ሚስጥር ናይቲ ኣብ ቲክቶክ ብዙሓት ዘዘራረብ ዘሎ ማስካራ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቲክቶክ ትከታተሉ እንተኾይንኩም ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ማስካራ ክዛረቡ ርኢኹም ትኾኑ ኢኹም።
እንተኾነ ግን እቲ ወግዒ ብዛዕባ ኩሕለ-ምሕሊ ወይ ሜክኣፕ ኣይኮነን።
ሰባት ብዛዕባ ርክባት ንምዝራብ እዮም ማስካራ ዝብል ቃል ዝጥቀሙ ዘለዉ፤ እዚ ድማ ካብ መጽረዪታት ቲክቶክ ንምምላጥ ዝግበር ጻዕሪ እዩ።
እቲ #ማስካራ ዝብል ሓፈሻዊ ኣንፈት (ትረንድ) ቅድሚ ሒደት ሰሙን ዝተበገሰ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ብልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ተራእዩ ኣሎ።
እቲ ምስጢራዊ ኮድ ክጅመር ከሎ ብዙሓት ክደናገሩ ገይሩ እዩ፡ ድሕሪኡ ተዋሳኢት ጁልያ ፎክስ ዘጋጠማ ንእሽቶ ጸገም ስዒቡ ዘይተሓሰበ መቐይሮ ረኺቡ።
ንምዃኑ ግን ብዛዕባ እንታይ እዩ?
ብኸመይ ተጀሚሩ?
ኣብ መጀመርታ እቲ ሓፈሻዊ ኣንፈት ማስካራ ጥዑይ እዩ ነይሩ።
ተጠቀምቲ መብዛሕትኡ ግዜ እታ ኮንስተሌሽንስ እትብል ደርፊ ዳስተር ተጠቒሞም ብዛዕባ ምስ መጻምድቶም ዘለዎም ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተመኩሮታት ዝገልጹ ቪድዮታት ይልጥፉ ነይሮም።
ሓደ ካብ 14 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ ማስካራኡ ይጥቀም ከም ዝነበረን ብምግላጽ፡ "ኣብ ካልእ ቦታ ከምኡ [ከም ማስካራኡ] ዝበለ የለን" ይብል።
ገሊኦም ኣብ ፍቕሪ ክንድዚ ዕድለኛታት ኣይነበሩን።
ካልእ ድማ፡ "ጸጉረይ ምሉእ ብምሉእ ክረግፍ" ድሕሪ ምግባሩ፡ "ንካልእ ማስካራ ንኽኣምን" ከም ዝጽገም ገሊጹ።
ብኸመይ ይቕጽል ኣሎ?
ከም ብዙሕ ሓፈሻዊ ኣንፈታት፡ ማስካራ'ውን ነዊሕ ከይጸንሐ ጾታዊ እናኾነ ከይዱ።
ማስካራን ዘንጊ ማስካራን፡ ንሓደ ዝተወሰነ ክፍሊ ኣካላት ዝውክሉ ኮድ ቃላት ኮይኖም። ገለ ሰባት ብዛዕባ ዓቐን ዘንጎም ከይተረፈ፡ ወይ ማስካራኦም ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሕ ክዛተዩ ጀሚሮም።
ድሕሪኡ፡ እቶም "ኣብ ዝፈልጡ" ምድብ ዘለዉ ጥራይ ብዝርድእዎ መንገዲ፡ ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕትን በሰላ ማህሰይቲን ዝምልከቱ ዘተታት ተቐልቂሎም።
ውሑዳት ሰባት ቁሩብ ዘደናግር ምዃኑ ኣማርሪሮም።
እዚ ምድንጋር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተዋሳኢትን ሞዴልን ጁልያ ፎክስ ሓደ ጌጋ ክትፍጽም ደሪኽዋ፤ ኣብ ሓደ ነዚ ኣማራጺ ትርጉም ዝጥቀም ቪድዮ ርእይቶ ሂባ።
እቲ ተጠቃሚ፡ ማስካራኡ "ብዘይ ፍቓደይ" ተፈቲኑ ክብል ለጢፉ።
ጁልያ ድማ "ኣይ-ዲ-ኬ (ኣይፈለጥኩን) ግን ኣይድንግጸልካን እየ ኤል-ኦ-ኤል (ኣዝየ ስሒቐ)" ክትብል መሊሳትሉ።
ብዙሓት ሰባት በቲ ርእይቶ ንክነቕፍዋ ግዜ ኣይወሰዱን።
ጌጋኣ ምስ ተረድአት ይቕሬታ ሓቲታ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ሜክኣፕ ዝዛረቡ ዘለዉ እዩ መሲልዋ ነይሩ።
ኣልጎ ትዛረቡ ዲኹም?
ኣብ ቲክቶክ ኮድ ቃላት ምጥቃም ልሙድ እዩ፤ ንኣብነት ከም grape - rape - and unalive - suicide - ዝኣመሰሉ ቃላት ብቐጻሊ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይረኣዩ።
ኩሎም እዞም ቃላት ቲክቶክ ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ቋንቋን ትሕዝቶን ምእጋዱ ስዒቡ ዝመጹ እዮም። ሰባት ካብ ሳንሱር ቲክቶክ ኣምሊጦም ብዛዕባ ተኣፈፍቲ ኣርእስታት ንምዝራብ ይጥቀሙሎም።
እዚ ብሰንኪ ጽኑዕ ስርዓታት ዝማዕበለ ቋንቋ፡ ብቴይለር ሎረንዝ ዝተባህለት ሪፖርተር ዋሽንግተን ፖስት "ኣልጎስፒክ" (ኣልጎሪዝም ስፒክ) ዝብል ስም ተዋሂብዎ።
ኮድ ቃላት ኣብ ኢንተርነት ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ሰባት OMG፡ LOL ወይ IKR እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይፈልጡሉ እዋን ነይሩ።
ካብቶም "ኣብ ዝፈልጡ" ምድብ ዘለዉ እንተኾይንኩም ድማ፡ ብዙሕ ዘደናግረኩም ነገር የለን።
ከምቲ ሓደ ተጠቃሚ ዝጸሓፎ፡ "ከም 'unlive' ዝኣመሰሉ ቃላት ዝጸልእ’ኳ እንተኾንኩ፡ እቲ ቃል እንታይ ማለት ምዃኑ ግን ኣየጋግይን። SA እንተኢልካ፡ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ (sexual assault) እዩ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ ጉግል ደልየ ክረኽቦ እኽእል እየ።"
እንተኾነ ግን፡ ኣብ #mascaratrend ፍሉይ ጸገም ከም ዘሎ የመልክት።
"ማስካራ ጉግል እንተገይረ፡ ዝረኽቦ ጭቡጥ ማስካራ ጥራይ'ዩ፡ ምኽንያቱ ኩባንያታት ሜክኣፕ ንቀዳማይ ገጽ መወዓውዒ ዓቢ ገንዘብ ይኸፍላ እየን" ይብል።
ክኢላታትከ እንታይ ይብሉ?
ክኢላ በሰላ ማህሰይቲ ዳኒ ግሪቭስ፡ ቲክቶክ በሰላ ማህሰይቲ ዘስዕቡ ተመኩሮታት ብግቡእ ንምክፋል ድኹም መሳርሒ ምዃኑ ይገልጽ።
ንሱ፡ ኮድ ቃላት ንሓደ ኣርእስቲ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ስለዝውከሱን "ስምዒታዊ ትርጉሙ" ስለዝኣልዩን "ብድሆ" ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ርህራሄ፡ ምርድዳእን ተኣፋፍነትን ዝጠልቡ ኣርእስታት ኣገዳስነት ዘይብሎም ይኾኑ።"
"እዚ ምስ ዘጋጥም ከም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም መሪርን ዘሕዝንን ፍጻመታት ኣገደስቲ ኣይኾኑን" ክብል ይውስኽ።
ናይ ትምህርትን ህጻናትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ዶክተር ኣማንዳ ፉርነስ ግን ከም ዳኒ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኣይኮነትን።
ዶክተር ኣማንዳ፡ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ቋንቋ መንእሰያት ብዛዕባ ተመኩሮታቶም ዝያዳ ብግልጺ ክዛተዩ ከኽእሎም ይኽእል እዩ ትብል።
"ግን ምድንጋር ዝመልኦ መልእኽቲ ከመሓላልፍን ግጉይ ትርጉም ክህብን ይኽእል'ዩ።"
ብተወሳኺ፡ "መጀመርያ መንእሰያት ብዛዕባ ተመኩሮታቶምን ኣካላቶምን ሰባት ብሓፈሻ ብዝርድእዎ መንገዲ ክዛረቡ ምቾትን ውሑስነትን ክስምዖም ምግባር'ዩ" ትብል።
ሓደ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትዝርግሑ ከለኹም ናብ መን ከም ዝበጽሕ ምቁጽጻር ዘይከኣል ምዃኑ ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ ዶክተር ኣማንዳ ተዘኻኽር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







