ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተሓብኡ ቪድዮታት ዘይንቡር ጾታዊ ድሌታት

ምንጪ ስእሊ, TIKTOK
ምናልባት ኣብ ቲክቶክ ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተለጠፉ ዘይተለምዱ፡ ናይ ዕሽነት ዝመስሉ ቪድዮታት ርኢኹም ክትኮኑ ትኽእሉ።
ጥራሕ እግሮም ናብ ሲሊኮን ክኣትው፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣጻብዕተን ገለ መግቢ ክለኽያ - ምናልባት እዚ ንደረቕ ቆርበት ንምሕካም ዝዓለመ ይመስል።
እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝኾነ ዕማም ብቐሊሉን ብብቕዓትን ንምፍጻም ዝሕግዝ ቀሊልን ውሕሉልን ምኽሪ "ፍታሓት"፡ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ፍጹም ዘይትግበሩን ትርጉም ዘይብሎምን እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እዞም ትሕዝቶታት ኣብ ኢንተርነት፡ ንገለ ዘይንቡር ጾታዊ ድሌት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብስዉር መንገዲ ዝቐረቡ ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ሕቶታት ኣልዒሎም ኣለዉ።
ኣብ ትሕቲ እዘን ቪድዮታት ዘሎ ርእይቶታት እንተርኢኹም ብዙሓት ሰባት ካልእ ነገር ከምዘሎ ክሕብሩ ክትዕዘቡ ኢኹም።
መምርሒታት ቲክቶክ "ዘይንቡር ጾታዊ ባህጊ ዝገልጽ ትሕዝቶ" ይእግድ። እቲ ትካል ግን ነተን ንጠቕሰን ዘለና ቪድዮታት ድሕሪ ምግምጋሙ ሕግታት ከም ዘይጥሕሳ ይገልጽ።
ሓደ ስሙ ዘይንገልጾ፡ ካብቶም ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ዓበይቲ ኣካውንትታት 11 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዎ፡ ቪድዮታቱ ድማ ብድምር ብ163.8 ሚልዮን ሰባት ዝተፈተዉ እዮም።
'ዝደብዘዙ መስመራት’
ጸሓፊት፡ ጋዜጠኛን ክኢላ ስነ-ጾታን ዝኾነት ኣሊክስ ፎክስ፡ ካብዞም ቪድዮታት ዝተወሰኑ ክትርእይ ሓቲትናያ።
ብዙሓት ኣብ እግሪ ዘተኮሩ እዮም- ንገለ ሰባት ፍሉጥ ዘይንቡር ባህጊ እዩ። ካልኦት ግን ዝያዳ ንጹር ኣይኮኑን።

ምንጪ ስእሊ, TIKTOK
ንኣብነት፡ ሓደ ቪድዮ ጂንስኹም እንተዘይኣኺልኩም፡ ምእንቲ ክርሕስን ንላዕሊ ንምስሓብ ክቀልልን ተኸዲንክሞ ናብ ሻወር ክትኣትዉ ከም እትኽእሉ ይሕብር።
ኣሊክስ ከም ምግናን፡ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ኣካላት ምትኳር፡ ኣጠቓቕማ መግብን ዘይጽሬትን፡ ትጽቢትን ውርደትን ዝኣመሰሉ ቴማታት ኣስተብሂላ፤ እዚኦም ኩሉም ድማ ምስ ዓይነታት ዘይንቡር ጾታዊ ድሌታት ዝተኣሳሰር እዮም ትብል።
እተን ነዞም ቪድዮታት ዝልጥፋ ኩባንያታት እንታይ ዓይነት ሰባት ክስሕባ ከም ዝኽእላ ይፈልጣ እየን ክትብል ሓቢራትና።
ዝተወሰኑ ዓይነት ቪድዮታት ዝያዳ ተመልከቲ ከም ዝረኽቡ "ከይፈለጡ ክሓልፎም ኣይኽእልን" ትብል።
ኣብ ትሕቲ እተን ቪድዮታት ዘሎ ርእይቶታት እንተ ኣንቢብኩም፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ትሕዝቶ ዘይንቡር ጾታዊ ባህጊ ይዕዘቡ ከም ዘለዉ ዝኣመኑ ይመስሉ።
ኣሊክስ፡ ገና 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት “ሓተታን ዘተን ዓይነታት ስነ-ስርዓት ጾታዊ ርክብ ክዕዘቡ ምኽኣሎም" ዘተሓሳስብ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ናብ መርበባት ምስለ-ጽዩፍ ከይተረፈ ክመርሖም ከም ዝኽእልን ትኣምን።
"መንእሰያት፡ ኣብ ኢንተርኔት፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ምስ ጾታዊ ርክብ ንዝተኣሳሰሩን ዘደናግሩን ትሕዝቶታት ይቃልዑ ኣለዉ" ትብል።

ከምዚ ዝበለ ትሕዝቶ ኣዝዩ ተፈታዊ እናኾነ ብምምጽኡ ዝተለዓለ፡ 'ፖርን-ሃብ' ዝተበሃለ ናይ ምስለ-ጽዩፍ መርበብ ሓበሬታ ብስም እዞም "ስራሕቲ" ዝተሰየመ ክፍሊ ኣዳልዩ እዩ።
ግን፡ ኣሊክስ፡ ንዘይንቡር ጾታዊ ድሌት ዘለዎም ሰባት ዝተዳለዉ ምዃኖም "ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ትብል።
"ኣብ መንጎ እቶም ዘይንቡር ጾታዊ ባህጊ ዘለዎ ሰብ ከም ዝዕዘቦም ዝፍለጡ ቪድዮታትን እቶም ፍጹም ኣጋጣሚ ዝኾኑን ዘለዉ መስመራት… እናደብዘዙ ይኸዱ ኣለዉ።"
ኣሊክስ፡ ኣብ መንጎ እዞም ቪድዮታትን "እቶም ምስሊታት ስእለ-ጽዩፍን" መወዳእታ ዘይብሉ ተመሳሳልነት እኳ እንተሃለወ፡ ገለ ሰባት ነዞም ዕሽነት ዝመልኦም ቪድዮታት ከም መዘናግዒ ጥራይ ክርእይዎም ከም ዝኽእሉ ትኣምን።
"ሓደ ዝኾነ ዕማም ብቐሊሉን ብብቕዓትን ንምፍጻም ዝሕግዝ ቀሊልን ውሕሉልን ምኽሪ ሕማቕ ከም ዝኸውን እንተፈሊጥካ፡ ኣብ ዝርዝር እትገብሮም ነገራት ክተእትዎም ከም ዘለካ ከይተሰምዓካ ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, TIKTOK
ገለ ካብዞም ቪድዮታት ግን ኣብ ካልኦት መድረኻት እውን ከም ዝረኣዩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት "ስራሕቲ" ዝዝርግሕ ኣካውንት ኣብ ፌስቡክን ዩቱብን እውን ብሰፊሑ ኣለዉ።
ኣብ ቲክቶክ ህቡባት ንክኾኑ ዓቢ ረቛሒ፡ ኣልጎሪዝም ናይቲ መተግበሪ እዩ ዝውስኖ።
"ኣልጎሪዝማት፡ እቲ ትሕዝቶ ዝያዳ ግብረ መልሲ ብዝረኸብ መጠን ዝወሃቦ ሽልማት'ዩ" ትብል ኣሊክስ።
"እቲ ግብረ መልሲ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ፡ ጾታዊ ይኹን ኣይኹን ኣየገድስን።"
"እቲ ግብረ መልሲ እንተረኺብካ፡ ገንዘብ ትርከብ ኣለኻ ማለት'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







