ብጉልባብ መመላኽዒ፡ ኣብ ኦንላይን ድኳን ዝኸፈተት መንእሰይ ተሸሊማ

ምንጪ ስእሊ, Krystyna Paszko
ብቐጻሊ ጸብጻብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝተረበሸት ትሕተ ዕድመ ፖላንዳዊት ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ክርስትያና ፓስዝኮ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ሓዳርን መጻምድትን ዘጋጥም ዕርግር ብምውሳኹ፡ ነቶም ኣብ በቤተን ኮይነን ዝሳቐያ ግዳያት ደቀንስትዮ ንምድሓን ኣብ ኢንተርነት ናይ ሓሶት ድኳን ከፊታ።
እቲ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ከኣ ብሕብረት ኤውሮጳ ዓሰርተ ሽሕ ዩሮ ገንዘብ ተሸሊማ።
ክርስትያና ግን እንታይ እያ ገይራ?
"ብመጀመርታ ኣብ እዋን ዕጽዋ ለበዳ ዘቤታዊ ጎነጽ ምውሳኹ ሰሚዐ ። ዳሕራይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝማዕበለ፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ ካብ ፋርማሲ ንምሉእ ገጸን ዝሽፍን ማስክ ከምዝዕድጋን እቶም ፋርማሲስት እውን ከምዝርድእዎን ፈሊጠ” ትብል ክሪስቲና ፓስዝኮ።
“ ካብኡ ኣነስ መመላኽዒ ደኣ ዘይሸይጥ ዝብል ሓሳብ ኣማዕቢለ” ትብል ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ክሪስቲና፡ ኣብቲ ግዜ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ እያ ነይራ፡ ብካሞሚላን ፓንሴስን” ናይ ሓሶት መመላኽዒ ንምሽጣ ዱካን ክትከፍት ወሲና። እቲ ሓሳብ ከኣ እተን ግዳያት እቶም ዘጥቅዑወን ከይፈለጡ፡ ካብቲ ናይ መርበብ ዱኳና መመላኽዒ ይእዝዛ እሞ ንሳ ከኣ ኣድራሸአን ንፖሊስ ብምሃብ ካብ ዓመጽተን ተገላግለን።
ሓንቲ ግዳይ ክሬም ክትዕድግ ምስ ሓተተት፡ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ከም ሸያጢ መመላኽዒ ተመሲሉ እቲ "ናይ ቈርበት ጸገም" ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸንሐ ፡ ወይ እቲ እተተንከፈ ቈርበት ኣልኮል እንተነጢቡዎ ከመይ ከምዝገብረን ይሓትት ። ሓንቲ ሰብ ክሬም ኣዚዛ ኣድራሻኣ ከኣ እንተገዲፉ፡ ጸገም ከምዘለዎ ዝሕብር ኮድ ብምዃኑ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ናብ ገዝኣ ብምኻድ ይሓቱን የጻርዩን።
ድኳን ክሪስቲና ንብዙሓት ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ምስ ሰበ-ስልጣን ከምዝራኸባ ብምግባር ክሕግዝ ጀሚሩ።
ክሪስቲና ብዛዕባ መደባ፡ ኣብ ፈይስቡካ ብጋህዲ ምስ ጸሓፈት ሕቶታት በዝሓ ።
"ብቐረባ ንዝፈልጦም ኣዕሩኸይን አዕሩኽቶምን እንተሓገዝኩ ኢለ እየ ጀሚረዮ እንተኾነ ገፊሑን ሰፊሑን” ትብል።
ክሪስቲና ኣብቲ ጉዳይ ተገዳስነት ስለ ዘሕደረት፡ ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ትካል ፖላንድ ብምዝርራብ ሓገዝ ሓተተት። ሓገዝ ረኺባ ከኣ፡ ክኢላታት ስነ ኣእምሮን ጠበቓታትን ምስቲ ዌብ ሳይታ ክዓዩ ጀሚሮም።
እቲ ድኳን ካብ ዝኽፈት ልዕሊ 350 ሰባት ነቲ ዌብ ሳይት ተጠቒመናሉ። መብዛሕትአን ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚአን ግዳያት መንእሰያት እየን። ፡ ኣስታት 10% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
ክሪስቲና ኣብ ስካውት ብዝነበራ ተራ እያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ተገዳስነት አሕዲሩላ። ንሳ ንስካውት ጉጅለ ዋርሳው ትመርሕ፡ ንፈይስቡክ ድማ ንክብሮም እያ ወፍያቶ።
"ንሓያሎ ዓመታት ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ተገዲሰ እየ ፣ ብዛዕባ ወሰኽ ዘቤታዊ ዓመጽ ምስ ኣንበብኩ ድኳን መመላኽዒ ሓሶት ክኸፍት ወሲነ። ኣብ እስካውት ዝገብሮ ንጥፈታት እዩ ንኻልኦት ክሕግዝን ብዛዕባ ዓለም ክግደስን ከምዘለኒ ምሂሩኒ "ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Krystyna Paszko
እዚ ተበግሶ ሓደ ካብቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ 23 ፕሮጀክትታት ናይ ሲቪል ሶሊዳሪቲ ኮይኑ፡ ንሳዕቤናት ኮቪድ-19 ዝጣበቓ ሲቪካውያን ማሕበራት 10,000 ዩሮ ሽልማት ንምሃብ ዝተዳለወ መደብ ውድድር እዩ።
ፕረዚደንት ማእከል መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኡርሱላ ናካኮውስካ ብፕሮጀክት ክሪስቲና ኣዝያ ከም እተመሰጠት ትገልጽ። ዝሓለፈ ዓመት ወግዓዊ ናይ ፖሊስ ሓበሬታ ዘቤታዊ ጎነጽ ከምዝወሰኸ ኣየርእን እዩ። እንተኾነ እቲ ናብ ዱካን መመላኽዒ ሓሶት ክርስቲና ዝድወል ቴሌፎናትግን እቲ ጎነጽ ምስ 2019 ክነጻጸር እንከሎ ብ50% ከምዝወሰኸ እዩ ዘርኢ ኢላ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ፡ ናይ ፖላንድ ሚኒስተር ፍትሒ ዚቢግንየቭ ዚዮብሮ፡ "ስነ-ሓሳባዊ" ተፈጥሮኣዊ ባህላዊ ሞዴል ስድራ ቤት ፖላንድ ኣብ ሓደጋ መታን ከይወድቕ፡ ፖላንድ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝወርድ ዘቤታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ንምክልኻልን ንምውጋድን ዝምልከት ዋዕላ ኤውሮጳ ክትወጽእ ክትዳሎ ኣለዋ ኢሉ ነይሩ።
ብድሕርዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ማተዩስ ሞራዊኪ ነቲ ጕዳይ ንምውሳን ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ፖላንድ ሓቲቱ ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣገልግሎት ፍትሒ ፖላንድ፡ ፖሊስ ነቶም በደል ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ቤት ከም ዝስጐግ ዝገብር ሕጋዊ ምምሕያሽ ገይሩ ።
ይኹን እምበር እቶም ካብ ቤቶም ዝተሰጉ ነቶም ዘጥቅዑወን ግዳያት፡ ካብ ቤት ወጻኢ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ምምልላስ ደቀን ካብን ናብን ቤት ትምህርቲ ስለዝረኽቡወን ምሉእ ፍታሕ ከምዘይኮነ ሚስተር ሚሳኮስካ ይገልጽ።
ው.ሕ.ሃ. ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ብዛዕባ እቲ ዓለምለኻዊ ወሰኽ ዘቤታዊ ጐነጽ "ናይ ጽላሎት ለበዳ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ፖላንድ፡ ብ2010 "ብሉ ካርድስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንግህሰት ዓመጽ ዝቆጻጸር ኤጀንሲታት ኣተኣታትያ ነይራ ግን ብዙሕ ኣይሰርሐን።
"ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት እተዓዘብክዎ ነገር ፡ ሰባት ንዘቤታዊ ግጭት ከም ንቡር ምግርጫው እምበር ከም ገበን ኣይርእዩዎን እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ ከኣ እዩ ነቲ ነገር ኣሻዲኑዎ።” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ ።
ኣብ ፖላንድ ዓመታዊ ኣስታት 70,000 ሰባት ዘቤታዊ ዓመጽ የጋጥሞም ፡ ካብዚኦም ካብ 13-14,000 ጥራይ እዮም ከኣ ከም ገበናት ዝቝጸሩ ።
ክሪስቲና ነቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሲቪል ሶሊዳሪቲ ሽልማት ከም ዝተዓወተት ምስ ፈለጠት ኣብቲ ናይ ግህሰት ጉዳይ ነጠብጣብ ብርሃን ይበርህ ምህላዉ ኣሐጒስዋ ። "እዚ ጸገም ንህዝቢ ይርድኦን የተሓሳስቦን ኣሎ።” ኢላ።
ንሳ እውን ነቲ ተበግሶ ብምውሳዳን ኣበርቲዓ ብምጽዓራን ሕጉስቲ እያ። እቲ ነገር ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ክሰፍሕን ክቕጽልን ከኣ ትምነ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







