእን። ሳዕቤን’ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣገባብ እንታይ እወታዊ ጎኒ ኣለዎ?

እቲ ሕክምና ብተዛማዲ ቅልጡፍ፡ መጥባሕቲ ዘየጠቓልልን፡ ብመደንዘዚ ዝካየድን ስለዝኾነን፡ ብብዝሒ ተፈታዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ስብሒ ኣካላት ብዝቐልጠፈ መንገዲ ክቕንሱ ዝደልዩ ሰባት’ውን ነዚ ኣገባብ ይመርጹ።

ንምሕዋይ እውን ሓጺር ግዜ እዩ ዝወስድ።

እቲ መስርሕ ዘድልዮም ሰባት ተመላላስቲ ተሓከምቲ ስለ ዝኾኑ ድሕሪ እቲ ሕክምና ወይ ንጽባሒቱ ናብ ስርሖም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።

ከከም ኩነታቱ፡ እዚ ኣገባብ ዝተጠቐሙ ሰባት ክሳብ 25 ሚእታዊት ስብሒ ክቕንሱ ከም ዝኽእሉ ክሊኒካዊ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ርኡይ ውጽኢት ዝደልዩን ዓማዊል ዝስሕብ’ዩ።

ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ፡ ኣብ 2021 ብሰንኪ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ኣሉታዊ ምላሽ ኣካላታ ከም ዝተበላሸወ ገሊጻ

ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል ድዩ?

"ሰባት ብዘይ መጥባሕቲ ዝካየደ [ሕክምና] ኹሉ ውሑስ ይመስሎም - ግን ናይ ግድን ከምኡ ኣይኮነን" ይብል ፕሮፌሰር ኣሽ ሞሳሄቢ፡ ሓኪም ፕላስቲክ መጥባሕትን ኣባል ማሕበር ስነ-ጽባቐ ፕላስቲክ መጥባሕቲ ብሪጣንያንን።

ከም ኩሎም ካልኦት ኣገባባት፡ እዚ መስርሕ'ውን ሓደጋታት ከምዘለዎ ይገልጽ።

ሓደ ካብቶም ሳሕቲ ዘጋጥሙ ጎናዊ ሳዕቤናት፡ እቲ ስብሒ ኣብ ክንዲ ዝመክኽ መጠኑ ክውስኽ ምኽኣሉ እዩ።

እዚ ኩነታት ፓራዶክሲካል ኣዲፖስ ሃይፐርፕላዝያ ይበሃል። ንምንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ዋህዮታት ስብሒ ግን ንኽዓብዩ ይተባብዑ። ውጽኢቱ ድማ ኣንጻር እቲ ዝተሓሰበ ዕላmኣ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሳሕቲ ዝረአ ናይ መመላኽዒ ጎናዊ ሳዕቤን እቲ ሕክምና ከም ዘጋጠማ ኣፍሊጣ ነይራ።

ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ፡ ኣብ 2022 ብድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ጎናዊ ሳዕቤን ንፈለማ እዋን ኣብ ገጽ ቮግ መጽሔት ተራእያ

ምንጪ ስእሊ, STEVEN MEISEL/PA WIRE

መግለጺ ስእሊ, ሊንዳ ኢቫንጀሊስታ፡ ኣብ 2022 ብድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ጎናዊ ሳዕቤን ንፈለማ እዋን ኣብ ገጽ ቮግ መጽሔት ተራእያ

ኢቫንጀሊስታ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ንምእራም ክልተ ስቓይ ዝመልኦ መጥባሕቲ ከም ዝተገብረላ፡ እንተኾነ ግን "ዘይዕውት" ብምዃኑ "ቅርጻ ከም ዝተበላሸወ" ገሊጻ።

ንሳ፡ ኣብ ኣካላ ዝነበሩ ዋህዮታት ስብሒ ብሓቂ ከም ዝወሰኹን ንነብሳ ክሳብ እትዝጸልእ ኣዝዩ ልዑል ጭንቀት ከም ዘትረፈትን ገሊጻ።

ስእላ ኣብ 2022 ብድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ጎናዊ ሳዕቤን ንፈለማ እዋን ኣብ ገጽ ቮግ መጽሔት ተራእዩ።

እቲ መስርሕ ሕክምና ዘስዓቦም ጸገማት ንምሕባእ ገጻ፡ መንጋጋኣን ክሳዳን ብተመጣጢ ላስቲክ ድሕሪት ተሳሒቡ እያ ተሳኢላ።

ኣብቲ እዋን ኢቫንጀሊስታ፡ "ኣብ ሓቀኛ ህይወተይ ዘሎ መንጋጋይን ክሳደይን ኣይኮነን - ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ብተመጣጢ ላስቲክ ክዘውር ኣይክእልን እየ" ኢላ ነይራ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ዝያዳ ግዝያው ጎናዊ ሳዕቤናት'ውን ክህልዉ ይኽእል። ገለ ካብዚኦም ምድንዛዝ፡ ስንብራት፡ ነድሪ፡ ቍጥዐ፡ ሕበጥ ስሓን ቃንዛ መንከስቲ ይርከብዎም።

ገለ ዓማዊል ድሕሪ ሕክምናኦም ልዑል ተነቃፍነት ቆርበት ከም ዝረኣዩ ይሕብሩ።

ኣገዳሲ ምኽሪ?

እዚ ሕክምና ብሓካይም ዝወሃብ ኣይኮነን፤ ስለዚ ቅድሚ ነቲ ሕክምና ምምራጽና ብዝተኻእለካ መጠን ብዛዕብኡ ኣጸቢቕና እንተፈለጥና ዝሓሸ ይኸውን።

ፕሮፌሰር ሞሳሄቢ ከም ዝብሎ፡ ከም ብቑዕ ሓኪም ዝኣመሰሉ ብዛዕባ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ትኽክለኛ ምኽሪ ዝህብ ምኩር፡ እሙንን ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎም መሳርሒታት ዝጥቀምን ሰብ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ።

"ምሉእ ሓበሬታ ምርካብ ከምኡ’ውን ድሩትነቱን ሓደጋታቱን ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።